🔴ቀጥታ፡ ሓይልታት እስራኤል ጸረ-መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ስርሒታት ጀሚሮም
ቓዛ ናብ ‘ገሃነም ትንቆት’ ኣላ ክብል ዘጠንቅቕ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ህዝቢ እታ ዞባ ክወጽእ ንዝሃበቶ ትእዛዝ ከተቋርጾን ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱን ይምሕጸን ኣሎ
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ እስራኤል ምብፃሕ የካይድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓማስ ዝተፈጸመ መስካሕኽሒ መጥቃዕቲ ደገፍ ሃገሩ ንምግላፅ ናብ እስራኤል ኣትዩ።
ካብቶም ብሓማስ ዝተጨውዩ ገሊኦም ኣሜሪካውያን እንትዀኑ፡ብሊንከን ክፍትሑ ክጠልብ ትጽቢት ይግበር።
ብተወሳኺ ቅድሚ እቲ እስራኤል ኣብ መሬት ክትጅምሮ እትኽእል መጥቃዕቲ፡ንሲቪላት ቓዛ ውሑስ መሕለፊ ክደልዩ ክጽውዕ እዩ።
ኣስታት 22 ዜጋታት ኣሜሪካ ኣብ እስራኤል ከምዝሞቱ እውን ይዝረብ።
ብኣሜሪካ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ዝተበየነ ሓማስ ብቀዳም ኣብ ምድረ በዳ ቓዛ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ሓጹር ዶብ ሰይሮም፡ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፡ ክሳብ 150 ሰባት ጅሆ ወሲዱ።
ብሊንከን ሓሙስ ንግሆ ምስ ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕሄርዞግ፡ድሕሪ ቀትሪ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ክራኸቡ ትጽቢት ይግበር።
ዓርቢ ድማ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ ኣማን ምስ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስን ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላን ክራኸቡ እዮም።
ሮይተርስ ንሓደ ስሙ ዘይተፀርሐ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጋዛ ክሳብ 600 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣሜሪካውያን ከምዘለዉን ገሊኦም ክወጹ ከምዝደልዩን ገሊጹ።
ኣብ እስራኤልን ቃዛን እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
• ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስታ ሃገር ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምርኣይ፡ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ናብ እስራኤል ክኣትው ምዃኑ ተሓቢሩ። ምስ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ክራኸብ ምዃኑ’ውን ሰብመዚ ፍልስጤም ገሊጾም። ፖለቲካዊ መሪሕነት ፍልስጤም ኣብ መንጎ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ሰልፊ ፋታሕ ማሕሙድ ዓባስን ንመሬት ጋዛ ዝቆጻጸሩ እስላማውያን ዕጡቓት ተቓወምቱ ሓማስን ኣዝዩ ዝተመቓቐለ እዩ።
• ዋይት ሃውስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብሓማስ ዝተቖረፁ ህጻናት ‘ርእየ’ ንዝብል ርእይቶ መልሲ ሂብሉ። እቲ ፕረዚደንት ከምኡ ዓይነት ምስልታት ከምዘይረእየ ኣረጋጊፁ።፥
• ኣብ ጋዛ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝተጎድኡ ሰባት ንህይወቶም ንምድሓን ዝቃለሳ ዘለዋ ሆስፒታላት ኣልግሎት ኤሌክትሪክ ይስእና ኣለዋ። ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ቅልውላው እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እቲ እንኮ መደበር ሓይሊ ኤሌክትሪክ እቲ ኣብ ዕፅዋ ዝርከብ ከባቢ ጋዛ፡ትማሊ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ።
እስራኤል ቅድሚ መዓልታት ኩሉ ቀረብ ነዳዲ፣ ማይን መግብን ናብ ጋዛ ከይኣትው ከምዝኸልከለት ተገሊጹ።

• ሰበስልጣን ጥዕና ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ 1200 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጾም። ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ስዒቡ እውን በዝሒ ሞት 1200 በፂሑ ኣሎ። ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ጋዛ ብውሕዱ 150 ጅሆ ሒዙ ይርከብ።
• ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 338 ሽሕ ቃዛውያን ከምዝተመዛበሉ - እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብ30% ከምዝወሰኸ ገሊጹ። ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቃዛ "ወሳኒ መድሕን ህይወት" ክፍቀድ ሓቲቱ።
"ሕጂ ቅልጡፍን ዘይተደረተን ሰብኣዊ ተበጻሕነት የድልየና'ዩ"።
• እስራኤል ትማሊ ረቡዕ ኣንጻር ኲናት ተቓዋሚ ቤኒ ጋንትዝ ዘካተተ ‘ሓበራዊ ካቢነ ሚኒስተራት’ ኣጣይሻ። ሚኒስተር ምክልኻል ዮኣቭ ጋላንት፡ “እዚ ሓማስ ዝበሃል ነገር ካብ ገጽ ምድሪ ክጠፍእ ኣለዎ” ኢሉ።
•እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ቃዛ 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ዘውፈረት ኰይና፡ብመሬት ወራር ክትጅመር ከምእትኽእል ተገሊጹ።
•ኣሜሪካ ምስ እስራኤል፣ ሕቡራት ሃገራትን ግብጽን ትዘራረብ ኣላ፣ ሓገዝ ናብ ጋዛ ምፍቃድን ንገለ ነበርቲ ካብቲ ግዝኣትውሑስ መሕለፊ ንምሃብን ትዝቲ ኣላ።
ሕቡራት ሃገራት ፅባሕ ዓርቢ ኣብ ጉዳይ እስራኤል-ጋዛ ከምዝዝትይ ተሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ብዛዕባ ዘሎ ግጭት ንምዝታይ ጽባሕ ዓርቢ ክራኸብ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ተቐያሪት ፕረዚደንትነት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሓዘት ብራዚል “ንኹነታት ቓዛ ንምፍታሕ” ብዝብል ኣኼባ ጸዊዓ'ላ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብራዚል ማውሮ ቪየራ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ኣኼባ ክሳተፍ ምእንቲ ነቲ ኣቐዲሙ ዝወጠኖ ናይ ኤስያ ጉዕዝኡ ሰሪዝዎ።
ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብንበት ኣብ ዝገበርኦ ኣኼባ ብዛዕባ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብ ዝምልከት ፖሊሲ ተፈላልየን ነይረን።
ግብጺ ቅድሚ መጥቃዕቲ ሓማስ ንእስራኤል ኣጠንቂቓ ነይራ ድያ?
መራሕቲ እስራኤል ናይ ህጹጽ እዋን መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ በኒ ጋንትዝን ናይ ህጹጽ እዋን መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም።
ክልቲኦም መራሕትን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገርን ዝርከብዎ “ካቢነ ኲናት” ክቐውም’ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እዚ ማለት፡ እቲ ህጹጽ እዋን ክሳብ ዝውዳእ፡ ብዘይካ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝምልከት ካልእ ኣጀንዳታት መንግስቲ ተወንዚፉ ክጸንሕ’ዩ።
እቲ ውሳነ ዕድመ ናይ ኩሎም ላዕለዎት መዝነታት ሓለፍቲ ብቐጥታ ክናዋሕ ዝገብር’ዩ።
ሰራዊት እስራኤል ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣቱ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እወን’ዩ እቲ ውሳነ ተወሲዱ ዘሎ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት እታ ሃገር ናብ ዶብ እታ ተኸርዲና ዘላ ዞባ ተጸጊዖም ኣለዉ።
ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣመሪካ ናብ እስራኤል ክኣቱ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, @Warship_78
ኣመሪካ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ጎኒ እስራኤል ደው ከምእትብልን ዘድሊ ወተሃደራዊ ደገፍ ከምእትገብርን ድሕሪ ምግላጻ፡ ቀዳመይቲ ኣጽዋር ዝሓዘት ነፋሪት ናብ እስራኤል ኣትያ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ‘ቅሉዕ እከይ ሽበራ’ ክብል ንመጥቃዕቲ ሓማስ ብምኹናን እስራኤል ርእሳ ንምክልኻል ምሉእ መሰል ከምዘለዋ ተዛሪቡ ነይሩ።
ድሮ ዩ-ኤስ-ኤስ ጀራልድ ፎርድ ዝተባህለት ነፈርቲ ውግእ እትጽዕን ዓርሞሸሽ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ምስ ጭፍራኣ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ብምኻድ ኣብ ገማግም ባሕሪ እስራኤል ክትጽጋዕ ተኣዚዛ ነይራ’ያ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ቀዲሙ ዝተላእከ ተተኮስቲ” ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ነቫቲም” ከምዝኣተወ ሓቢሩ’ሎ።
ዛጊት 14 ዜጋታት ኣመሪካ ኣብቲ ሓማስ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ትማሊ ባይደን ሓቢሩ ነይሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኤሊ ኮሀን ኣብ ኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር) ኣብ ዝጸሓፎ ርእይቶ ሓደ ጎደና እስራኤል ዝተሰቕለ ፖስተር ብምልጣፍ “የቐንየልና ክቡር ፕረዚደንት” ክብል ንባይደን ዘለዎ ምስጋና ገሊጹ።
ወጥሪን ኲናትን እስራኤል-ፍልስጤም ክንግንዘብ ዘኽእሉና 5 ቀንዲ ነጥቢታት
ብዛዕባ እስራኤል-ሓማስ እንታይ ትፈልጡ?
ግጭት እስራኤል-ሓማስ ናበይ'ዩ ኣንፈቱ?
ኔታንያሁ ንጆ ባይደን ብስልኪ ኣመስጊኑ

ኔታንያሁ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ‘ካብ ኣይኤስ ኣይኤስ ዝኸፍኡ’ ምዃኖም ንባይደን ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዝነበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ንዝገበሮ ደገፍ ኣመስጊኑ።
መጥቃዕቲ ሓማስ እውን ብድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈፀመ ጃምላዊ ቅትለት ('ሆሎካስት') ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ መጥቃዕትታት ሓደ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ቓዛ ሎሚ ለይቲ ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እስራኤል ሎሚ ለይቲ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ 30 ሰባት ከምዝሞቱ ወሃቢ ቃል ሓማስ ኣፍሊጡ።
ሓይልታት እስራኤል ትማሊ ሰሉስ ምሸት ጥራይ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ 200 ዒላማታት ከምዘጥቅዑ ይገልፁ።
ብወገን ቓዛ ዛጊት 900 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለፅ
ሓደ ላዕለዋይ መኮነን እስራኤልን ዕጡቓትን ብወገን ዶብ ሊባኖስ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት ተቐቲሎም
ደሃይ ደቆም ስኢኖም ኣብ ሻቕላ ዘለዉ እስራኤላውያን
እስራኤል መጥቃዕቲ ሓማስ ንምምካት ስለምንታይ ደንጒያ?

ንሎሚ ከነመሓላልፎ ዝወዓልና ቀጥታዊ ሸፈነ ኩነታትእስራኤልን ፍልስጤማውያን ወሽመጥ ቓዛን ቅድሚ ምዝዛምና፡ምስዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ምዕባለታት ንሓደገኩም፣
- ቁጽሪ ዝሞቱ እስራኤላውያን ልዕሊ 1000 ክበጽሕ እንከሎ፡ ብወገን ቓዛ ድማ ብውሕዱ 830 ተቐቲሎም።
- ኣብ ሓደ እስራኤላዊ ቁሸት ሓማስ ብዝፈጸሞ ጃምላዊ ህልቂት ዕሸላት ህጻናት ዝርከብዎም ምሉኣት ስድራቤታት ተቐቲሎም ተረኺቦም።
- ፕረደዚንት ኣመሪካ ጆ ባይደን “ኣብ ጎኒ እስራኤል ደው ኢልና ኣለና” ክብል ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ንመጥቃዕቲ ናይቶም “ኣሸበርቲ” ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ሓማስ “እከይ ተግባር” ክብል ብምኹናን፡ 14 ዜጋታቱ ከምዝተቀትሉ ተዛሪቡ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ’ውን ጠቒሱ።
- ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ብዳብዳብ ሰራዊት እስራኤል ከምዝተቐትሉ እቲ ጉጅለ ኣፍሊጡ። እቶም መራሕቲ ዛካርያ ኣቡ ሙዓማርን ጃዋድ ኣቡ ሻማልን ዝብሃሉ እዮም። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን ብዝተወልዐ ካልእ ግጭት ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ እስራኤልን ዕጡቓት ጉጅለ ፍልስጤማዊ ጂሃድን ተቐቲሎም ኣለዉ።
- ካብ 100 ክሳብ 150 ዝኾኑ ዜጋታት እስራኤል ናብ ቓዛ ተወሲዶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ። ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ከምዝበልዎ፡ ብፍላይ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ንምፍታሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት እናሓየለ መጺኡ ኣሎ። እንተኾነ ግን ውግእ ደው ከይበለ ብዛዕባ’ቶም ጅሆ ዝሓዝዎም ሲቪላውያን ከምዘይደራደሩ ሓማስ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
- መራሒ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ብቴለፎን ብምዝርራብ ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ደው ከምዝብል ገሊጹ። እቲ ግጭት ከይጋፋሕ ምስ ዓለምለኻውያንን ዞባውያንን ወገናት ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ቃል ኣትዩ።
- ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳባት ሎሚ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ’ሎ። ኣብታ ዞባ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ናይ ሎሚ ደብዳብ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ገሊጹ። ሰራዊት እስራኤል 15 በጦሎኒታት ኣብ ከባቢ ዶብ ናይታ ተኸርዲና ዘላ ወሽመጥ ቓዛ ኣጸጊዑ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።
ንምክትታልኩም እናመስገንና፡ ኣብ ናይ ጽባሕ ቀጻሊ ሸፈነና ክሳብ ንራኸብ ድሓን ሕደሩ/ወዓሉ. . .
ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ሓደ ቁሸት ጃምላዊ ህልቂት ብምፍጸም ህጻናት ቀቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Oren Rosenfeld
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ውሽጢ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ዕጡቓት ሓማስ ኣብ ሓደ ቁሸት ኣብ ዝፈጸምዎ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዕሸላትን ቆልዑን ከምዘይነሓፉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብታ ክሳብ ሕጂ ውግእ ዝካየደላ ዘሎ ኣብ ዶብ ቓዛ እትርከብ ቁሸት ክፋር ኣዛ፡ ምሉኣት ስድራቤታት ከምዝተቐትሉ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ይገልጹ።
ወተሃደራት እስራኤል ሎሚ ሬሳታት ናይቶም ዝተቐትሉ ክእክቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
እቶም ዕጡቓት ገዛውቲ ብምቅጻል ብዙሓት ስድራቤታት ከምዝቐተሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀረሚ ቦወን ጠቒሱ።
ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል ከምዝሓበሮ፡ ገለ ካብቶም ግዳያት ክሳዶም ተቖሪጹ ዝተረኽቡ’ዮም።
ሜ/ጀነራል ኢታይ ቨሩቭ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኲናት ኣይኮነን፡ ዓውደ-ውግእ እዩ። ጃምላዊ ህልቂት’ዩ” ኢሉ።
“ናጽላታት፡ ኣዴታትን ኣቦታትን ኣብ መደቀሲ ክፍሎም፡ ኣብ ዝሕብእሉ ክፍልታት ብኸመይ በቶም ኣሸበርቲ ከምዝተቐትሉ ምርኣይ” ዘስካሕክሕ ምዃኑ እቲ ጀነራል ተዛሪቡ።
ሬሳታት ዕጡቓት ሓማስ ኣብቲ ቦታ ከምዝተረኽበ’ውን ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ብዛዕባ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን እንታይ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, YONI ASHER
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ጊላድ ኤርዳን ከምዝበሎ ካብ 100 ክሳብ 150 ዝኾኑ ዜጋታት እስራኤል ናብ ቓዛ ተወሲዶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ።
ሰራዊት እስራኤል ን50 ስድራቤታት ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ከምዘዘራረበ ገሊጹ።
ትማሊ ለይቲ ኣል-ቃስም ብርጌድ ዝተባህለ ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እስራኤል ብዘይመጠንቀቕታ ንእትገብሮ ነፍሲ ወከፍ መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ/ሓንቲ ካብቶም ጅሆ ዝሓዞም ክቐትል ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
“ኣብ ውሑስ ናይ ትሕቲ ምድሪ መዕቆቢ” ተታሒዞም ከምዘለዉ’ዩ ሓማስ ዝገልጽ ዘሎ።
ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ከምዝበልዎ፡ ነቶም ተጨውዮም ዘለዉ፡ ብፍላይ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን፡ ንምፍታሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት እናሓየለ መጺኡ ኣሎ። ምስቶም ኣብ እስራኤል ተታዘዞም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ንምልውዋጥ ዝዓለመ ምዃኑ’ውን እቶም ምንጭታት ኣሚቶም ኣለዉ።
እንተኾነ ግን ውግእ ደው ከይበለ ብዛዕባ’ቶም ጅሆ ዝሓዝዎም ሲቪላውያን ከምዘይደራደሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ካብቶም ተጨውዮም ዘለዉ እስራኤላውያን ዶሮን ኣሸርን ምስ ክልተ ደቃ፡ ኣቪቭን ራዝን ከምዝኾና ስድራቤተን ሓቢሮም።
እስራኤል ንጉዳይ ጅሆ ዝተታሕዙ ዜጋታታ ብዕቱብ ክትርእዮ ምጽንሓ ይፍለጥ። እዚ ኣብታ ወሽመጥ ትቕጽሎ ዘላ ዘየቋርጽ ጽዑቕ ደብዳብ ነቶም ዝተጨውዩ ንምፍታሕክሳብ ክንደይ ክሓላልኾ ከምዝኽእል ዘይተመለሰ ሕቶ’ዩ።
ስድራቤታት ናይቶም ግዳያት ጭውያ ግን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ተሸሚሞም ይርከቡ።
ስዑዲ ዓረብ ንፍልስጤማውያን ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን መራሒ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ብቴለፎን ተዘራሪቡ።
ኣብቲ ርክብ፡ ልኡል ቢን ሳልማን፡ ሃገሩ “ህዝቢ ፍልስጤም ብኽብሪ ክነብሩ ዝግብኦም መሰል ንምርግጋጽ፡ ተስፋኦምን ሃረርታኦምን ንምዕዋትን ፍትሓዊን ነባሪን ሰላም ንኽረኽቡን ሃገሩ ኣብ ጎኖም ደው ክትብል” ምዃና ኣረጋጊጹ።
እቲ ግጭት ከይጋፋሕ ምስ ዓለምለኻውያንን ዞባውያንን ወገናት ክሰርሕ ምዃኑ’ውን ንዓባስ ቃል ኣትዩሉ ኣሎ።
ንምዕራባዊ ገማግም ዝቆጻጸር ዓባስን ንቓዛ ዝቆጻጸር ሓማስን ክልተ ተቐናቐንቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ፍልስጤም ምዃኖም ይፍለጥ።
ደገፍ ስዑዲ ንፍልስጤማውያን ኣገዳሲ’ዩ፡ ብፍላይ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ኣመሪካ እትሳተፎ ስሉሳዊ መስርሕ ሰላም እስራኤልን ስዑዲን ኣብ ግምት ብምእታዉ።
እቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ነቲ ተቓሪቡ ክብሃል ዝቐነየ ምምስራት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ከይዓንቀፎ ከምዘይተርፍ ይግመት።
ስዑዲ ብቐዳም፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ጠንቂ ናይቲ ዝተወልዐ ግጭት ቀጻሊ ጎበጣ እስራኤል ምዃኑ ወቒሳ ነይራ።
ወጥሪን ኲናትን እስራኤል-ፍልስጤም ክንግንዘብ ዘኽእሉና 5 ቀንዲ ነጥቢታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍልስጤም ኣብ ክልተ ተመቒላ ሃገራት ዓረብን ኣይሁድን ክምስረታ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ምትፍናንን ኲናትን ብዝተፈላለየ ደረጃ ክረስንን ክዝሕልን ዓመታት ሓሊፎም እዮም።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓይልታት ፍልስጤምን ዝካየድ መጥቃዕትን ውግእን ብተደጋጋሚ እኳ እንተቐጸለ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዘጋጠመ ግን ካብ ካልእ እዋናት ዝተፈልየ ስለዝዀነ ኣሻቓሊ ኰይኑ'ሎ።
እቲ ብፍልስጤማዊ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ፡ ዝተዋደደን ሰፊሕን መጥቃዕቲ ንእስራኤላውያን ኣሰንቢዱን ኣቘጢዑን እዩ።
