ፑቲን መረጻ ንዝተዓወተ ትራምፕ 'ተባዕ' ክብል ንኢድዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መረጻ ኣመሪካ ንዝተዓወተ ዶናልድ ትራምፕ እንቋዕ ሓጐሰካ ኢሉ፤ "ተባዕ ሰብ" ክብል'ውን ገሊጽዎ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ከተማ ሶቺ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረሉ ናይ መጀመርታ እዋን "ብዅሉ ሸነኻት ብሽግራት ተኸቢቡ ከምዝነበረ" ሓቢሩ።
ፑቲን፡ ትራምፕ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንኽብል ክሕግዝ ይኽእል እየ ምባሉ "ብውሑዱ ቆላሕታ ዝግብኦ'ዩ" ክብል'ውን ገሊጹ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ጐስጓሱ፡ ነቲ ኲናት “ኣብ ሓደ መዓልቲ” ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ብተደጋጋሚ'ኳ እንተገለጸ፡ ነዚ ብኸመይ ከፈጽሞ ከም ዝኽእል ግን ኣብሪሁ ኣይፈልጥን።
ኣብቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዝቐጸለን ሰፊሕ ኣርእስታት ዝሸፈነን መደረ ፑቲን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓምለ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ዝተገብረ ፈተነ ቅትለት ብምልዓል፡ "ኣብ ልዕሊኡ ጦብላሕታ ፈጢሩ" ክብል ተዛሪቡ።
ትራምፕ ብጥይት ምስተወቕዐ ዓጀብቱ ካብቲ ቦታ ገና ከይወሰድዎ ከለዉ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ "ተቓለሱ፡ ተቓለሱ፡ ተቓለሱ" ዝብሉ ቃላት ኣስሚዑ ነይሩ።
ፑቲን፡ "ብናተይ ኣረኣእያ፡ ብኣዝዩ ቅኑዕ መንገዲ፡ ብትብዓት፡ ከም ሰብኣይ'ዩ ጠባይ ኣርእዩ" ኢሉ።
ምስ ዶናልድ ትራምፕ ንምዝታይ ድሉውነቱ ምስ ተሓተተ ከኣ "ድሉዋት ኢና" ክብል መሊሱ።
ትራምፕ ምስ ፑቲን ክዛረብ ድሉው ምዃኑ ብሓሙስ ዝገለጸ ኰይኑ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ "ክንዛረብ ኢና ዝብል ግምት ኣለኒ" ኢሉ።
መንግስቲ ሩስያ ኣብቲ ብ2016 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ጣልቃ ብምእታው፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣንጻር ሂላሪ ክሊንተን ዘካይዶ ጐስጓስ ንኽዕብልል ከምዝገበረ ሰፊሕ ክስታት’ኳ እንተቐረበሉ ሞስኮ ግን ነዚ ምንጻጋ ይዝከር።
ፍሉይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ሮበርት ሙለር ኣብ 2016 ኣብ መንጐ ጐስጓስ ትራምፕን ሩስያን ምትሕብባር ከምዝነበረ ንዝገልጽ ክስታት መርሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን ዝዀነ ውዲት ከምዝተፈጸመ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኸበ እዩ ኣፍሊጡ።
ብተዛማዲ ዜና፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዛዕባ ፖለቲካ ማሕበረሰብ ኣውሮጳ ንምዝርራብ ኣብ ቡዳፐስት ዝተኣከቡ መራሕቲ፡ ብዛዕባ ምምላስ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ዘትዮም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስቲ ዝተመርጸ ፕረዚደንት "ኣዝዩ ምዉቕ"ን "ውጽኢታውን ዝርርብ" ከምዘካየደ ገሊጹ’ሎ።
"ግን ከኣ ኣብ መንጎ ዩክረይን ኣመሪካን፡ መላእ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝገበርናዮ ርክብ ኣፍራይን ኣወንታዊን ንክኸውን ኵሉ ነገር ክንገብር ኣለና" ክብል ወሲኹ።
ብዙሓት ኣብ ዩክረይን ኣውሮጳን፡ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ስልጣን ምስ ሓዘ ንዋሕዚ ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣመሪካ ናብ ኪቭ ከዝሕሎ ወይ ደው ከብሎ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመር ግን ዩክረይን ኣንጻር ሩስያ ኣብ እትገብሮ ኲናት ሃገሩ እትህባ ደገፍ ከምዝቕጽል ኣረጋጊጹሉ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
