11 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም

Published

ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ክጥሕሉ እንከለው ካልኦት 12 ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ተገሊጹ።

ሓለዋ ገማግም ቱኒዝያ፡ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝሰግሩ ዝነበሩ 37 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብሰሉስ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 14 ሰባት ከምዘድሓነ ሓቢሩ።

ቀዳም ምሸት ሓሙሽተ ተወሳኺ ኣስከሬናት ከምዝተረኽበን፡ ቁጽሪ ምውታት ናብ 11 ክብ ከምዝበለን ማእከን ዜና ቲኤፒ ኣቃሊሑ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ስደት፡ ዛጊት ኣብዚ ዓመት፡ ልዕሊ 1,000 ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።  

ካብቶም ከምዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ዝተገለጹ 1033 ስደተኛታት፡ እቶም 960 ጥሒሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

እታ ጃልባ ካብ ዞባ ኤስፋክስ ተበጊሳ ከባቢ 64 ኪሜ ንሸነኽ ሰሜን ድሕሪ ምጉዓዛ ኣብ ከባቢ ገማግም ቸባ ማህድያ ጥሒላ።

ገማግም ኤስፋክስ፡ ነቶም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ቀንዲ መበገሲ ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ መንጎ ምብራቓዊ ገማግም ቱኒዝያን ሲሲሊን እትርከብ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ፡ ዋና መሰጋገሪ ናይ’ቶም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ዝፍትኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እያ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ዶባት ኣውሮጳ፡ ፍሮንቴክስ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ ነሓሰ ኣብ ዝነበረ ግዜ ከባቢ 52000 ሰባት ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ኣትዮም ኣለው።

እቶም ስደተኛታት ብቐንዱ ካብ ቱኒዝያ፡ ግብጺን ባንግላደሽን ከምዝነቐሉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።