ላዕለወይቲ ሐላፊት ቤት-ፍርዲ ኢትዮጵያን ምክትላን ብወለንታኦም ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም

ኣቶ ሰሎሞን ኣረዳን ወይዘሮ መዓዛ እሸናፊን

ምንጪ ስእሊ, ቢቢሲ

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ሰሎሞን ኣረዳን ወይዘሮ መዓዛ እሸናፊን
Published

ፕሬዝደንትን ምኽትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ብፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ወሪዶም።

ነዚ ስዒቡ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ዘቕረቡዎ ሕቶ ተቐቢሉ ሹመት ሓደሽቲ ሓለፍቲ ኣጽዲቑ ኣሎ

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኰይና ዘገልገለት ወይዘሮ መዓዛ ኣሸናፊ፡ ካብ ስልጣና ክትወርድ ናብ ቤት ምኽሪ ሕቶ ድሕሪ ምቕራባ፡ ኣብ ክንዳኣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመዚዙ።

በዚ መሰረት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሕጊ ኰይኑ ከገልግል ዝፀንሐ ኣቶ ቴድሮስ ምህረት ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኰይኑ ኣሎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ [ሰሉስ 09 ጥሪ 2015] ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ ንሽመት ኣቶ ቴድሮስ ብኣብዝሓ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ምኽትል ወይዘሮ መዓዛ ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ሰሎሞን ኣረዳ’ውን ካብ ስልጣኑ ብምውራዱ፡ ወይዘሮ ኣበባ እምቢኣለ ምክትል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኰይና ተመዚዛ'ላ።

እቶም ሓደሽቲ ሰበ ስልጣን ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሞም ሓላፍነቶም ከም ዝተረከቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዎት ሚኒስተራት ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ኣባላቱ ካብ ስልጣኖም ከም ዝተፋነዉ ኣፍሊጡ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ኣቶ ታከለ ኡማ፣ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፣ ኣቶ ዑመር ሑሴንን ኣቶ ተፈሪ ፍቅሬ 'ብኽብሪ' ካብቲ ቤት ምኽሪ ከም ዝተኣለዩ ይዝከር።

እንተዀነ እዞም ኣብ ላዕለዎት መንግስታዊ ጽፍሕታት ዝጸንሑ ውልቀሰባት ንምንታይ ከም ዝተሰነዩን ቀጻሊ ዕጫኦም እንታይ ከም ዝዀነን ኣይተገልጸን።

እቶም ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንትን ምክትልን ኰይኖም ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝመርሑ ሰብ መዚ'ውን፡ብሓባር ስልጣኖም ዝለቐቑሉ ምኽንያት ኣይተገለጸን።

ቢቢሲ፡ እዞም ክልተ ሰበስልጣን ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ምሕታቶም ብዝምልከት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሓበሬታ ረኺቡ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ክልቲኦም ወገን ግን ዝዀነ መረጋገጺ ሓበሬታ ከይረኸበ'ዩ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ወሰንቲ መንግስታዊ ጽፍሕታት ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ክመዝዝ ተራእዩ'ዩ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ነበር መዓዛ ኣሸናፊ ኣብ ኢትዮጵያ ፍልጥቲ ክኢላ ሕጊ ኰይና፡ ማሕበር ጠበቓታት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ብምምራሕ ዓቕሚ ንዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ናጻ ድጋፍ ሕጊ ብምሃብ ትፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ኣብ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣማኻሪት ሕጊ ኰይና ንልዕሊ ሽዱሽተ ዓመታት ከም ዝሰርሐት ይፍለጥ።

ንሳ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ትካል ፍትሒ ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝርከቦም ሓያለ ወገናት ተሪር ነቐፌታ ክቐርበሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።