ሊቨርፑል ምስ ሌስተር፡ ብራይተን ምስ ኣርሰናል. . . ግምታት ተንታኒ ስፖርት ሱቶን

Published

ሎሚ ምሸት ክልተ ጸወታታት ክካየዱ እዮም።

ዌስትሃም ንብሬንትፎርድ ከተአንግድ ከላ ሊቨርፑል ድማ ኣንፃር ሌስተር ክትገጥም እያ።።

ቀዳም 6 ጸወታታት ከም ዝካየዱ መርሃግበሪ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ የመልክት።

ዝተረፉ ክልተ ጸወታታት ሰንበት ሓድሽ ዓመት 2023 ኣብ ዝኽበረሉ መዓልቲ ክካየዱ መደብ ተታሒዙሎም ኣሎ።

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱቶን ንመበል 17 ሰሙን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ዘቐመጦም ቅድመ-ግምታት ዝስዕብ ይመስሉ።

ዓርቢ

ሊቨርፑል ኣንጻር ሌስተር

ኮዲ ጋክፖ ምስታ ጋንታ ተሰሊፉ ምፅዋት ምስ ጀመረ ንክፍሊ ምጥቃዕ ሊቨርፑል ከመይ ከም ዝቕይሮ ክርኢ ተሃንጢወ ኣለኹ።

ዋላ እኳ ሊቨርፑል ኣንጻር ቪላ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ከም እትሰዓር ገሚተ እንተነበርኩ ሰለስተ ነጥቢ ረኺባ ብዓወት ክትወፅእ ክኢላ እያ።

ክሳብ ራብዓይ ኣብ ዘሎ ደረጃ ንምዝዛም ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ ሎሚ’ውን ብዓወት ኣሰንዮም ክቕጽሉ እዮም።

ማህሰይቲ ጀምስ ማዲሰን ንሌስተር ስክፍታ ፈጢሩላ ይርከብ። ግን ድማ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ሸቶ ከተመዝግብ ኢያ ።

ግምት፡ 3 - 1

ዌስትሃም ኣንጻር ብሬንትፎርድ

ዌስትሃም ኣብ ዝሓለፉ 6 ጸወታታት እቲ ሊግ ኣብ 5 ተሳዒራ’ላ።

ከም ዝዕወቱን ናብቲ ዝነበሮም ድልዱል ብቕዓት ከም ዝምለሱን ብተደጋጋሚ እንተገመትኩ እኳ ግምተይ ግን ኣይሰመረን።

ብሬንትፎርድ ኣንጻር ቶተንሃም ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ከም ዘረጋገጸቶ ክትግመት እትኽእል ጋንታ ኣይኮነትን።

ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ ማዕረ ክትፈላለ እያ ኢለ ገሚተ ነይረ። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ግምት ኣለኒ።

ግምት፡ 1 - 1

ቀዳም

ዎልቭስ ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ

ዎልቭስ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ ንኤቨርተን ብምስዓር ርእሰ ተኣማንነቶም ስለ ዘዕበዩ እዚ ጸወታ ንዩናይትድ ከቢድ ክኸውን እዩ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ክትናሓናሕ ትኽእል እያ፤ ግን ናይ ኤሪክ ቴን ሃግ ጋንታ ትመሓየሽ ብምህላዋ ንተፃወትቲ ዎልቭስ ክትብድሆም ትኽእል’ያ።

ማንቸስተር ኣብ ርእሲ’ቲ ኖቲንግሃም ፎረስት ክትዕወት ካብ ምኽኣላ ብተወሳኺ፡ ኣሰልጣኒኣ ብዝደለዮ መንገዲ ኣብ ምፅዋት ትርከብ።

ሎሚ ጉዳይ ሮናልዶ ኣርእስቲ ኣይክኸውንን እዩ። እታ ጋንታ ድማ ዋሕዙ ዝሓለወ ፀወታ ትፃወት’ያ ዘላ።

ግምት፡ 1 - 2

በርንማውዝ ኣንጻር ክሪስታል ፓላስ

ክሪስታል ፓላስ ብፉልሃም ክትስዓር ብዘይ ምግማተይ ኣብኦም ዘለኒ እምነት ይሃስስ ኣሎ።

እዚ ጸወታ ንበርንማውዝ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ዝሓለፉ 6 ጸወታታት ኣብ 5 ስለ ዝተሰዓረት ካብቲ ሊግ ንዘይምፍናው እትቃለሰሉ ጸወታ’ዩ ክኸውን።

ኣብዚ ፀወታ እትዕወት ጋንታ ዝህልዋ ምንቕቓሕ ከም ዝውስኽ እንተኣመንኩ’ኳ እቲ ፀዋታ ግን ብማዕረ ዝውዳእ ይመስለኒ።

ግምት፡ 1 - 1

ፉልሃም ኣንጻር ሳውዝሃምፕተን

ፉልሃም ብተኸታታሊ ነጥቢ ክትድርብይ እያ እናበልኩ ግን ድማ ውፅኢታዊት ብምዃና ይቕሬታ እሓትት። ዘላትሉ ደረጃ ይግብኣ እዩ።

ተፃወትታ ንክሪስታል ፓላስ ብምስዓር ንብዙሓት ከገርሙ ካብ ምኽኣሎም ብተወሳኺ ድልዱል መስመር ምክልኻልን ምጥቃዕን ዘለዋ ጋንታን ሃኒጾም ኣለዉ።

ሳውዝሃምፕተን ድማ ኣብ ጸገም ዘላ ጋንታ ብምዃና ኣብ እግሪ እቲ ሊግ ትርከብ።

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ናታን ጆንስ ከምዝበሎ እታ ጋንታ ብዙሕ ፃዕሪ ክግበረላ ይግባእ።

ግምት፡ 2-0

ማንቸስተር ሲቲ ኣንጻር ኤቨርተን

ኣብ ዝሓለፉ 9 ጸወታታት ሓንቲ ዓወት ጥራይ ዘመዝገበት ኤቨርተን ናይ ኢትሃድ መገሻኣ ከቢድ ክኸውን እዩ።

ጋንታ ፍራንክ ላምፓርድ ነዚ ጸወታ ብኸመይ ክትዋፅኦ ተዳልያ ትኸውን? ብዝተኻእለ መጠን እናተኸላኸሉ ክጻወቱ ዝመርጹ’ኳ እንተመሰለ ቅልጡፍ ሸቶ እትተተመዝጊብዎም ግን ናብ ፀገም እዮም ክኣትዉ።

እቲ እንኮ ሕቶ ድማ ‘ጓርድዮላ ንመን ከሰልፍ ይኸውን?’ ዝብል እዩ።

ዝኾነ እንተኾነ ‘ውን ምርጫ ተፃወትቲ ነቲ ውጽኢት ዝቕይሮ ኣይመስለንን።

ግምት፡ 5 - 0

ኒውካስል ኣንጻር ሊድስ

ሊድስ ብድሕሪ’ቲ ኣንፃር ማንቸስተር ሲቲ ዘካየደቶ ከቢድ ጸወታ ኣብ ብሉጽ ብቕዓት እትርከብ እኳ እንተሃለወት ካብ ኒውካስል ግን ካልእ ብድሆ ከም ዝገጥማ እግምት።

ሊድስ ኩሉ ዓቕማ እትጥቀም ጋንታ እያ። ኒውካስል ድማ ክፍሊ ምክልኻላ ብርቱዕ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ሸቶታት'ውን ተቑፅር እያ።

ግምት፡ 2 - 0

ብራይተን ኣንፃር ኣርሰናል

ኣርሰናል ኣብዚ ጸወታ እንተድኣ ተዓዊታ ዋንጫ ንምልዓል ክሳብ መወዳእታ ከም እትጓዓዝ ዘመልክት ክኸውን’ዩ።

ኤዲ ንከቲያ ኣብ ዝሓለፈ ጸወታ ሸቶ እንተመዝገበ’ውን ጋብሪኤል ሄሱስ ጉድኣት እንተዘይበፅሖ ነይሩ ንኸምዚ ዝበለ ጸወታ እዩ ዘድልይ ነይሩ።

ብራይተን ንኣርሰናል ሎሚ ዓመት ካብ ካራባኦ ካፕ ክትሰናበት ምግባራ ጥራይ ዘይኮነትስ ኣብ ሊግ ውን ረቲዓታላ።

ኣርሰናል ዕድል እንተሃለዋ'ውን ኣብዚ ጸወታ ግን ብራይተን ክትዕወት ​​እያ ዝብል ግምት ኣለኒ።

ግምት፡ 2 -1

ሰንበት

ቶተንሃም ኣንጻር ኣስቶንቪላ

ካብ ቶተንሃም እንታይ ከም ዝጽበ ኣይፈልጥን እየ። ዋላ እኳ ኣብቲ ሰደቓ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ እንተሃለወት፡ ብቕዓት ተፃወትታ ግን ወሪዱ ኣሎ።

ስለምንታይ እዩ ኣሰልጣኒ ኣንቶንዮ ኮንቴ ኩሉ ግዜ ‘ጋንታይ ደኺማ’ ዝብል? ስለምንታይ እዮምከ ኣቐዲሙ ሸቶ ዝቑፀሮም?

ቪላ ብሊቨርፑል ተበሊፃ እንተተሰዓረት’ውን ኣብቲ ጸወታ ግን ጽቡቕ ምንቅስቓስ ኣርእያ እያ።

እዚ ጸወታ ብማዕረ ውፅኢት ዝውዳእ ይመስለኒ።

ግምት፡ 2 - 2

ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ቸልሲ

ቸልሲ ካብ በርንማውዝ ኣገደስቲ ሰለስተ ነጥቢ ኣውሒሳ’ላ።

ኖቲንግሃም ኣንፃር ዩናይትድ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ዕላምኣ እንታይ ምዃኑ ከይተፈለጠ ተሳዒራ ምውፅኣ ይዝከር።

ቸልሲ ብወገና ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ሽግር ኣለዋ።

ኖቲንግሃም ኣብዚ ሊግ ንምጽናሕ ኣብ ሜድኣ ነጥቢ ክትእክብ ኣለዋ። ግን ድማ ቸልሲ ኣብዚ ጸወታ ብጸቢብ ኣፈላላይ ክትዕወት ​​እያ።

ግምት፡ 1-2