ሰራዊት ኣሜሪካ፡ ንምንታይ'ዩ ዳግማይ ናብ ሶማልያ ዝምለስ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ 500 ወተሃደራት ዳግም ናብ ሶማልያ ብምውፋር ኣንፃር ኣልሸባብ ክትቃለስ ምውሳና፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዘለዋ ድጋፍ ዘመልክት እዩ።
እዚ ዳግማይ ምውፋር ወተሃደራት፡ ኣብ ታሕሳስ 2020 ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ወተሃደራት ክወጽኡ ድሕሪ ምግባሩ፡ ብባይደን ዝቐረበ ሓድሽ ውሳነ ምዃኑ ይፍለጥ።
ብፕረዚደንት ነበር ፋርማጆ ሕጕስ ዘይነበረ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንምሕደራኡ ከምኡ ድማ ኣንፃር እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣ'ሸባብን፡ ኣብቲ ኣዝዩ ንእሽተይ ዝዀነ ጨንፈር እስላማዊ መንግስቲ [ኣይ ኤስ]ን ዝወሰዶም ስጕምትታት ዕውት ብዘይምንባሩ ይነቕፎ።
እቲ ሎሚ ክዋፈር ምዃኑ ወግዓዊ ዝተገበረ፡ "እዚ ዩኤስ ኣፍሪካ (ኣፍሪኮም)" ነታ ብመጥቃዕቲታት ኣ'ሸባብ ኣብ ስግኣት ዝጸንሐት ሶማልያ ሩፍታ ዝፈጥር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ብሰንኪ ውሳነ ትራምፕ ካብ ጅቡቲ እናተመላለሰ ንዝተፈጥረ ጸጥታዊ ሃጓፍ ንምምላእ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ሰራዊት ኣሜሪካ ረጊኡ ተልእኾኡ ክፈጽም ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ይግለጽ።
ማእከል ስትራተጂክ መፅናዕትታት ኣፍሪቃ [The Africa Centre for Strategic Studies] ከም ዝሕብሮ፡ ሰራዊት ኣሜሪካ ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት፡ ኣ'ሸባብ ዝፈፀሞም መጥቃዕትታት ካብ 1,771 ናብ 2,072 ዓብዩ'ሎ። እዚ ድማ 17 ሚእታዊት ምዕባዩ ዘመልክት እዩ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዝተኻየደ ውግእ ብ32 ሚእታዊት ክውስኽ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ 450 ዕጡቓት ኣ'ሸባብ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ሶማሊያ ዝርከብ መዓስከር ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ዜጋታት ብሩንዲ ንዝዀኑ 40 ወተሃደራት ከምዝቐተሉ ይፍለጥ።
ክኢላታት ውድብ ሕቡራት፡ ኣ'ሸባብ፡ ኣዝዩ ሓያልን ሃብታምን፡ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ ከምዝዀነ ይገልጽዎ። ክሳብ 12 ሽሕ ዕጡቓት ከም ዘለውዎን ኣብ ወርሒ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላት እቶት ክእክብ ከምዝኽእልን ግምቶም የቐምጡ።
"ምምላስ ሰራዊት ኣሜሪካ ናብ ሶማልያ ዓቢይ ለውጢ ዘምጽእ እዩ፡" ትብል ሰሚራ ገይድ፡ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ኣብ ሞቓዲሹ ዝርከብን 'ሃሪራ' ዝተበሃለ ትካል።
"ነቲ ኲናት ብዓወት ክዛዝሞ ኣይክእልን፣ እንተዀነ፡ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ንፀጥታን ድሕነትን ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ሰፊሕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ፡" ክትብል ድማ ተረድእ።
እዚ ዝለኣኽ ሰራዊት ስልጠና፡ ዕማማት ምምኻርን ዕጥቅን ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ፡ ንቐንዲ መራሕቲ ኣ'ሸባብ ዒላማ ዝገበሩ ስርሒታት ናይ ምፍጻም ዕማም ክህልዎም'ዩ።
ቅድሚ ሎሚ ኣሜሪካ ትፍጽሞም ዝነበረት መጥቃዕትታት ኣየር፡ ንምንቅስቓሳት እቲ ጕጅለ ሽበራ ካብ ምትእጉጓሎም ብተወሳኺ፡ ምኩራት ዕጡቓቱ ከም ዝሓሰቦ ከየንቀሳቕስን ዓበይቲ ዝበሃሉ መጥቃዕትታት ከይፍጽምን ደሪቶምዎ ነይሮም።
"እቶም መጥቃዕትታት ኣየር ንሰላማውያን ሰባት'ውን ዝቐተሉ እዮም" ትብል ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲን፡ ኣብ 2021 ኣ'ሸባብ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣቦኣ ዝሰኣነትን ሓሊማ ኣሕመድ።
ዘይቃደዉ ሓይልታት!
ኣሜሪካ እተሰልጥኖምን እተዕጥቘምን ወተሃደራት ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን ክተሓላለዉን ብምሕሳብ'ዩ።
ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ፑንትላንድ ዘሰልጠነቶም ጸረ-ሽበራ ሓይልታት ግን ኣብ ሞንጐኦም ምክፍፋል ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ካልእ ጸገም ግን፡ ንሓይልታት ሶማሊያ ስልጠናታት እትህብን እተዕጥቕን ኣሜሪካ ጥራሕ ዘይምዃና ከምዝዀነ ይግለፅ።
ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑን ዝተሓዋወሰ ኣጽዋር ዝተዓጠቑን ወተሃደራትን ፖሊስን እዮም ዝረኣዩ።
ኣሜሪካ ዘሰልጠነቶም ኮማንዶታት እቶም ኣዝዮም "ክፉኣት" ከምዝዀኑ ይግለፅ፤ ደናብ ወይ በርቃዊ ብርጌድ ይበሃሉ።
'ዘ ጐርጎር' ወይ ንስሪ ብዝብል ዝፍለጡ ድማ ኣብ ቱርኪ ሰልጢኖም ናብ ሞቓዲሹ ዝተመለሱ እዮም።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠር፡ ብሪጣንያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኤርትራ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያ፡ ጅቡትን ካልኦት ሃገራትን እውን ተሳትፎ ኣለወን።
እዚ ምትእትታው ብዙሓት፡ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ጸጥታ ውህደት ዘለዎ ዕውት ስራሕ ንምፍጻም ማሕለኻ ኰይኑ ይርከብ።
ኣብ ገለ እዋናት፡ እቶም ብሓንቲ ሃገር ዝሰልጠኑ ዕጡቓት ንሓደ ፖለቲካዊ ጕጅለ ጥራይ ዝወገኑሉ ኵነታት'ውን ይርአ'ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
