እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ፍሉይ ልኡኽ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ራምታን ላማምራ ምስ ፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ተራኺቡ።
ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ርእሲከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ንልእሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ግጭት ሱዳን ንምፍታሕ ብዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ልዑል ደገፍ ከምዘለዎ ‘ገሊጹለይ’ ክብል እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን ብሰንኪ ብዝሒ ተበግሶታት ጉዳይ ሱዳን መፍትሒ ከምዝተሳእኖ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝገለጸሉ’ዩ ዘመልክት።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ምስ ሰብመዚ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮጳን ብዛዕባ ቅልውላው ሱዳን ተዘራሪቡ ነይሩ።
ነቲ ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃንን ዝምራሕ ምዱብ ሰራዊትን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምራሕ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት-ሓድሕድ ንምፍታሕ ክካየድ ዝጸንሐ ተበግሶታት ዛጊት ጭቡጥ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ሰበስልጣን ጎረቤት ሃገር ጫድ፡ ኬንያን ሃገራት ዓረብን'ውን ተመሳሳሊ ልዝባት ከምዘካየደ ሓቢሩ'ሎ።
ምስቶም ቀንዲ ተቐናቐንቲ ናይቲ ኲናት ዝኾኑ ጀነራል ኣልቡርሃንን ጀነራል ዳጋሎን'ውን ተራኺቡ ነይሩ።
እንተኾነ ግን ዛጊት ዋላ'ኳ ቅድሚ ሕጂ ብወከልቶም ኣብ ጂዳ ስዑዲ ዓረብ ተዘራሪቦም እንተነበሩ ንዝኣተውዎ መብጽዓታት ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምጥላም ናብ ውግእ ክምለሱ ምጽንሖም ይዝከር።
ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ንምንዳይ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ፍሉይ ጉጅለ (ፓነል) ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከካይድ ሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ጋዜጣዊ መብርሂ ክህብ ምዃኑ እቲ ሕብረት ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተበግሶ ግብጺ ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን'ውን ዛጊት ዘፍረዮ ነገር ከምዘየለ'ዩ ዝንገር።
ብዘይካ'ዚ ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ከምኡ'ውን ብንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝተኻየደ ፈተነታትን ልዝባትን ናብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክበጽሕ ኣይክኣለን።
ኣብቲ ብ15 ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ልዕሊ 14,000 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ይገልጹ።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ካብ ካርቱምን ከባቢኣን ሃዲሞም ዝወጹ'ዮም።
ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንሰብኣዊ ቅልውላው ሱዳን ደገፍ ንምርካብ ኣብ ፓሪስ ዋዕላ ለገስቲ ሃገራት ተኻዪዱ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ግጭት ጾታዊ ዓመጽን ዓሌታዊ ቅትለትን ዝርከቦ ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይፍጸም ምህላዉ ተሓለቕቲ መሰላት ይኸሱ።