እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስንብታ ኣቶ ደመቀን ልዕሊ 20 ዓመታት ተራኡን
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንበረ-ስልጣን እታ ሃገር ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ሹመኛ ኰይኑ ዝጸንሐ ኣቶ ደመቀ መኮነን ካብ ምክትል ፕረዚደንትነት ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና "ብኽብሪ ከምዝተፋነወ" ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወግዒ ተገሊጹ።
ኣባል ውድብ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ (ብኣዴን) ኰይኑ ናብ ፖለቲካዊ መድረኽ እታ ሃገር ዝመጸአ መምህር ነበር ኣቶ ደመቀ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ከምዘገልገለ ይፍለጥ።
ንኢህወደግ ንዝተክአ ብልጽግና ካብ ዝመስረቱ ወሰንቲ ፖለቲከኛታት ሓደ ኮይኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ ኣብ ዘኽኣለ ለውጢ’ውን ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ይንገር።
ኣብ ኢህወደግ ዓብላሊ ተራ ምስ ዝነበሮ ህወሓት ብምፍጣጥ ነቲ ፖለቲካዊ ለውጢ ካብ ዝመርሑ ገዳይም መራሕቲ ኦህዴድን ብኣዴንን ሓደ ዝነበረ ኣቶ ደመቀ ካብ ብልጽግና ብወግዒ ብኽብሪ ዝተሰናበተ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እዩ ክበሃል ይከኣል።
ኣብቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ክልቲኦም ውድባት ኰይኖም ነቲ ለውጢ ኣብ ምምራሕ ወሳኒ ቃልሲ ከም ዘካየዱ ካብ ዝዝረበሎም ውሑዳት ሰባት ዝነበሩ ኣቶ ለማ መገርሳን ኣቶ ገዱ ኣዳርጋቸውን፡ ዘይከም ኣቶ ደመቀ ድምጾም ከይተሰምዐ እዮም ኣብ ውድብን መንግስትን ካብ ዝነበሮም ተራ ተኣልዮም።
በዚ ድማ ኣቶ ደመቀ ካብቶም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዝመጸ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝተሳተፉ ውሑዳት ፖለቲከኛታት ኢህወደግ፡ ካብ ዝለዓለ ፖለቲካዊ መድረኽ ብምስንባት ናይ መወዳእታ ክበሃል ይከኣል።
እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ መድረኽ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክሰናበት ከምዝደሊ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። ሰልፊ ብልጽግና ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ዘካየደሉ 2014 [ግእዝ]፡ ሕቶ ምስንባት ከምዘቕረበን ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣቶ ደመቀ ኣብ ውድብ፡ ክልልን ፈደራልን መንግስቲ
ኣቶ ደመቀ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣብ ፈደራል መንግስቲን ኣብ ላዕለዎት ጽፍሕታት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ወሰንቲ ጽፍሕታት ብምክትልነት እዩ ኣገልጊሉ።
ብምክትል ፕረዚደንትነት ክልል ኣምሓራ ከምዘገልገለ ዝዝከር ኰይኑ፡ ናብ ስልጣን ፈደራል መንግስቲ ድሕሪ ምምጽኡ ከኣ፡ ሚኒስተር ትምህርትን ጉዳያት ወጻኢን ብምዃን ኣገልጊሉ። ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ኣብታ ሃገር ካልኣይ ዝለዓለ ናይ ፈጻሚ ስራሕ ስልጣን ሒዙ ጸኒሑ።
ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ኮይኑ ኣብ ዝነበረ ኢህወደግን ተካኢኡ ብልጽግናን ኣብ ዝመርሕዎ መንግስቲ፡ ወሳኒ ቦታ ካብ ምሓዙ ብተወሳኺ ምክትል ኣቦ መንበር ክልቲኦም ውድባት ኮይኑ’ውን ኣገልጊሉ።
ስለዝዀነ፡ ኣቶ ደመቀ ዋላ’ኳ ጎሊሑ እንተዘይተረኣየ ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ኣብ ውድባውን መንግስታውን ሓላፍነታት ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ይእመን።
ካብ ሰልፊ ብልጽግና ድሕሪ ምስንባቱ ካብ ዝነበሮ ስልጣን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርነትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ብዛዕባ ምውራዱ ግን ዛጊት ብወግዒ ዝተባህለ ነገር የለን። ግን ከኣ ካብ ክልቲኡ ላዕለዎት ቦታታት ምፍናዉ ዘይተርፍ ምዃኑ ይእመን።
ንስንብታኡ ኣብ ዝተዳለወ መደብ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓላፍነት ምልቃቑ ካብ ስልጣን ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቱ እውን ምዃኑ ዘአንፈተ ይመስል ነይሩ።
ቅልውላው ክልል ኣምሓራ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዘሎ ጨንፈር ሰልፊ ብልጽግና ዝውከል ኣቶ ደመቀ፡ እቲ ንሱ ዝወከሎ ክልል ብኸቢድ ፖለቲካውን ጸጥታውን ጸገማት ይሕመስ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ ካብ ውድባዊ ስልጣኑ ተሰናቢቱ ዘሎ።
ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተዘርግሐ ኲናት እኳ እንተተዛዘመ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ክልል ኣምሓራ ኣብ ከቢድ ውሽጣዊ ቅልውላው ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ግጭታት ስለዘለዉ መራሕቲ እታ ክልል ኣብ ፈተና ይርከቡ።
ሽድሽተ ኣዋርሕ ክመልእ ኣብ ዝተቓረበ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እትርከብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝተወልዐ ግጭት ዛጊት መዕለቢ ኣይረኸበን ዘሎ። እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ክቕጽል ድዩ ክለዓል ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ምንቅስቓስ እቶም ዕጡቓት ካብ ዓቕሚ መንግስቲ እቲ ክልል ንላዕሊ ብምዃኑ፡ ምትእትታው መንግስቲ ፈደራል ምስተሓተተ ዝተመስረተ ሓድሽ ምምሕዳር እታ ክልል፡ መሓውሩ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ንምሕያል ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፡ ግጭታት ብተደጋጋሚ ክኽሰቱ ተራእዮም እዮም።
ኣቶ ደመቀ ንክልል ኣምሓራ ዝወከለ ገዲም በዓልስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን መንግስቲ ፈደራልን እኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንክልል ኣምሓራ ዝሓመሰ ቅልውላው ንዲፕሎማሰኛታት ካብ ዝሃቦ መብርሂ ወጻኢ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕሪ እንተሃልዩ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ግጭት ግን ክሳብ ሕጂ ብምቕጻሉ፡ ብዛዕባ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ካብ ኣቶ ደመቀ ይኹን ካልኦት ኣካላት ዝተበሃለ ነገር የለን።
ንስንብታኡ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዘጋጥሙ ዘለዉ ስእነት ሰላምን ኵለ-መዳያዊ ጸገማትን “ልቢ ዝሰብሩ” ክብል ገሊጽዎም።
እጃሙን ጕድለታቱን
ኣቶ ደመቀ ኣብ ሰልፍን መንግስትን ዘሕለፎ ዝነውሐ ግዜ ሓላፍነቱ ብምክትልነት ዝጸንሓሉ ኮይኑ፡ ላዕለዎት ሓለፍቱ ኣብ ዘለዉሉ ኵነታት ግን ርኡይ ተራ ክህልዎ ዘኽእል ዕድል ኣይረክብን ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን መንግስቲ ብምጽንሑ ከኣ ዝበዝሐ ርክባቱ ምስ መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግናን ማእከላይ መንግስትን ስለዝዀነ ብደረጃ ክልል ኣምሓራ ጽልዋኡ ርኡይ ከምዘይነበረ ይንገር።
እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ካልኦት ኣባላት ውድቡን፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ውድብን መንግስታዊ ሓላፍነቱን ዘለዎ ግደ ዝጎልሐ ምዃኑ ይገልጹ። ብተወሳኺ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣበርክቶኡ ኣገዳሲ ብምንባሩ ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣቶ ደመቀ ካብ መሪሕነት እቲ ውድብ ብተወሳኺ ካብ ናይ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርነትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ስልጣኑ እንተደኣ ለቒቑ፡ እታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ኣገዳሲ ስራሕ ኣብ ዘድልያ እዋን እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።
ብፍላይ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ስምምዕን ዘስዓቦ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላውን ምህዳእ ኮነ ከስዕቦ ዝኽእል ጸቕጢ ምቍጽጻር ሓላፍነት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እዩ።
ስለዚ ኣቶ ደመቀ ዝተጀመሩ ስርሓት ናብ ተካኢኡ ካብ ምስግጋር ሓሊፉ እዚ ውዑይ ወጥሪ እውን ናብቲ ሓድሽ ሚኒስተር ዝገድፎ ጉዳይ እዩ ክኸውን።
ንሱ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ፡ ካብቲ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ስልጣን ኣብ ዝተሰናበተሉ እዋን፡ መደረ ከስምዕ ከሎ "ካብ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ . . . ንዜጋታታ ምችእቲን ብልጽግትን ሃገር ንምህናጽ” ምርብራብ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ተዛሪቡ’ሎ።
ልዕሊ ዕድመ ሓደ ወለዶ ኣብ ዝጸንሐ ጕዕዞ መሪሕነቱ ዓወትን ብድሆታትን ከም ዝሓለፈ ዘመልከተ ኣቶ ደመቀ፡ ኣብቲ እዋናት "ንዘጉደልክዎ ኵሉ ይቕሬታ እሓትት" ኢሉ።