ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊት ልዕሊ 4000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 8 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ኣስታት 256,809 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ካብዞኦም እቶም 123,046 ድማ ሓዊዮም ኣለው። ናይዚ ዕለት’ዚ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቀጥታዊ ጸብጻብና ክትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ብኣማኢት ዝቑጸሩ ማላውያን ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ ኣለው

    ብኣማኢት ዝቑጸሩ ማላውያን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ሰለማዊ ሰልፉ የካይዱ ኣለው።

    እቶም ሰልፈኛታት ንከተማ ብማኮ ክሳብ ዓንቐራ ብምምላእ፡ ፕረዚደንት ባቦከር ከየታ ካብ ሰልጣኑ ብህጹጽ ከወርድ ይጠልጡ ኣለው።

    ማሊ፡ ማእከል ቀቢላዊ ግጭታትን ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ዕጡቓት ጉጅለታትን ብቀጻሊ ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ትርከብ።

    እቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት’ውን፡ ንፖሎቲካውን ቊጠባውን ለውጢ ይጽውዑ ኣለው።

    ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ከየታ፡ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ዝሓወሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክምስረት ተመባጺዑ ነይሩ።

    ማሊ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

  2. ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ይወስኽ ኣሎ

    ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትትዮጵያ ኣብ ዝተኣከቡ 4809 ቅምሶታት ብዝተኻየደ መርመራ ኮሮናቫይረስ፡ 116 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም።

    ሚኒስትሪ ጥዕናን ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ጥዕናን ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ካብዞም ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት እቶም 76 ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ሓቢሮም።

    ብተወሳኺ ቅድም ሕጂ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝተረጋገጸን ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሎም ካብ ዝጸንሑን ሰባት እቶም 93 ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ወጺኦም።

    ብሓፈሻ፡ ቑጽሪ ካብዚ ቫይረስ ዝሓወዩ ሰባት 1027 በጺሑ ኣሎ።

    ካልኦት ሸውዓተ ሰባት፡ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ክሞቱ አንእከለው፡ ናይቲ ሓደ ኣብ ኣስክሬን ብዝተኻየደ መርመራ እዩ ክረጋገጽ ክኢሉ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ በሳት ናብ 72 ደይቡ ኣሎ።

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 207,023 ቅምሶታት መርመራ ኮቪድ-19 ክግበር እንከሎ፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 4070 በጺሑ።

    ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Broadcasting Corporation

  3. 'ካብ ሎሚ ጀሚሩ ጉዳይ ወላይታ ንቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ጥራይ እዩ ዝምልከቶ'

  4. ኢራን ሓድሽ ጸብጻብ ኮሮናቫይረስ ዘርጊሓ

    ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኢራን፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 መዓልታት ብዘካየደቶ መርመራ ኮሮናቫይረስ፡ 2,615 ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝረኸበት ሓቢራ።

    ካልኦት 120 ሰባት’ውን በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

    ኢራን፡ ሓንቲ ካብተን ብዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ዝተሃስያ ሃገራት ዓለም እያ።

  5. ‘ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንዓዲ ጥልያን ኣትዩ ነይሩ’

    ኢጣልያ

    ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ወርሒ ታሕታስ 2019 ናብ ጥልያን ኣትዩ ከምዝነበረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ምልክታት እዚ ቫይረስ፡ ካብ ከተማ ሚላንን ቱሪንን ካብ ዝተወስደ ረሳሕ ማይ ብዝተገብረ መርመራ’ዩ ተፈሊጡ።

    ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ከኣ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ኣትዩ ከምዝነበረ እቲ መርመራ ኣረጋጊጹ ክብል እቲ ትካል ሓቢሩ።

    እቲ ትካል ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ክሳብ ለካቲት 2020 ካብ ዝተኣከበ ማይ እዩ ነቲ መርመራ ኣካይድዎ።

    ኣብቲ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዕሊ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣትዩ ኣይነበረን።

    ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን ኣብ ዝተገበረ መርመራ ግን እቲ ቫይረስ ኣይተረኽቦን ክብል እቲ ትካል ጥዕና ወሲኹ ገሊጹ።

  6. ዴክሳሜታዞን ኣብ ኢትዮጵያ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ንምሕካም ኣብ ረብሓ ክውዕል ተወሲኑ

    ኣርማ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ

    ምንጪ ስእሊ, Ministry of Health,Ethiopia

    ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ "ነቲ ኣብ እንግሊዝ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብዝርዝር ሪኢናዮ ኣለና" ክትብል ሓቢራ።

    ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ "ብመሰረት ካብ ጉጅለ ኣማኻሪ ሕክምናን ቤት ምኽሪ ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝተረኸበ ሓሳብ ዴክሳሜታዞን ከም ኣብ እዋን ሓደጋ ዝወሃብ መድሓኒት ኮይኑ ኣብ ረብሓ ክውዕል ተወሲኑ'ሎ" ኢላ።

    እቲ መድሓኒት ዶካትር ብዝህብዎ መምርሒ ጥራይ ነቶም ኦክሲጂን ወይ ከኣ መተንፈሲ መሳርሒ [ቬንትሌተር] ዘድልዮም ሕሙማት ኮቪድ-19 ከምዝወሃብ ድማ ኣረዲኣ።

    ዝርዝር መምርሒ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ከምዝግበር ሓቢራ።

  7. ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሳዕቤናት ዕጽዋ 'ፍሉይ እዩ'

  8. ኬንያ፡ ኣብ ውሽጢ 4 ወርሒ 4000 ትሕቲ 19 ዓመት ዕድሜአን ተምሃሮ ጠኒሰን

    ኬንያ

    ኬንያ፡ ንዝርጋሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቊጽጻር ተዋፊራ እንከላ፡ ገለ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ካልእ ጸገማት ኣጓኒፍዎም ኣሎ።

    ኣብ ማቻኮስ ዝተባህለ ኣውራጃ፡ ኣብ ውሽጢ 4 ወርሒ ከባቢ 4000 ዝኾና ተምሃሮ ትሕቲ 19 ዓመት ከምዝጠነሳ ንክፍሊ ምምሕዳር ቆልዑ መቻኮስ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

    እቲ ናይ ጥንሲ ጸገም ብሰንኪ ለደባ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ዕጽዋ ከምዘጋጠመ’ውን ተገሊጹ።

    እቲ ቤት-ጽሕፈት፡ ወለዲ ንደቆም ከምዘይተኸታተሉን ሓለፍነቶም ከምዝዘንግዑን ነቒፉ።

  9. ዶካትር ቱኒዝያ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተቓውሞ ኣካይዶም

    ቱኒዝያ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰብሞያ ጥዕና ቱኒዝያ፡ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ለበዳ ምምሕያሽ ክገበረሉ ዝጽውዕ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

    ዶካትር፣ ነርስታትን ካልኦት ሰብሞያ እቲ ዓውዲን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጥዕና ብምትእኽኻብ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ዝሓሸ ሃዋህው ስራሕ ክህሉ ኣተሓሳሲቦም።

    ቱኒዝያ ምስተን ብቕልውላው እቲ ቫይረስ ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት ክትነጻጸር ከላ ዝሓሸ ቁጽሪ ሕሙማት ኣለዋ። 50 ድማ ሞይቶምዋ።

    እታ ሃገር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ካብ ዝተነበሩ ገደባት እቶም ዝበዝሑ ኣብዚ ሰሙን ኣልዒላቶ እያ።

  10. ቻይና ንወለድ-ኣልቦ ለቓሕ ኣፍሪቃ ክትስርዞ ምዃና ኣፍሊጣ

  11. መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይገብርን ዝበለ ገያሻይ ካብ ነፋሪት ክወርድ ተገይሩ

    መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ገያሾ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ የገድድ

    ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

    መገዲ ኣየር ኣሜሪካ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ፍቓደኛ ንዘይነበረ ገያሻይ ንበረራ ካብ ዝተዳለወት ነፋሪት ኣውሪድዎ።

    ብራንደደን ስትራካ ዝተበህለ ውልቀሰብ ካብ ኒውዮርክ ናብ ቴክሳስ ኣብ እትበርር ነፋሪት'ዩ ተሳፊሩ ነይሩ።

    ነቲ መሸፈኒ ክገብር ኣብ ዝተሓተሉ እዋን ግን ነዚ ክገብር ዘገድደኒ ሕጊ ፌደራል ከምዘየለ ብምግላጽ ክሙጕት ፈቲኑ።

    ከምዚ ዝበለ ነገር ከጓንፎ ከሎ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ'ውን ገሊጹ።

    መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ብወገኑ "ገያሾ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ኣገዳሲ ክሳብ ዝኾነሉ እዋን" ነቲ ውልቀሰብ ካብ ኣገልግሎት ኣጊድዎ'ሎ።

    ብርግጽ ኣብታ ሃገር ነቲ መሸፈኒ ክትገብር ዘገድድ ሕጊ የለን፤ ግን ከኣ ዓበይቲ መገዲ ኣየራት ኣሜሪካ ካብ ፍርቂ ወርሒ ግንቦት ጀሚረን ዓማዊለንን ኣባላት በረራን ክጥቀሙ የገድዳ እየን።

  12. 'ንኮሮናቫይረስ ተበሊጽኩም ወጻኢታት ቆጢብኩም ዝበሉና ነይሮም'

  13. ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሓት ዓይነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ክፈርዩ ተስፋታት ኣሎ - ውድብ ጥዕና ዓለም

    ናይ ክታበት ብልቃጥ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ውድብ ጥዕና ዓለም ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክታበት ኮቪድ-19 ክፈርዩ ከምዝኽእሉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

    እቶም ዝፈርዩ ክታበታት ድማ ነቶም ብስፍሓት ነቲ ቫይረስ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ትኹረት ከምዝገብሩ ኣፍሊጡ።

    ዛጊድ ዝተረኸበ ክታበት ከምዘየለ ዝሓበረት ላዕለወይቲ ተመራማሪት እቲ ውድብ ሶውማይ ስዋሚንታን፡ ብደረጃ ዓለም ዘለዉ ክኢላታት ግን ኣብ ልዕሊ 200 ዓይነታት ክታበት ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪባ።

    "ኣይቀብጽን ተስፋ ኣለኒ" ዝበለት እታ ተመራማሪት ምምዕባል ክታበት ዝተሓላለኸ መስርሕ ከምዝሓልፍ ኣረዲኣ።

    "እቲ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ግን ብዙሓት ክታበታት ይፍተኑ ምህላዎም እዩ። እቲ ሓደ እንተዘይሰሚሩ እቲ ካልኣይ'ውን እንተዘይተሳኺዑ ተስፋ ኣይንቖርጽን" ክትብል ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

    ምናልባት ክሳብ መዛዘሚ እዚ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ዕውት ውጽኢት ክርከብ ከምዝኽእል'ውን ሓቢራ።

  14. 'ኣባላትና ከም ሽምዓ እናመኸኻ እየን ንህዝበን ዘብርሃ'

  15. ሹመት ሓላፊ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስለምንታይ ተቓውሞ ኣልዒሉ?

  16. ኣብታ ገደባት ክተፉኩስ ዝጀመረት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ይላባዕ ኣሎ

    መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበረት ሰበይቲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ብ37 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ይግለጽ።

    ፕረዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎዛ ግን ዋላ እቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ እንተተዘርግሐ ነቶም ኣብ ኣዋጅ ዕጽዋ ዝተነበሩ ገደባት ከፉኩስ’ዩ ወሲኑ።

    ነዚ ዝወሰነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ቁጠባዊ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ይኸይድ ብምህላዉ እዩ። ንመነባብሮ ዜጋታት ምግዳስ ከምዘድልይ’ውን ሓቢሩ።

    “እዚ ዕማም ዝውዳእ ኣይኮነን። ድሕሪ 100 መዓልታት’ውን እንተኾነ ልክዕ ኣብ ምጅማር እቲ ለበዳ ኣብ ዝነበረ ኩነታት ኢና ክንህሉ። እዚ ከኣ ንብዙሓት ኣዋርሕ ንዓመታት’ውን ክኸውን ይኽእል ምሳና ዝጸንሕ እዩ” ኢሉ።

  17. ኣብ ኤርትራ: ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 142 በጺሑ

    ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርባ ከተማ ኦምሓጀር፡ ጎልጅ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ግርማይካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ብዝተገብረ መርመራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 11 ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

    እዞም 11 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

    ኤርትራ ንዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ናይ ምንቅስቓስ እገዳ እኳ እንተኣንበረት፡ እንተኾነ ግን፡ ሰባት ብፍኑው መገዲ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡትን የመንን ንኤርትራ ብቀጻሊ ይምለሱ ከምዘለው እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

    ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት፡ 142 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን እቶም 39 ከኣ ኣቐዲሞም ሓውዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነውን ይፍለጥ።

    እቶም ዝተረፉ 103 ከኣ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ብምኒስትሪ ጥዕና ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።

    ኣስመራ

    ምንጪ ስእሊ, yemane G/Meskel

  18. ዞባ ሲዳማ 10ይ ክልል ኢትዮጵያ ምዃኑ ሎሚ ተወሲኑ

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ድምጺ ህዝበ-ውሳነ ዘካየደ ዞባ ሲዳማ፡ 10ይ ክልል ኢትዮጵያ ምዃኑ ሎሚ ተወሲኑ።

    ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ፡ ዞባ ሲዳማ ብደረጃ ክልል ንክውደብ ብመሰረት ዝተረኽበ ውጽኢት ድምጺ ህዝበ ውሳነ ናይ ስልጣን ምርኽኻብ ፈጺሙ።

    ዞባ ሲዳማ፡ ን30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ክልል ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

    ባይቶ ክልል ደቡብ ሎሚ ኣብ ዝጀመረ ህጹጽ ጉባኤኡ፡ ሕቶ ዞባ ሲዳማ ብህዝበ ውሳነ ስለ ዝተረጋገጸ፡ ሕገ መንግስታዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ብምፍጻም፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክልል ኮይኑ ክቐውም ስልጣን ከም ዘረከበ ገሊጹ።

    ህዝቢ ሲዳማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብዘካየዶ ድምጺ ህዝበ ውሳነ፡ ልዕሊ ክልተ ሚሊየን ህዝብ ድምጺ ክህብ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ህዝቢ ሲዳማ ዓርሱ ዝኸኣለ ክልል ምዃኑ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ኣቶ ርስቱ ይርዳው፡ ሲዳማ ርእሱ ክኢሉ ብምውጽኡ ንኻልኦት ህዝብታት ዝፈጥሮ ጸቕጢ ከም ዘየለ ገሊጹ ክብል ናይ ውሽጢ ሃገር ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

    ክልል ህዝብታት ደቡብ፡ ሓድሽ ኣወዳድባ ስርዓት ፌደራሊዝም ግብራዊ ምስ ኮነ፡ ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ሓሙሽተ ክልላት ብምጥማር ዝተፈጥረ ልዕሊ 50 ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝርከብሉ ክልል እዩ።

    ኣብቲ ክልል፡ ርእሰን ክኢለን ብደረጃ ክልል ከቖማ ተመሳሳሊ ሕቶ ዘቕርባ ልዕሊ 10 ዞባታት ኣለዋ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብ9 ሰነ ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ምስ ኣመሓደርቲ ዞባን ክልልን ከምኡ’ውን ወረዳታት እቲ ክልል ተራኺቡ ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ሲዳማ ሓዊሱ ክልል ደቡብ ኣብ ኣርባዕተ ዝኸፍል ሓድሽ ኣወዳድባ ንቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ክሓልፍ ከም ዝተሰማምዑ ይግለጽ።

  19. ድልየት ግብጽን ውሳነ ኢትዮጵያን ኣብ ዙርያ ግድብ ሕዳሰ

  20. እሱራት ዩጋንዳ ኣብ ምርጫ ክሳተፉ ተፈቒዱሎም

    ቤት ማእሰርቲ

    ምንጪ ስእሊ, Glenna Gordon

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ፡ እሱራትን ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ዜጋታትን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ በዪኑ።

    እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ሕጋዊ ክትዕ፡ትማሊ ረቡዕ’ዩ መዕለቢ ረኺቡ።

    ክልቲኦም ጉጅለታት ካብቲ ምርጫ ምግላሎም፡ መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት ዝግህስ ምዃኑ እቲ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።

    ኮሚሽን ምርጫ ዩጋንዳ፡ ተሳታፍነት ናይቶም ክልተ ጉጅለታት ሕጋዊ ባይታ የብሉን ክብል’ዩ መጒቱ ነይሩ።

    ሃገራዊ ምርጫ ዩጋንዳ ኣብ 2021 ክካየድ ምዃኑ ይፍለጥ።

    ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝግበር ምድላዋት ተኣጓጒሉ ይርከብ። ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሎም ናይ ምርጫ ጎስጓሳት ተኣጊዱ’ሎ።