ብሞባይል ተዓዛቢ ብዝተቐድሐ ቪድዮ ሸቶ ዝሰረዘ ዳኛ ካብ ጸወታ ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግብጻዊ ዳኛ መሓመድ ፋሩቕ ኣብ ናይ ሊግ ጸወታ ዝተመዝገበት ሸቶ ንምስራዝ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ብናይ ሓደ ተዓዛቢ ጸወታ ሞባይል ተጠቒሙ ነቲ ቪድዮ ብምርኣዩ ብምዃኑ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ።
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ካልኣይ ዲቪዥን ጋንታ ኣልነስር ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ምስ ጋንታ ስወጽ 2 ብ 1 እናተመርሐት እንከላ ሸቶ ብምምዝጋባ ማዕረ ዝኾነት መሲልዋ ነይሩ።
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ግጥማት ግብጺ ናይ ቪድዮ ተሓጋጋዚ ዳኛ [VAR] ኣብ ስራሕ ኣይተኣታተወን።
እታ ኣብ ሚዳኣ ትገጥም ዝነበረት ጋንታ ብመጋጥምታ ዝተቘጽረት ሸቶ ብኢድ ዝተተንከፈት ምዃና ጥርዓን ምስ ኣቕረበት፡ ሽዑ እቲ ዳጃ ነቲ ፍጻመ ዳግማይ ኣድቂቝ ንምርኣይ ብምሕሳብ ናይ ሓደ ነቲ ግጥም ኣብ ምክትታል ካብ ዝነበሩ ሰባት ሞባይል ተጠቒሙ ዝተቐድሐ ቪድዮ ነቲ ፍጻመ ርእይዎ።
ብድሕሪኡ ፋሩቕ ነታ ሸቶ ከም እትስረዝ ገይሩ።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንማርክ ክላተንበርግ ተኪኡ ሓላፊ ኮሚተ ዳያኑ ግብጺ ዝዀነ ቪቶር ፐረራ፡ መላእ ስታፍ ዳያኑ ን"ዘይተወሰነ ግዜ" ክእገዱ ከምዝወሰነ ሓቢሩ’ሎ።
"እቲ ኮሚቴ ነቲ ፍጻመ ክምርምሮ ዝወሰነ ከኣ ዳኛ ናይቲ ጸወታ መሓመድ ፋሩቕ ብሞባይል ሓደ ተዓዛቢ ዝተቐድሐ ኣሰር ቪድዮ ናይቲ ጸወታ ንምግምጋም ብምጥቃሙ'ዩ" ክብል ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ግብጺ ኣረዲኡ።
ጋንታ ስወጽ ድሕሪ እታ ዝተሰረዘት ሸቶ ሳልሰይቲ ብምምዝጋባ ነቲ ጸዋታ 3 ብ 1 ተዓዊታትሉ።
ዳኛ ፋሩቕ ሓለዋ ፖሊስ እናተገበረሉ ካብ ሜዳ ክወጽእ እንከሎ ተጻወትቲን ሓላፍትን ጋንታ ኣልነስር ተቓውሞታት ብምስማዕ፡ ነቲ ዳኛ መምርሒ ጥሒሱ ብዝብል ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱ ምዃኖም ይሕነዩ ኣለዉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
