ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊት ልዕሊ 4000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም
ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 8 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ኣስታት 256,809 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ካብዞኦም እቶም 123,046 ድማ ሓዊዮም ኣለው። ናይዚ ዕለት’ዚ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀጥታዊ ጸብጻብና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኣብ ትግራይ ተወሰኽቲ 12 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY HEALTH BURUEA
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 283 ሰባት ምርመራ ዝተገበረሎም ኮይኑ፡ 10 ደቂ ተባዕትዮን 2 ደቂኣንስትዮን በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተረጋጊጹ'ሎ።
ዕድመ ናይቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ከኣ ካብ 23 ክሳብ 61 ከምዝርከቡ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
7 ኣብ ማይ ካድራ ኮይኖም ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮም እዮም። 5 ድማ ኣብ መቐለ ኮይኖም ኩሎም ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮምን ኣብ መወሸቢ ማእኸል ዝነበሩን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 6,851 ምርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተገበረሎም እንትኾኑ 179 እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
18 ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ከምዝደሓኑ መግለጺ እቲ ቢሮ የመልክት።
ማሕበር ልምዓት እንደርታ ብኮሮናናቫይረስ ንዝተጸገሙ ወገናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ወጻኢ ብምግባር ሓገዝ ሂባ
ማሕበር ልምዓት ሰብኣ እንደርታ ካብ ኣውሮጳ ካብ ኣባላታ ብዝረኸበቶ ፍርቂ ምልዮን ብር ንዝተፀገሙ ወገናት ሓገዝ ኣብ ምብፃሕ ትርከብ።
እታ ማሕበር ኣብቲ ፈለማ እዋን ወፍሪ ኢድ ምሕፃብ ኣብ ኣደባባይ ሮማናት ዘካየደት ማሕበር ኢያ።
ከምኡ እውን ንቶም ካብ ጅቡቲ ዝኣትዉ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኢድ ክሕፀቡን ግንዛበ ክህልዎምን ተሰሪሑ እዩ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝተፀገሙ ኣብ መቐለ 102 ሰባት ከምኡ እውን ኣብ ወረዳታት እንደርታሕንጣሎ፣ ወጀራት፣ ሳምረን ሰሓርትን ንዝርከቡ 280 ሰባት ብድምር ንልዕሊ 380 ዝተፀገሙ ሰባት ሓገዝ ኣብ ምሃብ ትርከብ።
ክሳብ ሕዚ ብልዕሊ 559 ሽሕ ብር ዝተዓደገ ንነብሲወከፍ ሰብ 25 ኪሎ ስርናይ: 5 ሊትሮ ሳሙና: 1 ሊትሮ ዘይቲ: ከምኡ እውን ማስክ ንተረዳእቲ ይወሃብ'ሎ።

ዴክሳሜታዞን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ረብሓ ዝውዕለሉ ኩነታት ሓሳብ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, JOHN PHILIPS
ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ መድሓኒት ዴክሳሜታዞን ኣብ ረብሓ ብዛዕባ ዝውዕለሉ ኣገባብ ምርመራ ብምክያድ ሓሳብ ክህቡ ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ።
ብመሰረት ዝቐረበሎም ጻውዒት ድማ ምርመራ ብምክያድ እቲ ዝረኸብዎ ውጽኢት ናብ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከምዘቕረቡ ተገሊጹ።
ኣብቲ ሚንትሪ ዋና ሓላፊ ኣገልግሎት ሕክምና ዝኾነ ኣይተ ያእቆብ ሰማን ከምዝበሎ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሚንስቴር ዝተጣየሸ ጉጅለ ኣማኻሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝርከቡ ሰብሞያ'ዩ ምርመራ ንኸካይዱ ካብ ሚንተር ዶክተር ሊያ ታደሰ ጻውዒት ቀሪቡሎም።
ምሉእ ዛንታ ንምንባብ - ዴክሳሜታዞን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ረብሓ ዝውዕለሉ ኩነታት ሓሳብ ቀሪቡ
ትግራይ፡ ኣብ ቤተ እምነታት ጥንቃቐ ዝጎደሎ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ
መድሓኒት ዴክሳሜታዞን ክሳብ ክንደይ የተኣማምን? ኣብ ኢትዮጵያኸ ይርከብ'ዶ?
መድሓኒት ዓሶ ንኮሮናቫይረስ ንምውዓል ዝግበር ዝነበረ መጽናዕቲ ተቛሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ክፍውስ ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ተገይርሉ መጽናዕቲ ፈተነ እናተኻየደሉ ዝነበረ ሃይድሮክሎሮኪን ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።
ጸረ- ዓሶ መድሓኒት ዝኾነ እዚ ፈውሲ፡ ቀዲሞም ብኮሮና ንዝሓመሙ ኾነ እቲ ሕማም ንመንክልኻል ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ነይሩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ መድሓኒት ንኮሮና ከምዝፍውስን ንባዕሉ'ውን ይወስዶ ከመዝነበረን ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ብመጽናዕቲ ክረጋገጽ ኣይከኣለን። ሕዚ ድማ፡ እቲ መጽናዕቲ ፈተነ ደው ክብል እቲ ዓለማዊ ትካል ጥዕና ወሲኑ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መግለጺኡ ከምዝበሎ፡ ዛጊድ ዝተገብሩ ፈተነታት፡ እቲ መድሓኒት ንኮሮናቫይረስ ከምዘይድሕን እዩ ዘርእይ።
ዘ ላንሴት ዝተብሃለ ፍሉጥ ናይ ጥዕና መጽሄት፡ ቅድም ክብል እቲ መድሓኒት የግዳስ መጠን ሞት ክውስኽ ይኽእል እዩ ኢሉ ነይሩ እዩ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ መጽሄት ዝወጽአ መጽናዕቲ ጉድለት ኣለዎ ስለዝተብሃለ፡ እቲ ዓለማዊ ትካል ተወሳኺ መጽናዕቲ ከካየድ ጀሚሩ ነይሩ።
ብዝሒ በቲ ለበዳ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ'ቲ ብዕሊ ዝተነግረ እዩ ተባሂሉ

ብዕሊ ዝተነግረ ዛጊድ 440 ሽሕ ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ እዩ።
እንተኾነ፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ 130 ሽሕ ተወሰኽቲ ሰባት በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ነቲ መጽናዕቲ መበገሲ ዝኾነ መረዳእታ፡ ካብ 27 ሃገራት እዩ ተረኺቡ። ብኡ መሰረት፡ እቲ መጽናዕቲ ካብቲ ብወግዓዊ ዝተነገረ ብዝሒ ሞት ዝዛይድ ሰብ ከምዝሞተ እዩ ዘርኢ።
እዚ ማለት፡ መንግስታት ካብ ዝገለጹዎም ወጻኢ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
ብዝሒ ምስቲ ኮሮናቫይረስ ብዝዛመድ ዝሞቱ ሰባት ንምግባጥ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ቀዲሞም ተመርሚሮም ከምዝነበሩ ምፍላጥ የድልይ።
ከምኡ ድማ፡ መንግስታዊ ኣሃዛት፡ ካብ ትካላት ጥዕና ወጻኢ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ናይ ምክታት ኣጋጣሚ ዝሕቱል እዩ።
እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ላቲን ኣመሪካ፣ ህንድን ኣፍሪቃን ናይቲ ሕማም ምልባዕ ይውስኽ ከምዘሎን፡ መንግስታት ዘይጽብጽብዎ ሞት ዝያዳ ክውስኽ ይኽእል እዩ።
ቻይና፡ 28 ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቻይና፡ 28 ተወሰኽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝረኸበት ተገሊጹ።
ካብዚኦም እቶም 21 ካብ ከተማ ቤይጂንንግ እዮም።
ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ መዓልታት ከተማ ቤይጂንግ ሓዲሽ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ክረኣየላ ጀሚሩ።
ብሰንኪ እዚ ሓዲሽ ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ከተማ ቤይጂንግ ሓደሽቲ እገዳታትን ጽዋታትን ተነቢሮም ኣለው።
እቲ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣብ ሓደ ማእከል ዕዳጋ ከምዝተጀመረ ይግለጽ።
ቅድሚ እዚ ደግሲ፡ ቤይጂንግ፡ ን 57 መዓልታት ዝኾነ መልከፍቲ ከየመዝገበት ጸኒሓ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊት ልዕሊ 4000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብያተ መግብን እንዳ ጽባቐ ጸጉርን ናብ ስራሕ ክምለሱ ክተፍቅድ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተነቢሮም ካብ ዝጸንሑ ገደባት ገሊኦም ክፉኽሱ ከምዝግበር ኣፍሊጡ።
ኣብያተ መግቢ (ሬስቱራንት) ኮፍ ኢሎም ንዝግልገሉ ሰባት ከተኣናግዳ ክፍቀደለን'ዩ። እንዳ ጽባቐ ጸጉሪ፣ መጻወቲ ካሲኖን ኣብያተ ሲነማን እውን ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ እየን።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ስራሕ ዘድሃቡ ኣኼባታት ከምኡ ድማ ምትንኻፍ ዘይብሎም ከም ጎልፍን ቴኒስን ዝበሉ ዓይነታት ስፖርት ክቕጽሉ ምዃኖም እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።
ብተሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ እቶም ንጥፈታት ካብ መዓዝ ጀሚሩ ዝተነበረሎም ገደባት ከም ዝለዓል ብቐጻሊ ክግለጽ እዩ ኢሉ።
ብዛዕባ እገዳ መሸጣ ቶባኮን ሽጋራን ብዘይምዝራቡ ከኣ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ርእይቶታት እናሃቡሉ'ዮም።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን 80,412 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዝዋ ከለዉ 1,674 ድማ ሞይቶም ኣለው።
ኢቫሪስተ ዳዪሺሚዬ፡ እቲ 'ትሑት' ጀነራል - ሓድሽ ፕረዚደንት ቡሩንዲ
ዚምባብዌ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ 50 ሚእታዊት ወሰኽ መሃያ ክትገብር'ያ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዚምባብዌ ብምኽንያት አብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ዕዳጋ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ 50 ሚእታዊት ወሰኽ መሃያ ከምእትገብር ኣፍሊጣ።
ነቲ እናተዳኸመ ዝጸንሐ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ከኣ ኮሮናቫይረስ ብዝያዳ ከምዝሃሰዮ ይዝረብ።
ሚንስትር ገንዘብ ዚምባብዌ ንኹሉ ሰራሕተኛ ቅልጡፍ ወሰኽ ከምዝግበር ሓቢሩ'ሎ። እቲ ወሰኽ ድማ 50 ሚእታዊት ከምዝኸውን ገሊጹ።
እቲ ወሰኽ ንጡረተኛታት'ውን ዝሓውስ'ዩ።
ብዘይካ'ቲ ወሰኽ መሃያ ካብ ሃሰያ ኮሮናቫይረስ ንምንስእራር ብዝብል ንኹሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ወርሓዊ 75 ዶላር ድጎማ ክኽፈል ተወሲኑ'ሎ።
እዚ ድጎማ ካብ ሰነ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝቕጽል ተፈሊጡ።
ላቲን ኣመሪካ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትኸውን ከምዘላ ተገሊጹ
ኣብ ፔሩ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 240,000 ከምዝበጽሐ ተረጋጊጹ።
እዚ ኣብ ፔሩን ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባን ዝረኣ ዘሎ ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ድማ ማእከል እቲ ለበዳ ይገብረን ኣሎ ተባሂሉ።
እዘን ሃገራት፡ ኣብ ምንቅስቓሳት ተነቢሩ ዝነበረ ዕጽዋን ክልከላታትን የዝልቓ ብምህላወን፡ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ከይፍጠር ስግኣታት ኣሎ።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ከባቢ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለውን፡ ልዕሊ 200,000 ድማ በቲ ቫይረስ ብዝተታሕዘ ጉዳይ ሞይቶም ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዝርገሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ

ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ
ብመሰረት ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 8 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ኣስታት 256,809 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ካብዚኦም እቶም 123,046 ድማ ሓዊዮም ኣለው።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ትካል ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
