'ሓይልታት ህወሓት' ንሰራዊት ሱዳን ይሕግዙ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ሰብመዚ ትግራይ ነጺጎሞ

Published

ሰብመዚ ትግራይ፡ ሓይልታቶም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ብምዃን ይዋጋኡ ከም ዘለዉ ንዝቐረበሎም ክሲ "መሰረት ዘይብሉ" ክብሉ ነጺጎሞ።

ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም-ኣልሰሪዕ ብቐዳም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ሓይልታት ህወሓት" ብሰራዊት ሱዳን ተዓሲሶም ይዋግኡ ከም ዘለዉ ከሲሶም ነይሮም።

"ሓይልታት ህወሓት ኣብ ጎኒ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፎም ይዋግኡ ከም ዘለዉ ዝገልጽ ጭብጢ ሰኒድና ኣለና" ይብል እቲ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ዝወጽአ መግለጺ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ነዊሕ መግለጺ፡ ነቲ ብሓይልታት ኣልሰሪዕ ዝወጽአ ክሲ ብምኹናን ጭብጢ ከም ዘይብሎም ጠቒሱ።

"ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ይሳተፉ ኣለዉ ዝብል ክሲ ሓይልታት ኣደዒም ኣልሰሪዕ ብሓሳቦም ዝሳኣልዎ ካብ ምዃን ዘይሓልፍ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ ዓለምለኻዊ ደገፍ ንምርካብ ዘናፈስዎ ሓበሬታ'ዩ ይብል እቲ ካብ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ።

"ቅድም ቀዳድም፡ ህወሓት ፖለቲካዊ ሰልፊ'ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ዕጡቕ ክንፊ የብሉን፡ ውዱብ ሚሊሻን ወይ ዕጡቕ ኣካል'ውን ኣይእዝዝን'ዩ"።

ብዘይካ'ዚ፡ "ነታ ተጋሩ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም ዝቖጽርዋ [ሱዳን] ተወሳኺ ጉድኣት ንምብጻሕ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዘእቱ የብልናን" ይብል እቲ ብስም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝወጽአ ወግዓዊ መግለጺ።

"ዋላ'ኳ ዘሕዝን ውሽጣዊ ብድሆታት ኣጋጢምዎም እንተሎ፡ ህዝቢን መንግስትን ሱዳን ነቶም [ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝሃደሙ] ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ረዲኤትን ሓለዋን ንምሃብ ዝክኣሎም ገይሮም'ዮም" ክብሉ'ውን ሰብመዚ ትግራይ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም ኣለዉ።

ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ሱዳን፡ "ንፖለቲካዊ ጸጋማት ወተሃደራዊ ፍታሕ ክህሉ ስለ ዘይክል፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ከቢድ ሞትን ዕንወትን ኣውሪዱ ዘሎ ኲናት ብዘተ ክፈትሕዎ መራሕቲ ትግራይ ተማሕጺኖም።

"ንኩነታት ስደተኛታትናን፡ ምስ ዕጡቓትና ዝተኣሳሰሩ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ብዝምልከት ድማ ኣብ ክሊ ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቕርበት ንሰርሕ ኣለና"።

ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ልዕሊ 14 ሽሕ ከም ዝተቐትሉን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ይፍለጥ።

ኣብቲ ኲናት ንሓደ ወይ ነቲ ካልእ ብምድጋፍ ኢዶም ዘእትዉ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ወገናት ነቲ ግጭት የባልሕዎ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይገልጹ።

ገለ ተንተንቲ ነቲ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ግጭት “ልሙድ ናይ ውክልና ኲናት” ክብሉ ይገልጽዎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሩስያ ብመንገዲ ዕሱባት ዕጡቓት ዋግነር ንሓይልታት ጀነራል ደጋሎ ብምድጋፍ፡ ዩክረይን ብወገና ንሰራዊት ሱዳን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕራብ ምትእትታው ይገብራ ኣለዋ ዝብሉ ጸብጻባት ከዛርቡ ጸኒሖም'ዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ራምታን ላማምራ ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ምስ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘራረብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ዛጊት ተጻብኦታት ከቋርጽ ኣይክኣለን ዘሎ።