ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 900 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ 941 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።
እዚ ድማ ንቑጽሪ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ዝሞቱ ሰባት ናብ 113 ሽሕን 803 ኣብጺሕዎ'ሎ።
ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 2 ሚልዮንን 22 ሽሕን 488 ከምዝበጽሑ መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት።
መዓልታዊ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቅምሶታት እትምርምር ኣሜሪካ ዛጊድ ልዕሊ 23 ሚልዮን ሰባት ምርመራ ኣካይዳ'ላ።
ኣብ ዓለም በቲ ቫይረስ እተትሓዙ ዝበዝሑ ሰባት ክህልውዋ ዝኸኣለ ድማ ብዝሒ ምርመራ ክተካይድ ብምኽኣላ ከምዝኾነ ይግለጽ።




