“ኣስታት 97 ሚኢታዊት ከምዘድመጹ እግምት” ኮሚሽነር መረጻ ትግራይ

ኮሚሽነር መረጻ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም “ብጽቡቕ ተዛዚሙ’ሎ፤ ሰባት ድማ ሕጉሳት ነይሮም” ክብል ነቲ ውዕሎ ገሊጽዎ። ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 [ኣ.ኢ] 100 ሚኢታዊት ዝመዝገቡ ጣብያታት ከምዘለዉ ብምግላጽ ድማ “ኣስታት 97 ካብ ተመዝገብቲ ከምዘድመጹ እግምት” ኢሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. መረጽቲ፡ ሎሚ ወጋሕታ ድምጾም ምሃብ ጀሚሮም

    መረጻ

    ኣብ መረጻ ትግራይ 2012፤ መረጽቲ፡ ሎሚ ወጋሕታ ድምጾም ክህቡ ጀሚሮም።

    እተን ኣብ ምሉእ ትግራይ ዝርከባ 2,672 ጣብያታት መረጻ፡ ወጋሕታ ሰዓት 12፡00 (6፡00) ምስተኸፈታ እዩ ምድማጽ ተጀሚሩ።

    ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ግርማይ ገብሩ፡ መረጽቲ፡ ካብ ሰዓት 10:30 ኣትሒዙ ሪጋ ሒዞም ከምዝተዓዘበ ይገልጽ።

    ሪፖርተርና ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ኣብ ዝርከብ፡ ጣብያ ሰላም ድምፂ መውሀቢ ናቑጣ 1፡ መናእሰይ ብወለንተኦም ይሕግዙ ከምዘለዉ'ውን ተዓዚቡ እዩ።

    መረጻ

    "መናእሰይ ጣብያ ሰላም ብሰናይ ተበግሶኦም ህዝቢ ተፈናቲቱ ታራ ክሕዝ ይመርሑ፡ ይፍትሹ፡ ኢድ የሕፅቡ፡ ኣልኮል ወይ ሳኒታይዘር ይህቡ፡ ብፍተሻ ዝተረኸበ ንብረት ከይጠፍእ ይሕልዉ፡ ናይቲ ከባቢ ፀጥታ እውን ምስ ፖሊስ ኮይኖም ይሰርሑ ኣለዉ" ኢሉ።

    ኣብ'ቲ ናይ መረጻ ቦታ ንዝተዓዘቦ ከይዲ ድማ ብኸምዚ ይገልጾ።

    "ኣብቲ ናቑጣ መረፃ: ኣፈፃሚ መረፃ ኣረጋዊ ሃብቱ: መረፅቲ ካብቶም ዝቐረብሎም ሕፁያት ይኾኑኒ እዮም ዝበልዎም ኣርባዕተ ወከልቱ ጥራይ ክመርፁ መብርሂ ይህብ።

    መረጻ

    ተቐባሊ ጋሻ፡ ኣይተ ካሕሳይ ገብረጻድቃን ድማ ኣጋይሽ ተቐቢሉ ተፈናቲቶም ናብ ዳስ ክኣትዉ ብምምራሕ፡ ክሳብ ድምፂ ዝህቡ ይከታተሎም፡ ብዝኣተዉዎ ከይወፅኡ ብኣንፃሩ ብኻልእ ኣፍደገ ክጥቀሙ ይሕብረሎም።

    ካብ ጣብያ ጥዕና ሞሞና ዝመፀት ሲስተር ስላስ ደስታ፡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ዳስ ኮይና መጠን ረስኒ ሰባት ትዕቅን"

    መረጻ
  2. ትግራይ: ኣብ ድሮ'ቲ ኣዘራራቢ መረፃ እንታይ ትመስል?

    ባነር መረጻ ትግራይ

    ትግራይ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፍለጥ፡ ናይ ርእሳ ኮሚሽን መረጻ ብምቛም ንፈለማ እዋን መረጻ ክተካይድ፡ ምሽብሻባ ወዲኣ ንጽባሕ 4 ጳጉሜን ተዳልያ'ላ።

    ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ኮይንና ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዘዘራረብናዮም መረጽቲ ነቲ ዘሎ ኩነታትን ብውልቆም ዝገበርዎ ምድላውን ሓቢሮምና።

    መቐለ

    ሚዛን- [ኣብ ናይ ውልቀ ትካል ተቖጺራ እትሰርሕ]

    ኣነ ኣብታ ምሃብ ዝተጀመረትላ መዓልቲ እየ ካርዲ መረጻ ወሲደ። ሽዑ ክወስድ ከለኹ ሓበን ተሰሚዑኒ። ምኽንያቱ ናብዚ ንኽንበጽሕ ብዙሕ መስዋእቲ ከም ዝተኸፈለ እፈልጥ እየ።

    ሰላም ንኽረጋገጽን ዴሞክራሲያዊ መሰልና ንኽሕሎ ብዙሓት ህይወቶም ዝኽፈሉሉ ስለዝኾነ ናብዚ ብምብቀዐይ ፍሉይ ስምዒት'ዩ ተሰሚዑኒ።

  3. ከተማ መቐለ ኣብ ድሮ መረፃ ትግራይ

    ሓደ ካብ ናቑጣታት መረጻ

    ኣብ ከተማ መቐለ ጣብያታት መረፃ ዳሳት ተተተኺሎም ክዉል መውሀቢ ድምፂ ተሰናዲኡ'ሎ።

    ጎደናታትን ኣደባባያትን መቐለ ብባንዴራታት ትግራይን ኢትዮጵያን ማዕሪጎም ይራኣዩ።

    ኣብታ ከተማ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዝያዳ ጥቡቕ ሓለዋ ወፊሮም ኣለዉ። ህዝቢ ዕዉትን ርጉዕን መዓልቲ መረፃ ይምነ።

    ኮምሽን መረፃ ትግራይ ንኣካላት ሚድያ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ኣሰናዲኡ ሂቡ ኣሎ።

  4. "ምድላዋት ኣጻፊፍና ኣለና" ኮሚሽን መረጻ ትግራይ

    ኣርማ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, TIGRAY ELECTION COMMISSION

    ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ነቲ ጽባሕ ረቡዕ ዝካየድ መረጻ ዝግበሩ ምድላዋት "ብዝተኽኣሎ" ከምዘጻፈፈ ኣፍሊጡ።

    "ሳላ እቲ መሰሉ ኣፀፅዩ ዝፈልጥን ግቡእ ብፅፈት ዝፍፅምን ህዝብና ነዚ ታሪኻዊ መረፃ፡ ታሪኻውነቱ ዝዕቅብን ዘበርኽን ናይ ቅድመ መረፃ ስራሕ ወጊንና ሕዚ ኣብ ድሮ እቲ ኣገዳሲ ዕለት ንርከብ" ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

    ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ዝተፈላለዩ ዕማማት ከምዝወገነ ብምሕባር ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ተኸታተልቲ መድረኻት፡ ኣብ ዘጋጥሙ ዕንቅፋታት ከምዝዘተየ ገሊጹ።

    ምስ ኮረና ተዛሚዱ ክግበር ዝግባእ ጥንቃቐ ብዝምልከት ድማ "ሚድያታት መዓልታዊ ኣስተምህሮታት ይህባ ኣለዋ" ክብል ሓቢሩ።

    "ሕዚ እውን ግን ንዝርኣዩ ክፍተታት በብዘለናኩ ኰይንና እናተመላላእና መረፃና ምቁር መፈጸምታ ክህልዎ ክንሰርሕ ንላቦ" ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።

  5. ብኣባላት ድሕንነት ንብረቶም ዝተመንጠሉ ጋዜጠኛታት ንብረቶም ተመሊሱሎም

    ትማሊ ናብ ትግራይ እንትብገሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣገዱ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ዝተመንጠልዎ ንብረት ከምዝተመለሰሎም ገሊፆም።

    መረፃ ትግራይ ንምፅብፃብ ትማሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ እንትብገሱ ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተኣገዱ ኮይኖም ዝተመንጠልዎ ላፕቶፕን ሞባይልን ከምዝተመለሰሎም ጋዜጠኛ ሳይመን ማርክስ ተዛሪቡ።

    ኣብ መጻኢ ረቡዕ ጳጉሜን ከ4 ንዝካየድ መረጻ ትግራይ ንምጽብጻብን ንምዕዛብን ንትግራይ ይጓዓዙ ዝነበሩ ወጻእተኛታትን ደቂ ዓድን ኣጋይሽ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብኣባላት ድሕንነት ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከሉ ይዝከር።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

    እቶም ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቢሎም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣጋይሽ፡ ላዕለዋይ ተመራማራይ ክራይስስ ግሩፕ ዊልያም ዴቪሶን ሓዊሱ ዓለም ለኸ ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን ዝርከብዎም እዮም።

    ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘሎ ፍሕፍሕ ብዕርቂ ክውዳእ ተላብዩ ነይሩ።

  6. ኣብ ትግራይ፡ መረጻ ክሳብ ዝሓልፍ፡ ምሸት ምሸት ‘ባጃጅ’ ከይንቀሳቐሳ ተኣጊደን

    ሞተር ብሽክለታ

    ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ከምዝበሎ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ኣጋ ምሸት ጀሚሩ፡ ኣብ እዋን መረጻ፡ ምሸት ጥራይ ሰለስተ እግረን ተሽከርከርቲ (ባጃጅ)፡ ካሮሳ (ጋሪ)፡ ብሽክለታን፣ ሞተር ብሽክለታን ከይንቀሳቐሳ ከምዝኣገደ ገሊጹ።

    እቲ ቢሮ “ካብ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ቀትሪ እናሰርሓ ውዒለን ድሕሪ ሰዓት 12:00 ናይ ምሸት ክንቀሳቐሳ ኣይፍቀደድን” ኢሉ።

    እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ሰባትን መካይንን ዝኾነ ዓይነት ገደብ ከምዘይተገበረ ገሊጹ’ሎ።

  7. "ንዓዲ እየ ክቃለሰ ዝበለ ሰብ፡ መጀመርያ ንስመዓዮ"

    ኣብ 1997 ዓ/ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ብውልቃ ተወዳዲራ ዝነበረት ወ/ሮ ኣበባ ገብረስላሴ፡ ኣብቲ መረጻ ስለምንታይ ክትወዳደር መሪጻ?

    ከይዲ ጎስጓስ ምረጹኒ እንታይ ይመስል ነይሩ?

    እንታይ ተጓንፎታት’ከ ኣተኣናጊዳ?

  8. ጻህያይን ሸዊትን ዝመልኦ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ

  9. ምንዋሕ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ፍጻመታት ናይ'ዚ ዓመት

    ኣብ መረጻ ድምጻ ትህብ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸአ ብተደጋጋሚ ክዛረበሉ ዝጸንሐ ሓደ ዛዕባ ጉዳይ መረጻ እዩ ነይሩ። ንሱ ቦርድ መረጻ ነጻን ዘይሻራውን ኮይኑ ከም ዝጣየሽ'ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

    ኣብ 2012 ክካየድ'ዩ ዝተበሃለሉ መረጻ ቅድሚኡ ካብ ዝተኻየዱ ዝተፈለየ ክኸውን ከም ዝደሊ'ውን ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ።

    በዚ መሰረት ፖለቲከኛ ነበር ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ነቲ ቦርድ ንኽትመርሕ ሓላፍነት ስለዝተወሃባ ኣብ ዝመሓደረሉ ሕጊ ከምኡ'ውን ኣቃውማ መመሓየሺታት ተገይሮም ሃገራውን ክልላውን መረጻ ዝካየደሉ ሰሌዳ ግዜ'ውን ወግዓዊ ኮይኑ።

    ኣብ መጀመርታ 10 ነሓሰ ደሓር ብዝተገበረ ምምሕያሽ ድማ 23 ነሓሰ 2012 ኣ.ኢ መረጻ ዝካየደሉ መዓልቲ ክኸውን ተወሲኑ ነይሩ።

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣጋጠመ ግን መረጻ ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ግዜ ሰሌዳ ከካይዶ ከም ዘይክእል ብምግላጽ ውሳንኡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምስ ኣቕረበ እቲ ባይቶ ነቲ ውሳነ ቅቡል ብምግባር ኣብቲ ጉዳይ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ንኸወሃብ ምሕታቱ ይዝከር።

    በዚ መሰረት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እቲ ለበዳ ስግኣት ክሳብ ዝኾነ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ንክቕጽሉ ውሳነ ኣሕሊፉ።

    መረጻ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክናዋሕ የብሉን ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ግና እዚ ዓመት ከይተወደአ ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ክዳሎ ድሕሪ ምጽናሕ ንጽባሕ ረቡዕ 4 ጻጉሜን ነቲ መረጻ ከካይድ ምድላው ይገብር ኣሎ።

  10. ኣብ ጣብያታት መረጻ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ተመዲቦም

    መረጻ

    ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ጣብያታት መረፃ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝመደበ ገሊጹ።

    ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ፡ ንመረጽቲ ሕፅር ዝበለ መብርህን ኣስተምህሮን ክወሃብ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

    እቶም ሰብ ሞያ፡ ኣገባባት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብተግባር ይፍፀሙ ምህላዎም፡ ብቐረባን ጥቡቕን ክከታተሉ እዮም ተባሂሉ'ሎ።

    ሃንደበታዊ ሕማምን ሓደጋን ንዘጓንፎም ወገናት ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህቡ ሰብ ሞያ ጥዕና'ውን ክህልዉ እዮም ኢሉ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ።

    ቀረብ ኣምቡላንስ እውን ብደረጃ 'ክላስተር' ክህሉ ምዃኑ ገሊጹ።

    ድምፂ ንምሃብ ዝመፅእ ህዝቢ፡ ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ተዋዲዱ ብምስራሕ ጥዕንኡ ከውሕስ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ርእየ ኢሳይያስ ንቢቢሲ ገሊፆም።

    መረጻ
  11. ብዛዕባ መረፃ ትግራይ 2012 ክትፈልጥዎም ዝግባእ ፍፃመታት

    · ባይቶ ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ወሲኑ

    · ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 12 ውልቀ ተናሓናሕትን ኣብ’ቲ መረጻ ክሳተፉ ተመዝጊቦም።

    · ሸሞንተ ውልቀ ተነሓናሕቲ ካብቲ መረፃ ንርእሶም ኣግሊሎም።

    · ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን 4 ውልቀ ሰባትን ኣብቲ ንሕንሕ ቀጺሎም።

    · ብቐጥታ ዝተሓላለፈ ሓሙሽተ መድረኻት ክትዕ ተኻይዱ

    · 38 ናይ መረፃ ክልላትን 2,672 ናይ መረፃ ጣብያታትን ተጣይሾም።

    · 21 ነሓሰ 2020 (ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን) ምዝገባ መረጽቲ ጀሚሩ።

    · እቲ መረጻ፡ ረቡዕ 04 ጳጉሜን 2012 ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ

    መረጻ ትግራይ
  12. ‘ሰብ ሕድሪ’ ንምንታይ ካብ ተዓዛብነት ከምዝተኣገደ፡ ሳወት መብርሂ ሓቲቱ

    ኣብ መረጻ ትግራይ ዝነሓናሕ ዘሎ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ‘ሰብ ሕድሪ ስቪክ ማሕበረሰብ’ ንምንታይ ካብ ተዓዛባይነት መረጻ ከምዝተኣገደ መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ።

    እቲ ውድብ ትማሊ 02 ጳጉሜን 2012 ናብ ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳደ “ኮሚሽን መረፃ ትግራይ ንመረፃ ዝዕዘቡ ተዓዘብቲ ከም ዝሓረየን ሰብ ሕድሪ ስቪክ ማሕበረሰብ ትግራይ ድማ ካብ ተዓዛባይነት መረፃ ትግራይ ከም ዝተኣገደ ፈሊጥና ኣለና። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ዝተኣገደሉ ምኽንያት ብፅሑፍ መብራህርሂ ክወሃበና ንሓትት” ኢሉ።

    እቲ ውድብ፡ ምእጋድ ናይ’ቲ ስቪክ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ እዩ ዘለዎ።

    ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ንቢቢሲ ክዛረብ እንከሎ፡ ሰብ ሕድሪ ብፖለቲካዊ ውሳነ'ዩ ንከይዕዘብ ተኣጊዱ ኢሉ ነይሩ።

    ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ስቪክ ማሕበረሰብ ‘ሻራዊ እዩ’ ዝብል ብሰነዳት ዝተደገፈ ክሲ ካብ ህወሓት ስለዝቐረቦ ከምዝተኣገደ እዩ ዝገልጽ።

  13. ሰብ ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ፡ መረጻ ትግራይ ከይዕዘብ ንምንታይ ተኸልኪሉ?

    ኣርማ

    ሻድሻይ ክልላዊ መረፃ ትግራይ ንምዕዛብ ምሁራትን ትካላትን ናብ ትግራይ ይኣትዉ ከምዘለዉ ይግለጽ።

    ይኹን'ምበር ሰብ-ሕድሪ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ፡ ብህወሓት ቅረታን ክስን ስለዝቐረበሉ፡ ነቲ መረፃ ከይዕዘብ ብኮሚሽን ቦርድ መረፃ ትግራይ ተኣጊዱ ኣሎ።

    ንኣቦ ወንበር እቲ ማሕበር፡ ንኮሚሽን ቦርድ መረጻ ትግራይን፡ ነዚ ውሳነ ዝተቓወመ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ኣዛሪብናዮም ኣለና።

  14. ሓደ መራጺ፡ ክንደይ ሰብ ክመርጽ ይኽእል?

    ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ከምዝብሎ፡ ሓደ መራፂ ካብቶም ኣብ መረፃ ንምንሕናሕ ቀሪቦም ዘለዉ ወከልቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውልቀሰባትን፡ ይውክሉኒ እዮም ንዝብሎም ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ እዩ ክመርፅ ዘለዎ።

    ትሕቲ ኣርባዕተ፡ ድልየቱ ክመርፅ እኳ እንተኻኣለ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ እንተመሪፁ ግን፡ ዝሃቦ ድምፂ ውድቂ ከምዝኸውን መምርሒ ኮምሽን መረፃ ትግራይ ይሕብር።

    ድምጺ መውሃቢ ወረቐት

    ምንጪ ስእሊ, ኮሚሽን መረጻ

  15. ኢትዮጵያ ካብ ጋዜጠኛታት ዝመንዘዐቶ ንብረት ክትመልስ ሲፒጄ ሓቲቱ

    ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሲፒጄ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝመንዝዕዎ ንብረታት “ብህጹጽ ክመልሱ” ጸዊዑ።

    እቲ ትካል ከምዝበሎ፡ ብውሕዱ 4 ጋዜጠኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ከይዶም ክልላዊ መረጻ ከይጽብጽቡ ተኸልኪሎም እዮም።

    እዚ ኸኣ፡ ‘ኢትዮጵያ ነቲ ዝጸንሐ መገዲ ዓፈና ገና ከምዘይገደፈቶ ዘመላኽት’ ከምዝኾነ፡ ሲፒጄ ብትዊተር ገሊጹ’ሎ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

    ስፒጄ፡ ንሮይተርስ ጠቒሱ፡ ናይቶም ጋዜጠኛታት ላፕቶፕን ሞባይላትን ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተመንጠሉ ብምጥቃስ፡ ንብረታቶም ብቕልጡፍ ክምለሰሎም ጸዊዑ ኣሎ።

    ጋዜጠኛታት፡ ነቲ ጽባሕ ረቡዕ ዝካየድ መረጻ ክልል ትግራይ ከይጽብጽቡ “መጠንቀቕታ” ተዋሂብዎም ከምዝነበረ’ውን ንሮይተርስ ጠቒሱ ጽሒፉ።

    ማሕበር ወጻእተኛ ጋዜጠኛትት’ውን ብተመሳሳሊ፡ በቲ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፈጽምዎ ተግባር ከምዝተሻቀለ ገሊጹ’ሎ።

    “ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ዝቐረበሉ በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ፡ ናብ ገለ ኣባላትና ብምድዋል፡ እቲ መረጻ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ ብምዃኑ ከይጽብጽብዎ መጠንቀቕታ ሂብዎም ነይሩ” ኢሉ።

    ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መረጻ ‘ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ’ ብምባል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

    መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ መረጻ ምክያድ ሕገ መንግስታውን ኣካል መሰል ርእሰ-ምሕደራን ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

  16. ጋዜጠኛታትን ተዓዘብትን 'ንብረቶም ተመንጢሎም' ናብ ትግራይ ከይገሹ ተኸልኪሎም

    መረጻ

    ጽባሕ ረቡዕ ጳጉሜን 04 ንዝካየድ መረጻ ትግራይ ንምጽብጻብን ንምዕዛብን ንትግራይ ይጓዓዙ ዝነበሩ ወጻእተኛታትን ደቂ ዓድን ጋዜጠኛታት፡ ብኣባላት ድሕነት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ከይገሹ ተኸልኪሎም።

    ካብ ጋዜጠኛታት ብተወሳኺ፡ ካልኦት ተዓዘብቲ’ውን ናብ መቐለ ከይጓዓዙ ዝተኸልከሉ ኾይኖም፡ ካብኣቶም ሓደ ላዕለዋይ ተመራማራይ ክራይስስ ግሩፕ ዊልያም ዴቪሶን ይርከቦም። እቶም ናብ ትግራይ ዝተኸልከሉ ገያሾ፡ ብዝሖም ልዕሊ 10 ከምዝኾኑ ይግለጽ።

    ንብሉምበርግ፡ ንድምፂ ኣመሪካን ኒውዮርክ ታይምስን ዝሰርሕ ወጻእተኛ ጋዜጠኛ ሳይመን ማርክስ "ንዝተወሰኑ ሰባት መለለዪ መንነትና ምስ ፈተሹ ካብ ነፋሪት ኣውሪዶም ፅንሑ ኢሎም ኣገዲዶምና" ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

    Skip X post
    ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

    እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

    Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

    End of X post

    እቶም ዝተኸልከሉ ጋዜጠኛታት ብኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ላፕቶፕን ሞባይሎምን ሓዊሱ ንብረታቶም ከምዝተመንጠሉ’ውን ይገልጹ።

    ነቲ መረጻ ክጽብጽቡ ነቒሎም ዝነበሩ 3 ጋዜጠኛታት ኣውሎ ሚድያ’ውን ንብረቶም ተሓዲጎም፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ (ኣዲስ ኣበባ) ክምለሱ ከምዝተገበሩ ይገልጹ።

    እቶም ጋዜጠኛታት ‘ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ፡ ነቲ መረጻ ክትጽብጽቡ ኣይትኽእሉን’ ከምዝተብሃሉ ይገልጹ።

    ባይቶ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ፡ እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ መረጻ ‘ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ’ ብምባል ከምዝወሰነ ዝዝከር እዩ።

    መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ መረጻ ምክያድ ሕገ መንግስታውን ኣካል መሰል ርእሰ-ምሕደራን ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።