ፑቲን ንሃገራት ኣፍሪቃ ‘ምሉእ ደገፍ’ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራን ኣኽራርነትን ንኣፍሪቃ “ምሉእ ደገፍ" እዩ ዝበሎ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እቲ ብፕረዚደንት ፑቲን ንሃገራት ኣፍሪቃ ይረብሕ’ዩ ተባሂሉ ዝቐረበ ድጋፍ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ንኣፍሪቃውያን መዛኑኡ ተነቢቡ።
ሓያሎ መንግስታት ኣፍሪቃ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበሮም ርክብ ብምቍራጽ፡ ብተደጋጋሚ ብጅሃዳውያን ይፍጸመሎም ዘሎ መጥቃዕቲ ንምምካት ናብ ሞስኮ ገጾም ይጥምቱ ኣለዉ።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቡርኪናፋሶ ካራሞኮ ዣን ማሪ ትራኦረ፡ ሩስያ ካብታ መግዛእታዊት ሓይሊ ነበር ፈረንሳ ዝያዳ ምችእቲ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ምዃና ገሊጹ።
እዚ ሓሳብ ሓያሎ ግዝኣት ፈረንሳ ነበር ዝቕበልኦ ኣረኣእያ እዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማሊ ዓብዱላየ ዲዮፕ ኣብ ዘቕረቦ መደረ "ቅንዕና ዝመልኦ" ሽርክነት ክረምሊን ምስቲ "ሓዲስ-መግዛእታዊ" ዝምድና ምዕራባውያን ሓይልታት ኣነጻጺሩዎ።
ሃገሩ ማሊ ካብ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ብተወሳኺ ካልኦት ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ኣብነት ጽላታት ጸዓት፡ ተሌኮሙኒኬሽን፡ ቴክኖሎጅን ዕደናን ትድህስስ ከምዘላ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ "ኩባንያታት ሩስያ ምስ መንግስቲ ማሊን ውልቀ ትካላት እታ ሃገርን ብምትሕብባር ኣብዞም ኵሎም መዳያት ኰይኖም ንህዝቢ ማሊ ዘጋጥሞም ብድሆታት መፍትሒ ንምሃብ ይሰርሓ ኣለዋ” ኢሉ።
ክልቲኦም ወገናት ቅልጡፍ ውጽኢት ንምርግጋጽ ናህሪ ከሐይሉ ከምዝተሰማምዑ’ውን ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።
ኣባላት ቫግነር ነበር ሎሚ ድማ ብሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ከም ብሓድሽ ተወዲቦም ዘለዉ ‘ኣፍሪቃ ኮርፕስ’ ወተሃደራት ፈረንሳን ሕቡራት ሃገራትን ካብተን ሃገራት ንኽወጽኡ ኣገዳሲ እጃም እዩ ነይርዎም።
ንጥረ ነገራት ንምርካብ ዝግበር ሓገዝ ሩስያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓንቲ ሃገር ኢድካ ምእታው ከምዘይህሉ መብጽዓ ሒዙ'ውን ይመጽእ እዩ።
ይዅን’ምበር ሩስያ ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ወተሃደራውያን መራሕቲ ንምክልኻል ሓጊዙ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ግን ብዙሕ ምዕባለታት ከተመዝግብ ኣይከኣለትን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ እቲ ኣብታ ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ፡ ምዕራባውያን ንተነጽሎ ሩስያ ዝነበሮም ተስፋ ከምዘፍሸለ ገሊጻ።
ከምኡ'ውን ላቭሮቭ፡ ዝምድና ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ "ብዝያዳ" ይሕይል ከምዘሎን፡ "ብዅሉ ምዕራፋት" ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ከምዘሎን ገሊጹ።
ኣብቲ ብሰርጌ ላቭሮቭ ኣቢሉ ዝቐረበ ሓሳብ ፕረዚደንት ፑቲን፡ "ሃገርና ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ማለት ኣብ ምርግጋጽ ዘላቒ ልምዓት፡ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራን ጽንፈኝነትን፡ ምቅላስ ለበዳታት፡ ጸገማት መግብን ሳዕቤናት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን፡ ንኣፍሪቃውያን ፈተውትና ምሉእ ደገፍ ክትገብር ምዃና ደጊመ ክገልጽ እፈቱ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዞባ ሳሕል ምዕራብ ኣፍሪቃ ፍልይቲ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣማኑኤላ ደል ረ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ “ምዕራባውያን ሃገራት ነቲ ዝቕየር ዘሎ ኵነት ክቕበሉ ኣለዎም” ኢላ።
ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ምዕራባውያን ሃገራትን ድልዱል ርክብ ዘለዋ ሩዋንዳ፡ ሓንቲ ካብተን ምስ ሞስኮ ውዕል ፈሪመን መመንጨዊ ኒዩክለራዊ ጸዓት ንምህናጽ ሓገዝ ክረኽባ ዝጸንሓ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳ ኦሊቨር ንዱሁንጊረሄ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣማኢት ተምሃሮ ሩዋንዳ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ሩስያ ከምዝተመረቑ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ፑቲን ምስ ኣፍሪቃ ዝግበር ንግዳዊ ልውውጥ ብዕጽፊ ክውስኽ ቃል ኣትዩ’ኳ እንተነበረ ግን ኣይተፈጸመን።
ሩስያ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ኣመና ከምዝዓበየ ግን ዘጠራጥር ኣይኰነን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
