እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ስደተኛታት ኮኒኑ
ኣብ ሊብያ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት 15 ስደተኛታት መርኣያ ስእነት ውሕስነትን ሓለዋን ሓተትቲ ዑቕባ'ዩ ክብል ሕቡራት ሃገራት ነቒፉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 11 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብታ ሰሜን ካብ ርእሰከተማ ትሪፓሊ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሳብራታ ኣብ ሓንቲ ዝተቓጸለት ጃልባ ተቐቲሎም ተረኺቦም።
ዝቖሰለ ሬሳታት ናይ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ካብታ ዝሓረረት ጃልባ ወጻኢ ተረኺቡ።
"ዋላ'ኳ ኩነታት [ኣማውትኦም] ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ፡ እቲ ቅትለት ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ዕጡቓት ኣሰጋገርቲ ሰባት ብዝተፈጥረ ግጭት ዝሰዓበ'ዩ" ክብል ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ገሊጹ።
ሰብመዚ ሊብያ ብቕልጡፍ ዘይሻራዊን ግሉጽን መርመራ ከምዝካየድ ብምግባር ንፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ከቕርቡ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ'ሎ።
እቲ "ዘስካሕክሕ" ክብል ዝገለጾ መጥቃዕቲ "መርኣያ ስእነት ሓለዋ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ሊብያ እዩ" ክብል ነቒፉ።
ኣብታ ሃገር ዘለዉ ንስደተኛታት ግዳያት ዝገብሩ ሓያላት ኣሰጋገርትን መርበባት ገበንን "ብህጹጽ ክግትኡን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ኣለዎም" ድማ ኢሉ።
እታ ንልዕሊ 10 ዓመታት ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ ዝጸሐት ሊብያ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩላ ሃገር እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ድማ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ግዳያት ጭውያ ኣሰጋገርቲ ከምዝኾኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት'ውን ኣብ ኢድ ሰብመዚ ጸጥታ ጭውያን ቅትለትን ከምዘጋጠሞም ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ንመበል 9ይ ዓመት ህልቂት ላምፐዱሳ ዘኪሮሞ ምውዓሎም ይፍለጥ።
ብ3 ጥቅምቲ 2013፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 350 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ላምፐዱሳ ምጥሓሎም ይዝከር።