ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊተን

ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ካብ 19 ሕዳር 2023 ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝመሓላለፋ መራኽብ ንግዲ ብውሕዱ 26 መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ወተሃደራዊ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ሓቢሩ። እቶም ሑታውያን፡ ነቲ ስርሒት ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ቓዛ ብእስራኤል ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ መራኸብ እስራኤል ከምዘነጻጸረን እዮም ዝገልጹ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከምዝድግፍ ገሊጹ

    ሑሴን ዓሚር-ዓብዱላህያን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ቅድም ክብል ከምዝገለጽናዮ፡ ኢራን ናይቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ምንቅስቓስ ሑቲ ደጋፊት እያ፡፡ ኣመሪካ ድማ ኢራን ነቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ኣብ ምትላም ‘‘ዓሚዩቕ ተሳትፎ’’ ኣለዋ ኢላ ትኣምን፡፡

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ንተግባራት ሑቲ ‘‘ኣንጻር እስራኤል’’ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝንእድ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ሃገሩ ‘‘ንድሕነት ባሕርን መራኽብን ውፉይቲ’’ ምዃና እውን ኣፍሊጡ፡፡

    ሑሴን ዓሚር-ዓብዱላህያን ዓርቢ ኣጋ ግዘ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ‘‘የመናውያን ንደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ቓዛ ብምድጋፍን ንኣጽናታይ ስርዓት እስራኤል ብምቅዋምን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ተግባር ዝነኣድ እዩ’’ ኢሉ፡፡

    ንሱ ኣመሪካ ንእስራኤል ምድጋፍ ደው ክተብል እውን ጸዊዑ፡፡

  2. ሑቲ ንሓድሽ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ‘ሓያልን ኣድማዕን ምላሽ’’ ከምዝህቡ ተሓንዮም

    ሓደ በዓል መዚ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ምንቅስቓስ ሑቲ ዝዀነ ኣንሳሩላህ፡ በቲ ኣሜሪካ ዘካየደቶ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ሰብ ጉድኣት ከምዘይበጽሐ ምግላጹ ኣልጀዚራ ገሊጻ፡፡

    እቲ በዓል መዚ ነቲ ሎሚ ወጋሕታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ‘‘ሓያልን ኣድማዕን ግብረመልሲ’’ ከምዝህቡ ገሊጹ፡፡

    ወሃቢ ቃል ሑቲ ንሮይተረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ እቶም ብኣመሪካን ብሪጣንያን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ‘‘ውጽኢታዊ ኣይነበሩን’’ ኢሉ፡፡

  3. ኣብ ቀይሕባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ካብ ሚሳይል ሑቲ ንስክላ ኣምሊጣ

    ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትጓዓዝ ዝበረት መርከብ፡ ብዓርቢ ለይቲ ካብ የመናዊ ምንቅስቓስ ሑቲ ካብ ዝተተኮሰ ሚሳይል ንስለ ተሪፋ፡፡

    ትካል ንግዲ መርከብ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሚሳይል ኣብ ከባቢ ደቡብ ምብራቓዊ ዓደን ከምዝተተኮሰ ኣፍሊጡ፡፡

    ኣብታ መርከብ ዝነበረ መኮነን ከምዝሓበሮ፡ እቲ ሚሳይል ካብ 400 ክሳብ 500 ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ ወዲቑ፡፡ ሰለስተ ንኣሽቱ ጀላቡ ነታ መርከብ ይኽተላኣ ምንባረን እውን ወሲኹ ገሊጹ፡፡

    እታ ባንዴራ ፓናማ ሰቒላ ነዳዲ ሩስያ እተጓዕዝ ዘላ መርከብ ዝበጽሓ ጉድኣት ከምዘየለን ጕዕዞኣ ከምዝቐጸለትን ተሓቢሩ፡፡

    ንግዲ መርከብ ብሪጣንያ ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ከባቢ ንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ናይ ንግዲ መርከብ ከምዝተጸገዓ ዝገልጹ ብዙሓት ጸብጻባት በጺሖምኒ ኢሉ፡፡

    ኣሜሪካ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ካብ 19 ሕዳር ጀሚሩ ‘‘ብኢራን ዝድገፉ ሚልሻታት ሑቲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን፡ 28 ኣጋ ምሸት መራኽብ ንምጥዕቃዕን ምስርጣይን ፈቲኖም’’ ኢላ፡፡

    እቲ መጥቃዕቲ ጸረ-መርከብ ሚሳይላትን ድሮናትን ዘወሃሃደ ከምዝዀነ እውን ኣፍሊጣ፡፡

    ዕጡቓት ሑቲ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕ ዝሓልፋ መራኽብ ኣብ ሕዳር መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ብዙሓት መራኽብ መገደን ክቕይራ ተገዲደን ኣለዋ፡፡

  4. ዛጊት ዝተርኣዩ ቀንዲ ምዕባለታት

    ሰልፊ ተቓውሞ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ የመን ነቶም ብኣመሪካን ዩኬን ዝተፈጸሙ ደብዳባት ዝቃወሙ ሰልፊታት ተኻይዶም

    ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዛጊት ዝተርኣዩ ቀንዲ ምዕባለታት

    • ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዘንቀሳቐሳ መራኽብ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽልዎ መጠንቀቕታ ምሃቦም ስዒቡ ኣመሪካ ኣብ ትሕዝቶታት እቶም ተዋጋእቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣካይዳ
    • ዩኤስኤስ ካርነይ ዝተባህለት ዓርሞሸሽ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ቶማሃውክ ክሩዝ ሚሳይል ብምጥቃም ኣብ የመን ንዝርከብ ራዳር ከምዘጥቀዐት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ
    • እዚ ደብዳብ መቐጸልታ ናይቲ ብዓርቢ ኣመሪካን ዩኬን ኣብ 30 ከባቢታት ዝፈጸመኦ መጥቃዕቲ እዩ
    • መራሒ ምንቅስቓስ ሑቲ ነቶም ብኣመሪካን ዩኬን ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ምላሽ ከምዝህቡ ተሓንዩ
    • ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ኩሎም ወገናት ምእንቲ ዞባዊ መሰላምን ርግኣትን ነቲ ኲነታት ‘‘ ከየጋድድዎ’’ ጸዊዑ
  5. ቶማሃውክ ሚሳይላት እንታይ እዮም?

    ቶማሃውክ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, እዚ ቶማሃውክ ሚሳይል ኣብ 2003 ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዒራቕ ዝተተኮሰ እዩ

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብዛዕባ እንታይነት እቲ ሎሚ ወጋሕታ ንመከላኸሊ ኣየር ሑቲ ዝደብደበሉ ‘ቶማሃውክ ሚሳይል’ መግለጺ ሂቡ ኣሎ፡፡

    ቶማሃውክ ሚሳይል ካብ መሬት ዝትኮስ ክሩዝ ሚሳይል ኮይኑ ብመሳርሒ ጂፒኤስ ዝእለን ዕላምኡ ንምውቃዕ ክጠማዘዝ ዘኽእል ፕሮግራም ከምዘለዎን እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ፡፡

    እዞም ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ኮይኖም፡ ብቀንዱ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ መራኽብን ጠለቕቲ ጀላቡን ይጥቀሙሎም፡፡

    ካብ ባሕሪ ዝብገስ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ከምዝሕብሮ፡ ቶማሃውክ ሚሳይላት ኣብ ኣዝዩ ትሑት ብራኸ ካብ ፍጥነት ድምጺ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈን ክውንጨፉ ዝተነደፉ እዮም፡፡

    ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ እዋን ኲናት ወሽመጥ ባሕሪ ኣብ 1991 እዞም ሚሳይላት ተጠቒማ፡፡

  6. ብዛዕባ እዚ ሓዲሽ መጥቃዕቲ እንታይ ንፈልጥ?

    ኣሜሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዘካየደቶ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ገና ብዝርዝር ኣይወጸን ዘሎ።

    ብሑቲ እትመሓደር ቴሌቪዥን ኣል-ማሲራ፡ ብምንቅስቓስ ሑቲ ዝተታሕዘት ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ዒላማ ከምዝኾነት ሓቢራ።

    "ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ብብዙሕ ዒላማታት ሃሪሞም" ክብል እታ ቻነል ኣብታ ከተማ ንዝነበረ ወኪላ ብምጥቃስ ጽሒፋ።

    ካብ ትማሊ ጀሚረን ነፈርቲ ውግእን መራኽብን ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ መላእ የመን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸር መጥቃዕቲ ኣካይደን።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ እቲ ዝወስደ ስጉምቲ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተወስደ መጥቃዕቲ "ንነብሰ ምክልኻል" ከምዝተገብረ ገሊጹ።

  7. ደብዳብ ኣመሪካ ኣብ የመን ንካልኣይ መዓልቲ ቀጺሉ

    ብዓርቢ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ የመን

    ምንጪ ስእሊ, Maxar Technologies

    መግለጺ ስእሊ, ብዓርቢ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ የመን

    ሰላም ከመይ ትሓድሩ ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፤ ምዕባለታት ቀይሕ ባሕሪ ናብ እነቕርበሉ ቀጥታዊ ገጽ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ንካልኣይ መዓልቲ ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ሑቲ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ፡፡

    እቲ ሎሚ ወጋሕታ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንመከላኸሊ ኣየር እቶም ዕጡቓት ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ በታ ብዩኤስኤስ ካርነይ እትፍለጥ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትንቀሳቐስ ዓርሞሸሽ መርከብ ውግእ ኣመሪካ እዩ ተፈጺሙ፡፡ እታ መርከብ ውግእ ኣብዚ ቕነ ካብ የመናዊ ጉጅለ ሑቲ ዝተተኮሱ ድሮናት ወቒዓ ከምዘውደቐት ተገሊጹ ነይሩ፡፡

    ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ብሚሳይል ቶማሃውክ ዝተፈጸመ እዩ ኢሉ፡፡

    እቲ መጥቃዕቲ መቐጸልታ ናይቲ ትማሊ ዝተጀመረ ደብዳብ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለጺ ‘‘ ሑቲ፡ ንግዳዊ መራኽብ ናይ ምጥቃዕ ትኽኡሎኡ ንምድኻም’’ ዝዓለመ ምዃኑ ኣረዲኡ፡፡

  8. ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣብ ከተማ ሰንዓ

    ዓቢ ተቓውሞ ደገፍቲ ሑቲ ኣብ ከተማ ሰንዓ፡ 12 ጥሪ 2024

    ምንጪ ስእሊ, ep

    ኣብታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሑቲ እትርከብ ርእሰከተማ ሰንዓ ነቲ ትማሊ ለይቲ ብሓይልታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝተኻየደ ደብዳባት ዝኹንን ተቓውሞታት ክካየድ ውዒሉ።

    እቲ ብነፈርቲን መራኽብ ኲናትን ዝተኻየደ ደብዳባት ብውሕዱ 5 ኣባላት ሑቲ ከምዝተቐትሉ ኣፈኛ እቲ ጉጅለ ሓቢሩ።

    እቶም ሰልፈኛታት ንባንዴራታት ኣመሪካን እስራኤልን ብምቅጻል ቁጠዐኦም ክገልጹ ተራእዮም።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መርከብ ሚሳይል ከምዝተተኮሰ ጸብጻባት ሓቢሮም። ዛጊት በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለን እታ መርከብ ጉዕዞኣ ከምዝቐጸለትን ተፈሊጡ’ሎ።

  9. ጉጅለ ሑቲ ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝወረዶም ክሳራ ገሊጾም

    ኣፈኛ ሑቲ ያሕያ ሳሪ ኣብ ተለቪዢን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብውሕዱ 5 የመናውያን ዕጡቓት ኣባላት ሑቲ በቲ ትማሊ ለይቲ ካብ ነፈርትን መራኽብን ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝወረዶም መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጦም።

    እቲ ዝወረዶም መጥቃዕቲ “መቕጻዕትን ግብረመልሲን” ከስዕብ ምዃኑ’ውን ሑቲ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

    ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ ያሕያ ሳሪ ኣብ ተለቪዢን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብድምር 73 ደብዳባት ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።

    “እዚ ውጹእ ወራር እዩ” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት 6 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝቖሰሉ ጠቒሱ።

    ኣፈኛ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ እቲ ንመኽዘን ኣጽዋርን መአዘዚ ነቚጣታትን ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ፡ እቲ ሑቲ ኣብ መራኽብ ንግዲ ዘካይድዎ መጥቃዕቲ “ሳዕቤን ከምዘለዎ ሓያልን ንጹርን መልእኽቲ” ምዃኑ ገሊጹ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ብወገኑ፡ እቲ መጥቃዕቲ “ድሩት፡ ኣድላዪን ተመጣጣኒን ስጉምቲ ርእሰምክልኻል” ምንባሩ ተዛሪቡ።

  10. ብሰንኪ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ዋጋ ነዳዲ ይዓርግ

    መደበር ነዳዲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ብሪጣንያን ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ድሕሪ ዝወሰድዎ መጥቃዕትታት ዋጋ ነዳዲ ብ4 ሚእታዊት ወሲኹ።

    ድሕሪ’ቲ ሎሚ ንጉሆ ዝተራእየ ናህሪ ዋጋ ሓደ ዘይተጻረየ በርሚል ነዳዲ $80.55 በጺሑ’ሎ።

    እቲ ዝተወስደ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብምግዳድ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ሕጽረት ከየጋጥም ዓቢ ስግኣት ኮይኑ ይርከብ።

    እቲ ኩነታት ናብቲ ኣፍደገ ወሽመጥ ዓረብ ዝኾነ መጻብቦ ሆርሙዝ እንተሰፊሑ ከኣ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ተንተንቲ የጠንቅቑ ኣለዉ።

    መዓልታዊ ኣስታት 20 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከምዝሓልፍን፡ እዚ ድማ 20 ሚእታዊት ቀረብ ነዳዲ ዓለም ዝውክል ምዃኑን ይግለጽ።

  11. ሩስያ እቲ መጥቃዕቲ ‘ሕጋዊ ኣይኮነን’ ኢላ

    ኣፈኛ ክረምሊን ነቲ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ዝፍጽምኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።

    ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕጊ፡ ሕጋውያን ኣይኮናን፡” ኢሉ።

    ፐስኮቭ ወሲኹ፡ ሑቲ ነቲ ኣብ መራኽብ ዝገብርዎ መጥቃዕቲ ከቋርጹ ሃገሩ ብተደጋጋሚ ከምዝተማህጸነት ተዛሪቡ።

    ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ክትንቀፍ ዝጸንሐት ሩስያ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ የመን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዘይ ዝኾነ ደገፍ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ብኣሜሪካን መሻርኽታን ዝፍጸም ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑን ገሊጻ።

    ሩስያ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ጸዊዓ ኣላ።

    ሩስያ ምስታ ንሑቲ እተዕጥቕ፡ እተሰልጥንን እትድግፍን ኢራን ጥቡቕ ዝምድና እዩ ዘለዋ።

    ብረቡዕ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሑቲ ኣብ መራኽብ ዝገብርዎ መጥቃዕቲ ብህጹጽ ደው ከብሉ ንዝጽውዕ እማመ፡ ሩስያን ቻይናን ድምጺ ካብ ምሃብ ተቘጢበን።

  12. ስዑዲ ዓረብ ኩነታት ናብ ዘይተደልየ ከይዓርግ ጥንቃቐ ክግበር ጸዊዓ

    ካብ 2015 ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሑቲ ብነፈርቲ ወፍሪ ዝመርሐት ስዑዲ ዓረብ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን "ኩነታት ናብ ዘይተደልየ ከይዓርግን" ጥንቃቐ ክግበር ጸዊዓ።

    ወግዓዊ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ከምዝሓበሮ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ስርሒት "ብዓቢ ሻቕሎት" ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ስዑዳውያን ንሑቲ ንምእላይን ምስ ስዑዲ ዓረብ መሓዛ ዝነበረ መንግስቲ የመን ንምምላስን ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ መስሪቶም።

    ስዑዲ ዓረብ ዝመርሓቶ ልፍንታዊ ወፍሪ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለን፡ ካብኣቶም ፍርቆም ህጻናት ከምዝኾኑን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

    ስዑዲ ዓረብ ቀንዲ መሓዛ ናይተን ክልተ ዓበይቲ ኣቕረብቲ ኣጽዋር ዝኾና ኣመሪካን ብሪጣንያን እያ።

    ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, US Central Command/Reuters

  13. ዕጡቓት ሑቲ መን እዮም ዕላማኦምከ እንታይ እዩ?

    ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብቶም ኣብ የመን ዝርከቡ፡ ‘ዛይዲን’ ዝበሃሉ ውሑዳን ተኸተልቲ ሺዓ ኣስላም እዮም።

    እቲ ጕጅለ፡ ነቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ‘ዘስፋሕፍሐ ብልሽውና ንምምካት’ ብዝብል ኣብ 1990ታት ዝተመስረተ እዩ።

    ስም እቲ ምንቅስቓስ፡ ካብ መስራቲኡ ሑሴን ኣል ሑቲ ዝተወስደ ኰይኑ፤ እቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱ ‘ኣንሳር ኣላህ’ ወይ መሻርኽቲ ኣላህ ኢሉ የቐምጥ።

    ኣሜሪካ እትመርሖ ወራር ዒራቕ ኣብ 2003 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ “ኣምላኽ ዓቢ እዩ! ሞት ንኣሜሪካ! ሞት ንእስራኤል! መርገም ንኣይሁድ! ዓወት ንእስልምና!" ዝብል ጭርሖ ኣልዒሎም።

    ሑቲ፡ ምስ ሓማስን ሕዝቡላህን ኣካል ናይቲ ብኢራን ዝምራሕ ኪዳን ኣንጻር እስራኤል፡ ኣሜሪካን ምዕራባውያን ብሓፈሻ ምዃኑ ኣዊጁ እዩ።

    እዚ ድማ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ኣብዚ እዋን ሑቲ ኣንጻር እተን ናብ እስራኤል ዝኸዳ መራኽብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ምዃኑ፡ ሕሻም ኣል-ዑመይሲ ተንታኒ ጉዳያት የመን ኣብ ትካል ሰላም ኣውሮጳ።

    "ሕጂ ብርግጽ ኣንጻር ሃጸያውያን እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ፤ ኣንጻር እቶም ጸላእቲ ህዝቢ እስልም እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ" ይብል፡ "እዚ ድማ መበገሲ ዕላማታቶም እዩ ይብል።"

    ሑቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  14. ኢራን ኣብ ጥቓ ዖማን ዝነበረት መርከብ ጽዕነት ነዳዲ ተቖጻጺራ

  15. ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ መጥቃዕቲ ክቕጽል’ዩ

    ወሃቢ ቃል ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ ዒላማ ምግባር ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

    ብተወሳኺ

    • ሓይልታት ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ብኢራን ዝድገፉ ጕጅለ ሑቲ ዝጥቀሙሉ ልዕሊ ደርዘን ቦታታት መጥቃዕቲ ቦምባታት ኣካይዶም። እዚ ድማ ነቲ ሑቲ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ’ዩ።
    • ኣብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ፡ ወደባዊት ቀይሕ ባሕሪ ሑደይዳ፡ ዳማርን ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ መዋፈሪ ሑቲ ሳዓዳን መጥቃዕትታት ተኻይዶም።
    • ሰበስልጣን ሑቲ፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ነዚ "ቅሉዕ ወራር" "ከቢድ ዋጋ ክኸፍላ እየን" ክብሉ ኣጠንቂቘም ኣለው። ሑቲ ንመሻርኽቶም ሓማስ ንምድጋፍ ናብ እስራኤል ገጸን ዝኸዳ መራኽብ ዒላማ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
    • ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ "ህዝብናን ነጻ ዋሕዚ ኣህጉራዊ ንግድን ንምሕላው" ተወሳኺ ስጕምትታት ክውሰዱ ከምዝኽሉ ኣጠንቂቝ።
    • ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ፡ እቲ መጥቃዕትታት "ኣድላዪን ተመጣጣንን እዩ" ኢሉ።
    • ሆላንድ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳን ባሕሬንን ከም ኣካል ናይቲ ተልእኾ ደገፍ ሂበን።
    • ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኵነታት ብዓቢ ስክፍታ ትከታተሎ ከምዘላ ገሊጻ።
    ሑቲ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  16. ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?

  17. መጥቃዕቲ ኣየር እኹል ድዩ?

    ወተሃደራዊ ሓንጸጽቲ ምዕራብን ፖለቲካዊ ሓለፍቶምን እቲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ክካየድ ዝሓደረ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሑቲ ኣብ መራኽብ መጥቃዕቲ ምፍጻም ደው ከብል ከገድዶ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም፤ እንተዀነ ክውንነታዊ ኣይመሰልን።

    ብኢራን ናይ ዕጥቂ፡ ስልጠናን ስልያዊ ሓበሬታታትን ዝቕረበሎም ዕጡቓት ሑቲ ተቓውሞኦም እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ። ሑቲ፡ ኣብ ፍልስጤም ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ደጋፊ ሓማስን ፍልስጤማውያንን ተጻራሪ እስራኤልን ምዃኑ ብቅሉዕ ኣርእዩ እዩ።

    እዚ ብቐሊሉ ዝሓድግዎ መርገጺ ኣይኰነን። ሑቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ የመን ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ኣብ ሚያዝያ 2015 ስዑዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ወፍሪ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ እቲ ኲናት ኣብቲ ዓመት ክዛዘም ምዃኑ እያ ገሊጻ ነይራ።

    ሕጂ ድሕሪ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ግን ሑቲ ዝያዳ ኣደልዲሉ ረጊጹ ኣሎ። ኣሜሪካን መሻርኽታን እዚ ስርሒት ሓጺር፡ ንጹርን ውሕድ ህይወት ሰብ ዝኽፈሎን ክኸውን ክደልያ እየን። ሑቲ’ውን ናቶም ሓሳብ ይህልዎም ይኸውን።

    ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ
  18. ሩስያ ህጹጽ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዓ

    ሩስያ ምስቲ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ የመን ዝፍጸማኦ ዘለዋ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ንምዝታይ ንሎሚ ዓርቢ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ጸዊዓ ምህላዋ ቀዋሚ ወኪል እታ ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

    ወኪል ሩስያ ንማዕከን ዜና ታስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣቈጻጽራ ሰዓት ኒውዮርክ 10፡00 (15፡00 GMT) ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

    ዝሓለፈ ረቡዕ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።

    ቀወምቲ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ዝዀና ሩስያን ቻይናን ምስ ኣልጀርያን ሞዛምቢክን ኣብቲ ውሳነ ድምጸን ክዕቅባ እንከለዋ፡ 11 ሃገራት ግን ነቲ ውሳነ ደጊፈን።

    ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  19. ፔንታጎን ብዛዕባ ዕላማታት መጥቃዕቲ ኣየር እንታይ ይብል

    መርከብ ኣሜሪካ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ "ስጕምቲ ንዓቕሚ ሑቲ ንምዝራግን ንምውራድን ዝዓለመ’ዩ" ኢሉ።

    እቲ መጥቃዕቲ፡ "ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሑቲ፡ መራኽብ፡ ክሩዝ ሚሳይልን ራዳራት ገማግም ባሕሪን ዓቕሚ ምክትታል ኣየርን ዒላማ ዝገበረ'ዩ።"

    ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ፡ እቲ ሓላፊ ፔንታጐን፡ ነቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ካብቲ መጥባሕቲ መንሽሮ ፕሮስቴት ዝገበረሉ ሆስፒታል ብቐጥታ ከምዝተኸታተሎ ገሊጹ።

    እዚ በዓል ስልጣን፡ ሓላፊ ፔንታጐን፡ ብንጡፍ ከምዝተሳተፈን፡ ቅድሚ እቲ ስርሒት ኣብ ዝሓለፉ 72 ሰዓታት ክልተ ግዜ ምስ ፕረዚደንት ከምዝተዘራረበን ሓቢሩ።

    ኦስቲን ኣብዚ ሰሙን ብዛዕባ ኣብ ሆስፒታል ዝኣተወሉን ኣብ ጽዑቕ ክንክን ኣብ ዝጸንሐሉን እዋን ንዋይት ሃውስ ክሕብር ብዘይምኽኣሉ፡ ፖለቲካዊ ጸገማት ኣጋጢምዎ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

  20. ‘ሑቲ ዛጊት ግብረመልሲ ኣይሃበን’ - በዓል ስልጣን ኣሜሪካ

    ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ምስ ጋዜጠኛታት ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ መግለጺ፡ ካብ ኣዘዝቲ ሓይልታት ሑቲ ዛጊት ዝዀነ ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ኣይተዋህበን ክብል ገሊጹ።

    እቲ ስሙ ክርቋሕ ዘይደለየ በዓል ስልጣን “ክሳብ ሕጂ፡ ናብ ኣሜሪካ ይዅን ካልኦት ኣባል ሃገራት እዚ ኪዳን ዝቐንዐ ቀጥታዊ ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ኣይረኣናን ዘለና” ኢሉ።

    "ብርግጽ ንነብስና ክንከላኸል ተዳሊና ኣለና፤ እንተዀነ ኣብዚ እዋን ሑቲ ዝዀነ ግብረመልሲ ኣይሃበን” ክብል እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ሓቢሩ።