ኣህባይ በረኻ ጃፓን፡ ሰባት የጥቅዑ'ለው

Published

ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት ኣህባይ በረኻ ኣብ ጃፓን ኣብ ልዕሊ ሰባት መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብ ከተማ ያማጉቺ ቈልዑን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም 42 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ማካው ወይ ስኖው ማንኪ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣህባይ ጃፓን ዝፈጸምዎ ከምዝዀነ ተረጋጊጹ'ሎ።

ይዅን እምበር እዞም ኣህባይ ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት እታ ሃገር ልሙዳት'ኳ እንተዀኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲታት ግን ዘይተለምደ እዩ።

ፖሊስ ጃፓን ነቲ ንነበርቲ ዘሸብር ዘሎ መጥቃዕቲ ኣህባይ ንምዕጋት መዐገሲ ጠበናጁ ከምዝጥቀም ኣፍሊጡ’ሎ።

ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ሓደ በዓል ስልጣን እታ ሃገር፡ "ከምዚ ዝበለ ብዙሕ መጥቃዕቲ ኣብ ሓጺር እዋን ምርኣይ ሳሕቲ ዘጋጥም እዩ" ኢሉ።

"ኣብ ፈለማ ቈልዑን ኣንስትን ጥራይ እዮም ዘጥቅዑ ነይሮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ንእኹላት ሰብኡትን ብዕድመ ንዝደፍኡን'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ ገይሮምዎም ኣለዉ።"

ነቶም ኣህባይ ብመጻወድያ ንምሓዝ ዝተገብረ ፈተነ ፈሺሉ እዩ። ካብቲ ኣብ መጀመርታ ሓምለ ዘጋጠመ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣትሒዙ ዝተገብረ ሓለዋ ፖሊስ፡ ነቶም እንስሳታት ደው ከብሎም ኣይከኣለን።

እዚ መጥቃዕቲታት፡ ብዕስለ ድዩ ዝፍጸም ዘሎ ወይስ ብውሱናት ኣህባይ ዛጊት ዝተገልጸ ነገር የለን።

ግዳያት፡ ካብ ምፍሕጣር ጀሚሩ፡ ኣእጋሮምን ኣእዳዎምን ክሳውዶምን ከስዖምን ከምዝተነኽሱ ናይቲ ከባቢ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺበን።

እዞም ኣህባይ፡ ኣፓርታማ ሰይሮም ዝባሕጠርዋ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ሓንቲ ካብ ግዳያት እያ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ሓደ ህበይ ሓደ ክፍሊ መዋእለ ህጻናት ከም ዝሰባበረ ዝገልጽ ዜና ተቓሊሑ እዩ።

ገሊኦም ተቐማጦ፡ እቶም ኣህባይ ናብ ኣባይቶም ብዝንሸራተት መዓጹ ወይ ከኣ ብኽፉት መሳዅቲ ከም ዝኣተዉ ይሕብሩ።

"ኣብ ታሕቲ ብኽያት ሰሚዐ ቀልጢፈ ወሪደ። ሽዑ ህበይ ኣብ ልዕሊ ወደይ ረኺበዮ" ክብል ሓደ ኣቦ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ኣብ ሓደ እዋን ንሓደጋ ምጥፋእ ተቓሊዖም ዝነበሩ ማካው ህበይ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቍጽሮም ይውስኽ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ዓለምለኸ ሕብረት ድሕነት ተፈጥሮ ካብ ዘተሓሳስቡ እንስሳታት ገይሩ መዝጊብዎም እዩ።

ይዅን እምበር ካብ ዩኒቨርሲቲ ያማጋታ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ሕማሞም ቍጽሮም ምውሳኹ "ኣብ መንጎ ሰባትን እዞም ኣህባይን ከቢድ ግጭት ኣለዓዒሉ እዩ።"

ጠንቂ'ዚ፡ ኣብ መንጐ ሰባትን እቶም ኣህባይን ዝነበረ ርሕቐት ምንካዩ ከምዝዀነ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብቶም ኣህባይ ዝነበረ ባህላዊ ኣረኣእያ ምቕያሩ፡ ኣብ ባህርያት ደቅሰብ ለውጢ ምምጽኡ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ባህሪያዊ ቦታኦም ዝግበር ለውጥታት ምኽንያታት ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።