እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኣመሪካ፡ ኣብ ድሮ መረጻ መን ይመርሕ ኣሎ?
ኣብ መፃኢ ሰሉስ 5 ሕዳር 2024 ዝካየድ መረፃ ኣመሪካ፡ ተዓዊቲ መፃኢ ፕረዚደንት ንምዃን ዝግበር ዘሎ ንሕንሕ ዝቐፀለ ዀይኑ ኣሎ።
ኣብ ገለ ግዝኣታት ዘይተገመተ ውጽኢታት ዳህሳስ እንትረአ፡ ክልቲኦም ሕፁያት ተወዳደርቲ፡ ካማላ ሃሪስን ትራምፕን፡ ኣብ ተሪር ጐስጓስ ተፀሚዶም ይርከቡ።
ካብ ግዝኣት ኣዮዋ ዝተገብረ መባእታዊ ዳህሳስ፡ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ብ47 ሚእታዊት ክትመርሕ እንከላ፡ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ብ44 ሚእታዊት ይኽተላ ከም ዘሎ የመልክት።
ኣብቲ ነዚ ዳህሳስ ዘካየደ ትካል እትሰርሕ ፍልጥቲ ተመራማሪት ኣን ሰልዘር፡ እዚ ውፅኢት ካብ 808 መረጽቲ ብዝተረኽበ ድምፂ ዝተወስደ ኰይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮን ነጻ መረጽትን ንካማላ ሃሪስ ኣብሊፀን ክዀና ከም ዝኽእላ ተዛሪባ ኣላ።
እዚ ማለት ግን ናይ መወዳእታ ውፅኢት ዘርኢ ከም ዘይኰነ እቲ ትካል ሓቢሩ ኣሎ።
'ዶስ ሞይንስ ረጂስተር ኒውስፔፐር'፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም ሕጹያት ኣብቲ ዳህሳስ ካብ 50 ሚእታዊት ድምጺ ንታሕቲ ስለ ዝረኸቡ፡ ኣብቲ መረጻ ዝካየደሉ መዓልቲ [ሰሉስ] እንታይ ከም ዝኸውን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ገሊፁ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ መረፃታት፡ ኣብ ግዝኣት ኣዮዋ ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ድምጺ ተዓዊቱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣዮዋ ግን ሓንቲ ካብተን ሸውዓተ ወሰንቲ [ኣገደስቲ] ግዝኣታት ኣይኰነትን።
እንተዀነ፡ ክልቲኦም ሕጹያት ኣብታ ብንቡር ከም ናይ ‘ሪፓብሊካን’ ሕዛእቲ ተገይራ እትውሰድ ግዝኣት ዝቐራረብ ውፅኢት ምርካቦም፡ ነቲ ጉዳይ ኣዘራራቢ ኣርእስቲ ገይርዎ ኣሎ።
ኣመሪካ እትኽተሎ ስርዓት ኮሌጅ መረፃ ይበሃል።
ብድምር 538 ኮሌጃት መረፃ [ተወከልቲ] ኣለውዋ። ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ከከም ብዝሒ ህዝበን እዩ ቁፅሪ ኮሌጃት ዝወሃበን።
ሃሪስ ወይ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ንምእታው እንተወሓደ 270 ድምጺ ኮሌጅ መረፃ ክዕወቱ ኣለዎም።
ኣዮዋ፡ ብስፍሓታ ከም በዓል ዊስኮንሲንን ሚቺጋንን ዝኣመሰላ ወሳንቲ ግእዝኣት እንተዀነት'ኳ፡ 6 ተወከልቲ ኮሌጃት መረፃ ጥራይ ኣለዋኣ።
ጉጅለ ጎስጓስ ዲሞክራት፡ ካማላ ሃሪስ ኣብ ኣዮዋ ትመርሕ ኣላ ኢሎም ሓጎሶም'ኳ እንተገለፁ፡ ጉጅለ ጎስጓስ ትራምፕ ግን ነቲ ውፅኢት ዳህሳስ ይነፅጐ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ጐጅለ ጐስጓስ ትራምፕ፡ ጄሰን ሚለር፡ ትራምፕ ኣብ ኣዮዋ ብ10 ሚእታዊት ይመርሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መረፃ "ሓደ ዘይረብሕ ዳህሳስ" ኣይሰኣንንን ከብል ነቲ ትካል ነቒፉ።
ክልቲኦም ኣብ ሓያል ጐስጓስ ተፀሚዶም ኣሎ
ካማላ ሃሪስ፡ መዓልቲ ጐስጓሳ ኣብ ኣትላንታ ጀሚራ ድሕሪኡ ናብ ሰሜን ካሮላይና ኣቕኒዓ ኣላ።
እታ ሕፅይቲ ዲሞክራት፡ ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን፡ ኣብ መሰል ስነ-ተዋልዶ ደቂኣንስትዮ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ትራምፕ "መሰላትክን ክድርት'ዩ" ክትብል ከሲሳ ኣላ።
ምስ ካልኦት ተሓጋገዝታ ኰይና፡ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታትን ከተማታትን ጎስጓሳ ኣሐይላ ክትቅፅለሉ መደብ ኣለዋ።
ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ካብተን ወሰንቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ዝዀና፡ ሰሜን ካሮላይናን ቨርጂንያን ጒስጓስ ኣካይዱ ኣሎ። ንሱ፡ ብፍላይ ኣብ ዛዕባታት ቁጠባን ስደትን ኣተኲሩ እዩ ዝጒስጉስ ዘሎ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ብዛዕባ ብሕክምናዊ መንገዲ ዝቕየር ጾታ (ትራንስጀንደር) እውን ተዛሪቡ።
"መሰል ወለዲ" ክሕሉ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ደቂ ተባዕትዮ ካብ ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ክረሓቑ" ኣጠንቂቑ።
ትራምፕ፡ "ብሰፊሕ ፍልልይ ክንዕወት ከለና፡ ብጸቢብ ፍልልይ ክንስዕር ናይ ግድን'ዩ" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ወሲኹ፡ "ኣመሪካ ሕጂ ኣብ 'መግዛእቲ' እትርከብ ሃገር ኰይና ኣላ። ካብዚ ኣርዑት ባርነት እንናገፈላ መዓልቲ ቀሪባ ኣላ” ኢሉ።
ትራምፕ፡ እቲ መረፃ ዝካየደሉ ሰሉስ 5 ሕዳር "መዓልቲ ናጽነት ኣመሪካ" ክኸውን'ዩ ድማ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ንደገፍቱ ሰሜን ካሮላይና ን90 ደቓይቕ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ "ክንዕወት ስለ ዘለና ኣዝየ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብዙሓት ኣመሪካውያን ድሮ ድምጾም ሂቦም ኣለዉ።
ክሳብ ሰንበት 24 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ፡ ልዕሊ 70 ሚልዮን ሰባት ድምጺ ከም ዝሃቡ ማእከል ምክትታል መረዳእታ መረፃ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ሓቢሩ።