ናይጄሪያ፡ በረራ ውሽጢ ሃገር ክትጅምር እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዓል መዚ ኣቪየሽን ናይጄሪያ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝግበሩ በረራታት ጥራሕ ሓሙሽተ መዓርፎ ነፈርቲ ክኸፍት እየ ኢሉ።
ናይጄሪያ፡ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሰደቶም ስጉምታት ተፍኩስ ዘላ ኾይና፡ እዚ በረራ 21 ሰነ 2020 ክጅምር እዩ።
ሓላፊ በዓል መዚ ኣቪየሽን፡ ሙሳ ኑሁ፡ ኣብ ከተማ ኣቡጃ፣ ሌጎስ፣ ፖርት ሃርኮርት፣ ካኖን ኢሞን ዘለው መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝኽፈቱ ብምግላጽ፡ “ዝህልወና ኣፈጻጽማ ገምጊምና ክንውስኽ ኢና” ኢሉ።
“ዓለምለኻዊ በረራታት ግን፡ ተዓጽዮም ክጸንሑ እዮም” ኢሉ።
ናይጄሪያ፡ ጥቡቕ ሕግታት ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ተኸቲላ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘለው ዜጋታታ ዝመልሱን፡ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ዘበጻጽሓ ነፈርትን፡ በረራ ተካይድ ኣላ እያ።





