እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓማስ ጅሆ ናይ ዝተትሓዙ ሰለስተ ሽማግለ እስራኤላውያን ቪድዮ ዘርጊሑ
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ፡ ብርጌድ ኣል-ቐሳም፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ናይ ዝርከቡ ሰለስተ ዓበይቲ እስራኤላውያን ቪድዮ ዘርጊሑ።
ኣብቲ ቪድዮ ወዲ 79 ዓመት ቻይም ፐሪ፡ ወዲ 80 ዮራም ሚዝገርን ወዲ 85 ዓመት ኣሚራም ኩፐርን ይረኣዩ።
ቻይም ፐሪ፡ ናብ ካሜራ ቀሪቡ ክፍትሑ ጻውዒት ክገብር ይርአ።
ድሕሪ እቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ዘይተሓሰበ መጥቃዕቲ፡ ዛጊት ኣስታት 120 ሰባት ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ከምዘለዉ ይእመን። ሰራዊት እስራኤል ነቲ ምስሊ “ቪድዮ ግብረሽበራ” ኢሉዎ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት እስራኤል ዳኒኤል ሃጋሪ፡ “ሓማስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝፍጽሞ ጭካነ ዝምስክር እዩ፤ ሕክምና ዘድልዮም ሰላማውያን ሽማግለታት እዮም” ኢሉ።
“ሓገዝ ሕክምና ንምብጻሕን እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ዘለዉሉ ኵነታት ንምፍላጥን ዓለም ስጕምቲ ክትወስድ ኣለዋ” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ነቶም ሰባት ንምፍታሕ ሞራላዊ ግዴታ ከምዘለዎምን ዝከኣሎም ከምዝገብሩን ተዛሪቡ።
እቲ ቪድዮ ኣብ ተሌግራም እዩ ተዘርጊሑ።
እቶም ኣብ ጥቅምቲ ዝተጨወዩ ሰባት፡ ብሓማስን ካልኦት ሓገዝቱ ፍልስጤማውያን ጕጅለታትን ተታሒዞም ከምዘለዉ እዩ ዝእመን።
ምሩኻት ኲናትን ጅሆ ዝተትሓዙን ሓለዋ ክግበረሎም ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት የገድድ፤ ቢቢሲ ድማ እቲ ቪድዮ ብኣስገዳድ ተቐዲሑ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ከተሓላልፍ ኣይክእልን።
ወሃቢ ቃል ናይታ እቶም ሽማግለታት ተጨውዮም ዝተወሰዱላ ቁሸት ኒር ኦዝ፡ ኣብ እስራኤል ምብጻሕ የካይድ ንዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ እቶም ሽማግለታት ክፍትሑ ክገብር ጸዊዑ።
“እቶም ዝተጨወዩ ብህይወት ምህላዎም ንንእድ፡ ግን ድማ ግዜ ይውዳእ እዩ ዘሎ” ብምባል እቶም ሽማግለታት ብቕልጡፍ ብዘተ ክፍትሑ ተማሕጺኑ።
ሓማስ ኣብቲ 1200 ሰባት ዝቐተለሉ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ኣስታት 240 ሰባት ጅሆ ሒዙ ወሲዱ።
እስራኤል ብግደኣ ብኡ ንብኡ ሓማስ ንምጥፋእ ዝዓለመ ዝበለቶ ገዚፍ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ ጀሚራ። እቲ ወፍሪ ካብ ዝጅመር ኣብ ቓዛ ኣስታት 18 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም።
ኣብ መወዳእታ ሕዳር ንሽዱሽተ መዓልቲታት ኣብ ዝተገበረ ግዝያዊ ደው ምባል ተዅሲ 105 ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባትን ብእስራኤል ዝተኣሰሩ ፍልስጤማውያንን ተፈቲሖም።
ብዓርቢ ሰለስተ ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን ብጌጋ ብሰራዊት እስራኤል ከምዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እቶም ዮታም ሃይም፡ ሳመር ታላልካምን ኣሎን ሻሚረዝን ዝተባህሉ ሰለስተ መንእሰያት ጻዕዳ ጨርቂ ሒዞም ነይሮም።
ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ከምዝገለጾ እቶም መንእሰያት ካብ ሓደ ህንጻ ናይ ላዕሊ ክዳን ከይገብሩ ወጺኦም፡ ሓደኦም ድማ ጻዕዳ ጨርቂ ብዕንጸይቲ የንበልብል ነይሩ።
ሓደ ዝሰግአ ወተሃደር ግን ነቶም ቀሪቦምዎ ዝነበሩ መንእሰያት “ግብረ ሽበራውያን” እዮም ብምባል ተኲሱሎም፤ ክልቲኦም ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ እቲ ሓደ ግን ቆሲሉ ናብቲ ዝመጸሉ ህንጻ ሃዲሙ ኣትዩ።
ጸኒሑ ብቋንቋ እብራይስጥ ናይ ርድኡኒ ድምጺ ምስተሰምዐ፡ እቲ ኣዛዚ እቶም ወተሃደራት ተዅሲ ደው ከብሉ ነጊሩዎም። ቀጺሉ እቲ ዝቘሰለ መንእሰይ ካብቲ ህንጻ ወጺኡ፤ ተኲሶም ድማ ቀቲሎምዎ።
እቶም መንእሰያት ሃዲሞም ድዮም ነይሮም ወይስ ሓለውቶም ገዲፎምዎም ከይዶም ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን።
እቲ ተግባር ኣንጻር ሕጊ ውግእ ከምዝዀነ ዝገልጹ ሰብ መዚ እስራኤል፡ እቲ ጉዳይ ”ብዝለዓለ ደረጃ” ይጻረ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።