ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንሶማልያ ክመርሕ ንመጀመርታኡ ኣይኮነን። ካብ 2012 ክሳብ 2017 ሻምናይ ፕረዚደንት ኰይኑ ነታ ሃገር መሪሑ እዩ።
ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ 2012፡ ንፈለማ እዋን ምስ ሃገራት ኣፍሪቃን ምዕራብን ምሉእ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ንዝነበሮ መንግስቲ ዝመርሐ እውን እዩ።
እንተዀነ ኣብቲ ዝሓለፈ ዘመነ ስልጣኑ፡ ኣብታ ሃገር ሱር ንዝሰደደ ብልሽውና ክገትእ ብዘይምኽኣሉ ብዙሕ ነቐፌታ ወሪድዎ እዩ።
ኣብ 2017 ደጊሙ ኣብ ዝተወዳደረሉ ምርጫ ከኣ ክዕወት ኣይከኣለን፣ ስልጣን ነቲ ሕጂ ዝሰናበት ዘሎ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ "ፋርማጆ" ኣረኪቡ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ምርጫ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብናዕብን ሓድሕድ ምትፍናንን እትሳቐ ዘላ ሃገር፡ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። እዚ ናይ ሎሚ ምርጫ ኣብ ታሪኽ ምርጫ ሶማልያ ሓያል ንሕንሕ ዝተራእየሉን ብሰለስተ ዙር ዝተኻየደን ዘይቀጥታውን እዩ።
ኣቐዲሙ፡ ኣብ ምምህርናን ንጥፈታት ሰላምን ዝዓየየ ሓድሽ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ቅድሚ ምርጫ፡ ሶማላውያን ክሓብሩን ምስ ዓለም ብሰላም ክነብሩን ምርግጋጽ ቀንዲ ዕማሙ ከምዝዀነ ክጕስጉስ ጸኒሑ።
ኣብዚ ምርጫ 'ዚ ምስተዓወተ፡ ትማሊ ሰኑይ ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ'ውን ነዚ ባህጉ ካብ ምግላፅ ኣይተቘጠበን።
"ምስ ዞባዊ መንግስትታትን ዓለምለኻውያን መሻርኽትናን ብቕርበት ከምንሰርሕ ቃል ክኣትወልኩም እደሊ፡" ኢሉ።
ቃና እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት ንዕርቂ ዝጽውዕ ክኸውን እንከሎ፡ ንዅሉ ብማዕረ ከምዘገልግል ንህዝቢ ሶማልያ ቃል ኣትዩ።
ኣብቲ መወዳእታ፡ ሳልሳይ ዙርያ ምሃብ ድምጺ፡ 214 ድምጺ ብምርካብ ዓቢይ ዓወት ዝተጐናፀፈ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ 2017 ዝሰዓሮ፣ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኸኣ 110 ድምጺ ዝረኸበ ፋርማጆ፡ ሕነኡ ፈድዩ ኣሎ።
ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጐስጓስ ምርጫ ምእንቲ ኸካይድ ኣብ ሞቓድሾ ዘሕለፈ ማሕሙድ፡ ኣብታ ሃገር ክካየዱ ቃል ዝተኣተወሎም ምርጫታት ኣብ እዋኖም ክካየዱ ክጕስጕስ ጸኒሑ እዩ።
ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ፕረዚደንት ፋርማጆ መዝነቱ ብኽልተ ዓመት ንምንዋሕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ኣትሪሮም ካብ መንጐ ዝተቓወሙ ልፍንቲ ሕፁያት ተቓወምቲ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ዝሓለፈ ለካቲት 2021፡ ሕጹያት ተቓወምቲ ነቲ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ክካየድ ወጢኖምዎ ዝነበሩ ሰልፊ ንምፍሻል፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ነቲ ዝነበሮ ሆቴል ድሕሪ ምውራሮም፡ ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ልዕለኡ ተተኲስዎ ነይሩ።
እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ሕቡራት ሃገራት መጠንቀቕታ ንዝሃበሉ ከቢድ ድርቂነ ካልእ ኣብታ ሃገር ተደጕሎም ንዘለው ዓበይቲ ብድሆታት ክፈትሕ ትጽቢት ይግበር።
ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ቆላሕታ እንተ ዘይተገይርሉ፡ ናብ ዓጸቦ ክዓቢ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ እዩ።
ብሰንኪ እዚ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ሶማላውያን ንኸቢድ ሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖምን ተፀበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክዀኑ ተገዲዶምን ኣለው።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ካብ ቍጽጽር ወፃኢ ዝዀነ ዝቕባበ፡ ፍታሕ ክፈጥረሉ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስትን ዞባዊ መንግስታትን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ምትፍናን ንምጽጋን'ውን፡ ካልእ ዕዮ እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት እዩ። እዚ ጸገም'ዚ፡ ኣብ ግዜ እቲ ፕረዚደንት ፋርማጆ'ውን ዓቢይ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኰይኑ ዝጸንሐ እዩ።
እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ምስ ኬንያ፡ ጂቡቲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ከሕድስ ከም ዝግባእ ተንተንቲ ዝገልጹ።
እቲ ዝጸንሐ ምምሕዳር ፋርማጆ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ኬንያ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብምብታኽ፡ ኣብ ማያዊ ዶብ 'ሕቶ ይግብኣኒ' ብምልዓል ምስ ኬንያ ክዋጠጥ ጸኒሑ እዩ።
ድሕረ-ባይታ
ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ብ 1955 ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ሂራን ተወሊዱ፣ ማእከላይ ደረጃ መነባብሮ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ሞቓድሾ ድማ ዓብዩ።
ብ 1981 ካብ ዩኒቨርሲቲ ሶማልያ ብኢንጂነሪን ተመሪቑ።
ቀረብቱ ከም ዝብልዎ፡ ካብ ህንዲ- ዩኒቨርሲቲ ቦሆፓል ናይ ድሕረ ምረቓ ዲግሪ ቅድሚ ምርካቡ፡ ርጉእን ዘይዕበን መምህር ኰይኑ ዝሰርሐን እዩ ነይሩ።
ካብ ህንዲ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ዝነበረ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መደብ፡ ስልጠናታት መምህራን ኣተሓባባሪ ኰይኑ ሰሪሑ።
ልዙብ ሃይማኖተኛ
ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ 1991 ክወድቕ እንከሎ፡ በዓልመዚ ትምህርቲ ኰይኑ ናብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ተጸምቢሩ። ብኡ መሰረት ከኣ ናብ ደቡባውን ማእከላይን ሶማልያ ብምጓዓዝ፡ "መጠን ውድቀት ጽላት ትምህርቲ" እታ ሃገር ንኽዕዘብ ዕድል ረኺቡ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ንፈለማ እዋን ኣብ ሞቓድሾ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ከፊቱ።
ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብታ ሃገር ዓሌታዊ ግጭት ክባራዕ እንከሎ፡ መሓውር ትምህርቲ ዳግማይ ንክህነጽ ወሳኒ ተራ ምስ ዝነበሮ 'ኢስላሕ' ዝተባህለ ጨንፈር 'ሕውነት እስላም' [ሙስሊም ብራዘርሁድ] ጨንፈር ሶማልያ'ውን ርክባት መስረተ።
እቲ ጕጅለ፡ ምስቲ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ዘሎ ዝመሳሰል እስላማዊ ስርዓተ ትምህርቲ ዝመሓደር ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸፈተ'ኳ እንተዀነ፡ ነቲ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣ'ሸባብን ግን ብትሪ ይዅንን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልዙብ ዝዀነ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ኣስላማይ እዩ ዝበሃል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ምስቲ ብሕድሕድ ኲናት ንዝተዳህከት ሶማልያ ሕግን ስርዓትን ንምስፋን ብዝብል ዕላማ፡ ንከባብያዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣወሃሂዱ ዝተመስረተ፡ ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ እስላም" ዝምድና ኣለዎ።
እዚ ሕብረት እስላማዊ `ኣብያተ ቤት ፍርዲ ኣብ 2006 ኣብታ ሃገር ተዛማዲ ሰላም ኣስፊኑ እዩ።
ኣልሸባብ ኣብቲ ሕብረት ኣብያተ ፍርዲ ጽልዋ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኢትዮጵያ ብዝሓደራ ስግኣት ንሶማልያ ብምውራር ስጕምቲ ምውሳዳ ይፍለጥ።
ደገፍቲ እዚ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ንሰላምን ምርግጋእን ዝሰርሕ መራሒ እዩ ብምባል ይንእድዎ።
ኣብ 1990ታት ኣብ ሲቪል ማሕበራት ንጡፍ ተሳትፎ ዝነበሮ ማሕሙድ፡ ዓሌታዊ ጐንጺታት ብምፍታሕ'ውን ይፍለጥ።
ዝዓበየ ዓወቱ ዝሕሰብ፡ እቲ ኣብ 1997 ዝገበሮ፡ ብሰንኪ ምትፍናን ቀቢላታት ጐይቶት ኲናት ንሞቓድሾ ኣብ ክልተ መቒሉ ዝነበረ "ግሪን ላየን" ናይ ምፍራስ ግደ እዩ።
እዚ ብ"መንሽሮ ሞቓድሾ" ዝግልጽ ዝንበረ ኵነታት፡ ኣብ ፈለማ 90ታት፡ ንነበርቲን ፖለቲከኛታትን ኣመና ኣጸጋሚ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 2001 ከኣ፡ ዕርቂ ንምፍጣር ናብ ዝሰርሕ 'ማእከል መጽናዕትን ልዝብን' ተመራማሪ፡ 'ደግመ-ህንጸት ድሕሪ ኲናት' ኰይኑ ተጸምበረ። እዚ ትካል፡ ጥቡቕ ጸግዒ ምዕራባውያን ዘለዎ እዩ ተባሂሉ ገለ ነቐፌታታት ይቐርበሉ ነይሩ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ግዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣማኻሪ ዝተፈላለያ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።
እቶም ንሱ ዘካየዶም መጽናዕቲታት፡ ሃገሩ ሶማልያ፡ ክንዮ'ቲ ንሰለስተ ዕቝድ ዝሓመሳ ኲናት ንኽትከይድ ሓገዝቲ ክዀኑ ይሕልን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
