ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት 7766 በጺሑ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለከፉ 206 ሰባት ተረኺቦም'ዮም። ሚኒስትሪ ጥዕናን ትካል ሕብረተሰብ ጥዕናን እታ ሃገር ብሓባር ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ኣብ 24 ሰዓታት ናይ 3922 ቅምሶታት ተገይሩ ኢሎም። ብኻልእ ወገን በዚ ቫይረስ ሓሚሞም ክትትል ጥዕና ክግበረሎም ካብ ዝጸንሐ ሰባት ተወሰኽቲ 250 ሓውዮም። ብዝሒ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ዝሞቱ'ውን 128 በጺሑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቫዮሊን እናተጻወተት ብኮሮናቫይረስ ንዝተለኸፉ ተሓከምቲ እተዛኒ ነርስ

  2. ኮቪድ-19 ንልቢ ከምዘጥቅዕ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ

    ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰት ተሓካሚት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ሓንጎል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጸገም ከኸትል ከምዝኽእል ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

    ሕዚ ድማ እቲ ሕማም፡ ናብ ሆስፒታል ንዝኣተዉ ሕሙማት ኣብ ልቦም ጽልዋ ከምዘሕድር ተመራመርቲ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ኣብ 69 ሃገራት ኣብ ዝርከቡ 1,200 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብዘካየዶ ምርመራ ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ሰባት ኣብ ልቦም ጸገም ተራእዩ'ሎ።

    እቶም 15 ሚኢታዊት ከኣ ከቢድ ጸገም ጥዕና ልቢ ከምዘጋጠሞም ተፈሊጡ።

  3. ፍሎሪዳ መዓልታዊ ልዕሊ 15 ሽሕ መልከፍቲ ተመዝግብ ኣላ

    ግዝኣት ኣሜሪካ ዝኾነት ፍሎሪዳ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራሕ ሓደሽቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም 15,299 ሰባት ኣመዝጊባ። ተወሰኽቲ 45 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።

    7 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝርከባ ግዝኣት'ኳ እንተኾነት፡ ዳርጋ ርብዒ መዓልታዊ ኣብ ኣሜሪካ ዝምዝገብ ቑጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ግዝኣት ጥራሕ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    እዛ ግዝኣት ሃገር እንተትኸውን ነይራ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መልከፍቲ ዘመዝገበረት ራብዐይቲ ሃገር ክትብሃል ነይራ።

    ልዕሊ 40 ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ እቶም ክፍሊታት ጽኑዕ ሕክምና መሊኦም ምህላዎም ይገልጻ።

    ኣብ ፍሎሪዳ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ኣዋጅ ዕጽዋ'ኳ እንተተኣወጀ፡ ነበርቲ ግን ይቃወሙዎ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

  4. መገዲ ኣየር ኳታር ፓኪስታናውያን ገያሾ ውጽኢት ምርመራ ኮቪድ-19 ከቕርቡ ሓቲቱ

    ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኳታር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መንገዲ ኣየር ኳታር (ቀጠር) ካብ ፓኪስታን ዝብገሱ ኩሎም መንገደኛታት ቅድሚ በረራ ኣብ ዘለዉ 72 ሰዓታት ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምዃኖም ዝሕብር መረዳእታ ሕክምና ከቕርቡ ወሲኑ።

    እዚ ሓድሽ ውሳነ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ግብራዊ ከም ዝኸውን ወሃቢ ቓል እቲ መገዲ ኣየር ንማዕኸን ዜና ብሉምበርግ ገሊጹ።

    መገዲ ኣየር ኳታር ኣብ ፓኪስታን ናብ ዝርከባ ከተማታት ኢስላማባድ፣ ካራቺ፣ ላሆርን ፔሻዋን መዓልታዊ በረራታት ይገብር።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ካብ ፓኪስታን፣ ደቡብ ኮርያን ሆንግ ኮንግን ኣብ ዝተጓዓዙ ገያሾ ኮሮናቫይረስ ምስ ተረኸበ እዩ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ፓኪስታን ዝገብሮም በረራታት ኣቋሪጹ ዝጸንሐ።

    ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ፓኪስታን ዛጊድ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፡ 5,266 ድማ ሞይቶም።

  5. ኣስታት 10 ሚሊዮን ህጻናት ‘ካብ ቤት ትምህርቲ’ ከይተኣጓጎሉ ይስጋእ

    ህጻናት

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ መላእ ዓለም፡ 9.7 ሚሊየን ዝኾኑ ህጻናት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ ቤት ትምህርቲ ክቦኹሩ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።

    ዓለማዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሴቭ ዘችልድረን ከም ዝበሎ፡ እዚ ለበዳ ብዘስዓቦ ቑጠባዊ ቅልውላው፡ ብዙሓት ቆልዑት ኣብ ዘይዕድሚኦም ናብ ስራሕ ክወፍሩ ክግደዱ ይኽእሉ’ዮም።

    በዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ “ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ተቐቃላዕቲ’የን” ኢሉ። ድሮ መብዛሕትአን ኣብ ዘይዕድሚአን ክምርዓዋ ጸቕጢ ይግበረለን ከም ዘሎ ሓቢሩ።

    ኣብ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን የመንን ኣፍጋኒስታንን ዝርከቡ ህጻናት፡ እቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ክቦኹሩ ዝኽእሉ ከም ዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።

    ስለ ዝኾነ ድማ፡ “መንግስታት ብህጹጽ ኣብ ትምህርቲ ከተኩሩ” ይግባእ ክትብል ፕሬዝደንት ሴፍ ዘ-ችልድረን ጃንቲ ሶሪፕቶ፡ ተዛሪባ።

  6. ኣብ ሜክሲኮ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘጋጠመ ሞት ካብ ናይ ጣልያን በሊጹ

    ሳንዱቕ ሬሳ ዝተሰከሙ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ ሜክሲኮ ዛጊድ ልዕሊ 35,000 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም።

    እታ ላቲን ኣሜሪካዊት ሃገር ብቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ንጣልያን ከምዝበለጸታ ተፈሊጡ'ሎ።

    ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ዘለዎ ዝርግሐ ከምዝነከየ ብምሕባር "ዓቃባውያን ሚድያ" ግን ስግኣት ክፍጠር ይገብራ ኣለዋ ኢሉ።

    ኣብ ሜክሲኮ ብሰንበት ጥራይ 276 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 4,482 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተመዝጊቦም።

    ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ብዝሖም ናብ 300,000 ተጸጊዑ'ሎ።

  7. ፍሎሪዳ መዓልታዊ ልዕሊ 15 ሽሕ መልከፍቲ ተመዝግብ ኣላ

    ኣብ ኣሜሪካ፡ ጉዳይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ግዝኣት ኣሜሪካ ዝኾነት ፍሎሪዳ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታትጥራሕ ሓደሽቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም 15,299 ሰባት ኣመዝጊባ። ተወሰኽቲ 45 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።

    7 ሚኢታዊት ብዝሒ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝርከባ ግዝኣት'ኳ እንተኾነት፡ ዳርጋ ርብዒ መዓልታዊ ኣብ ኣሜሪካ ዝምዝገብ ቑጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ግዝኣት ጥራሕ ተመዝጊቡ ኣሎ።

    እዛ ግዝኣት ሃገር እንተትኸውን ነይራ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መልከፍቲ ዘመዝገበረት ራብዐይቲ ሃገር ክትብሃል ነይራ።

    ልዕሊ 40 ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ እቶም ክፍሊታት ጽኑዕ ሕክምና መሊኦም ምህላዎም ይገልጻ።

    ዓውዲ ቱሪዝም እታ ግዝኣት ብኮሮናቫይረስ ኣዐርዮም ካብ ዝተጸለው ጽላታት ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተወሲዶም ዝነበሩ ስጉምታት ክተልዕል ጀሚራ ነይራ።

    ኣመሓዳሪ ሮን ዲሳንቲስ፡ ብምኽንያት እቲ ዝርኣይ ዘሎ መልከፍቲ ተኸፊተን ዝነበራ ባራት ክዕጸዋ እኳ እንተኣዘዘ፡ ብዝሒ ሰብ ኣብ ዝርከበሎም ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ዝብል መምርሒ ግን ክፎክስ ገይሩ'ዩ።

    በዚ ምኽንያት፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣሜሪካ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ኣብታ ግዝኣት ዝነበረ ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎክስ ምግባሩ ልክዕ ኣይኮነን ብምባል ይነቕፎ።

    ኣብ ኣሜሪካ፡ ጉዳይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ፖለቲካዊ መልክዕ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ነዚ ዝቃወሙ ሰባት ውልቃዊ ናጽነትና ዝዳፋእ እዩ ብምባል ኣይቕበሉዎን።

  8. ክረምቲ ንዝርግሐ ኮቪድ-19 ከጋድዶ ይኽእል'ዶ?

    ክረምቲ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝብልዎ እንተኾይኑ እዋን ክረምቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መተንፈሲ ኣካላት ዝፍጠሩ ጸገማት ጥዕና ብስፍሓት ይረኣዩ።

    ሰዓልን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕማማትን'ውን ኣብ እዋን ክረምቲ ከጋጥሙ ይኽእሉ።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር በዓል ሞያ ውሽጣዊ ሕማማት ዶክተር ቴድሮስ ጸጋዬ፡ ብሰንኪ ቫይረስ ዘጋጥሙ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ዓለም ናብ ዛሕሊ ክትኣትው ከላ ብስፍሓት ከም ዘጋጥሙ ይዛረብ።

    ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ ሕማማት ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት 'ዊንተር' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ እዋን [ካብ ሕዳር ክሳብ መጋቢት ዘሎ] ብዝያዳ ይረኣይ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ እኹል መጽናዕቲ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ዝናብ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ክረምቲ [ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም] ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ብስፍሓት የጋጥሙ።

    መብዛሕቲኦም ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት ብሰንኪ ቫይረስ ዘጋጥሙ'ኳ እንተኾኑ፡ ከም 'ኣለርጂ' (ቁጠዐ ሰብነት)ን ኣስምን ዝበሉ ድማ ብዘይቫይረስ ዝመጽኡ እዮም።

    እዞም ሕማማት ኣብ እዋን ዛሕሊ ዝጋደዱሎም ሰለስተ ምኽንያታት ከምዘለዉ ዶክተር ቴድሮስ የረድእ።

  9. ክልተ ኣባላት ባይቶ ማዳጋስካር ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም

    ማዳጋስካር

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ክልተ ሓገግቲ ናይታ ባህላዊ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸበት ክትገልጽ ዝጸንሐት ማዳጋስካር፡ ብኮቪድ-19 ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

    ካልኦት ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ድማ፡ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምርመራ ተረጋጊጹ’ሎ።

    መንግስቲ ናይታ ሃገር፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንዋና ከተማ ኣንታናናሪቮ ዘጠቓልል፡ ኣብ ቀንዲ ግዝኣታት ናይታ ሃገር ጥቡቕ አዋጅ ዕጽዋ ኣንቢሩ እዩ።

    እዚ ድማ፡ መልከፍትታት እናወሰኸ ብምምጽኡ እዩ።

    ኣብ ማዳጋስካር፡ ዛጊት 4,578 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ 34 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።

  10. ስሙይ ህንዳዊ ተዋሳኢ ኣሚታብ ባቻን ምስ ወዱ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ

    ኣሚታብ ባቻን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ህቡብ ህንዳዊ ተዋሳኢ ኣሚታብ ባቻን (ኣሚት)፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዘ ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ናይ ትዊተር ተኸተልቱ ኣፍሊጥዎም።

    ወዱ ኣቢሻክ ባቻን'ውን ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዘ ገሊጹ እዩ።

    ወዲ 77 ዓመት ኣሚታብ ባቻን፡ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ፊልም ምስራሕ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ 200 ፊልምታት ዝተሳተፈ ብሉጽ ተዋሳኣይ ቦሊውድ እዩ።

    ኣሚታብን ወዲ 44 ዓመት ውላዱ ኣቢሻክን ኣብ ሙምባይ ናብ ዝርከብ ‘ናናቫቲ’ ሆስፒታል ዝተወሰዱ ኾይኖም፡ ኣቢሻክ ከምዝብሎ፡ ክልቲኦም ቅልል ዝበለ ምልክታት ናይ’ቲ ሕማም እዩ ዝራኣዮም ዘሎ።

    እዚ ዜና ምስተሰምዐ፡ ንኣሚታብን ንኣቢሻክን “ኣጆኹም! ምሕረት የውርደልኩም” ዝብል ብዙሕ መልእኽትታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ይበጽሖም ኣሎ።

  11. ደቡብ ኣፍሪቃ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ዳግም ከልኪላ

    ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ኣልኮላዊ መስተ ክዕድጉ ተፈቒሱሎም ነይሩ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ ናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ዘጋጠመ ሞት'ውን ናብ ልዕሊ 4 ሽሕ ደይቡ።

    ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 50 ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝኽእል መንግስቲ ግምቱ ኣቐሚጡ።

    ብጠቕላላ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ ርብዒ ሚሊዮን ኮይኑ'ሎ።

    ኣብ'ታ ሃገር፡ ሰዓት እቶ እቶ ዝተኣወጀ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ሰዓታት ምሸት ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ።

    ሰባት ናብ ደገ ክወጽእ ከለዉ ድማ፡ ብግድን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ተኣዚዞም ኣለዉ።

    መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ደው ምባል፡ ካልእ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ኮይኑ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርኣይ ንነጀው ንኻልኣይ ግዜ ዝውሰድ ዘሎ መቆጻጸሪ ሜላ'ዩ።

    እዚ ዘቤታዊ ዓመጻትን ብዝሒ ሃንደበታዊ ሓደጋ በጺሑዎም ናብ ሆስፒታልን ቤት ማእሰርትን ዝኸዱ ሰባትን ኣብ ምንካይ ዓብዪ እጃም ከም ዝነበሮ ፖሊስን ዶኳትርን እታ ሃገር ይገልጹ።

  12. ብደረጃ ዓለም፡ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክብ ኢሉ

    ኮሮናቫይረስ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ዓለምና፡ እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዝተመዝገበ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

    እቲ ትካል ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 24 ሰዓታት፡ 230,370 ሓደሽቲ መልከፍትታት እቲ ቫይረስ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ’ሎ።

    መብዛሕትኡ እቲ መልከፍትታት ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ እዩ ተራእዩ። እቲ ብደረጃ ዓለም ዘጋጠመ ሓደሽ መልከፍትታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

    · ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ - 142,992

    · ደቡብ ምብራቕ ኤስያ - 33,173

    · ኣውሮጳ - 18,804

    · ኣፍሪቃ - 17,884

    · ምብራቓዊ ሜዲትራንያን - 15,361

    · ምዕራባዊ ፓስፊክ - 2,156

    ተወሳኺ 5,285 ሞት እውን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ እዩ ኣጋጢሙ።

  13. ብዝሒ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት: 7766 በፂሑ

    ምርመራ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኢትዮጵያ: ትማሊ ኣብ ዘውጸአቶ መግለጺ፡ 3922 ምርመራታት ከ ዝገበረት ገለጸ ኮይና: ካብኣቶም እቶም 206 ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊፁ።

    ካብቶም ዝተመርመሩን ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦምን ቅምሶታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ሬሳ ዝተገበረ ምርመራ እዩ።

    ስለ'ዚ ድማ: ሓደ ተወሳኺ ሞት ዝተመዝገበ ክኸውን ከሎ: ዛጊድ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት: 128 በበጺሖም።

    እታ ሃገር፡ ዛጊድ 289,550 ምርመራታት ኣካይዳ እያ።

    ብዝሒ ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ድማ 7766 እዩ::ካብኣቶም: እቶም 4550 ሓውዮም።

  14. ቀጥታዊ ጸብጻብ 13 ሓምለ 2020

    ሰላም ከመይ ሓዲርኩም!

    ኣብዚ ዕለት ዝህልዉ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ብቐጥታ ክትከታተሉ ንዕድመኩም ኣለና።

    ማዕዳታት ሰብ ሞያ ግብራዊ ብምግባር ንነብስኹምን ጥዕና ካልኦት ሰባትን ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ሓልዉ።

    ብሩኽ መዓልቲ!