ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ዝሃበቶ ኣዘራራቢ መግለጺ

Published

ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብሰሉስ 14 መጋቢት 2023 ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ፡ ንኹነታት ጸጥታ ኣመልኪታ ዝሃበቶ መግለጺ የዘራርብ ኣሎ።

ከንቲባ ኣዳነች፡ ናይ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምምሕዳራዊ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበትሉ፡ ናይ ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ጸጥታን ድሕነትን ኣብ ዝምልከት መብርሂ ኣብ እትህበሉ ዝነበረት እዋን “ስልጣን ብሓይሊ ንምቁጽጻር . . . ካብ ገለ ገለ ክልላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰባት ብብዝሒ ከምዝኣትዉ ይግበር ኣሎ” ኢላ።

እታ ከንቲባ “ካብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብህዝቢ ተመሪጹ ስልጣን ንዝሓዘ መንግስቲ፡ ብሓይሊ ካብ ስልጣኑ ኣሊኻ፡ ነዛ ከተማ ናብ ሕንፍሽፍሽ ንምእታው ብድሆታት ገጢሞሙና እዮም” ክትብል ተዛሪባ።

“ብፍላይ ካብ ገለ ገለ ክልላት ናብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ዝግብር ዘሎ ፍልሰት ናይ ሕሉፍነት፤ ጽልኢ፤ ንህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምንቛት . . .ብዙሓት ምንቅስቓሳት ክግበሩ ነስተብህል ኣለና”።

ኣዳነች ነቲ መግለጺ ድሕሪ ምሃባ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት እቲ ዝበለቶ ብዙሕ ሰብ ክዘራረበሉ እንከሎ፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ናይታ ከንቲባ መደረ “ብዝኾነ መምዘኒ ተቐባልነት ዘይብሉ ንዓለምለኻዊ ገበን ዝደፋፍእ’ዩ” ክብል ነቒፉ።

ኣብን ብሰሉስ 14 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዜጋታት ብናጽነት ናብ ዝደለይዎ ክፋል ሃገሮም ከይዶም ክሰርሑ ሕገ መንግስቲ ከምዝፈቕደሎም ብምጥቃስ ነቲ እታ ከንቲባ ዝሃበቶ መግለጺ ተቓዊሙ።

"ከምዚ ዓይነት ሓደገኛ ጸብጻብ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ክፍጸም ዝጸንሐ ኢሰብኣዊ ገበናትን ዝእወጅ ዘሎ ዓሌት ናይ ምጽናት ገበናትን ምኽኑይ ዝገብር ሓደገኛ ጻውዒት ወንጀል’ዩ” ኢሉ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡ ትማሊ ሰሉስ ንኣባላት ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ኣብ ዘስመዓቶ ጸብጻብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ጽላታት ህንጸት ኣባይቲ፤ ጥዕና፤ ቐረብ ማይ፤ ትምህርቲ፡ መጓዓዝያን ምእካብ ግብሪ መንግስትን ንዝተዓመሙ ስራሓት ብዝርዝር ኣቕሪባ።

ኣምሓራ፡ ደቡብን ኦሮምያን

እቶም ነታ ከተማ ንምንዋጽ ብብዝሒ ናብታ ከተማ ይኣትዉ ኣለዉ ዝበለቶም ሰባት መበገሲኦም ካብ ክልላት ኣምሓራ፤ ደቡብን ኦሮምያን ምዃኖም ጠቒሳ።

ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ኣዲስ ኣባባ ሊድያ ግርማ ብወገና ንኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ “ኣዝዩ ብዙሕ ጸረ ሰላም ዝኾነ ሓይሊ ማእከሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገይሩ ይሰርሕ ምህላዉ ክፍለጥ ኣለዎ” ድሕሪ ምባል፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ስግኣት ናይ ጸጥታ ኣብ ኣርባዕተ ከምዝኽፈል ገሊጻ።

እታ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ኣዲስ ኣበባ፡ ነታ ከተማ ስግኣት ኮይኖም ኣለዉ ዝበለቶም ጉጅለታት ፖለቲካ፤ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበሩ ናይ ጸጥታ ጸገም ዝፈጥሩ’ዮም ብምባል “እቲ ካልእ ንገበን ንምክልኻል ኣብ ዝግበሩ ስራሓት ዕንቅፋት ብምፍጣር ኩነታት ጸጥታ እዛ ከተማ ዘበላሽዉ’ዮም” ኢላ።

ሊድያ ከምዝበለቶ፡ እቲ ቀንዲ ንጸጥታ እታ ከተማ በዳሂ ኮይኑ ዘሎ ሃይማኖትን ብሄርን መሰረት ዝገበረ፡ ኣብ ክፉት ቦታታት ንዝብዓሉ ሃይማኖታዊ በዓላት ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ፖሎቲካዊ ጥሙሕ ዘለዎም ዝተወደቡ ሓይሊታት ካብ ክልላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ዝፈጥርዎ ዘለዉ ህውከት’ዩ።

እታ ሓላፊት ጸጥታ ብምስዓብ፡ “ካብ ኩለን ክልላት ናብዛ ከተማ ዝኣትዉ ሓይልታት ኣለዉ፡ እንተኾነ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ዝህልውሉ ካብ ሰለስተ ክልላት ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ሰባት ሰላም ናይዛ ከተማ ንምዝራግ ናብዛ ከተማ ይኣትዉ’ዮም። እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ኸኣ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝኣቱ’ዩ” ኢላ።

ንክልል ኣምሓራ ተኸቲለን “እቲ ካልኣይ ዝበዝሐ ቁጽሪ ካብ ክልል ደቡብ ክኸውን እንከሎ ሳልሳይ ኸኣ ካብ ወሰናስን ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘለዉ ቦታታት ናይ ክልል ኦሮምያ’ዩ” ትብል እታ ሓላፊት።

ቅድሚ ሳምንታት ካብ ክልል ኣምሓራ ተበጊሶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ዝፈተኑ ሰባት ከምዝተኸልከሉን ንሓያለ መዓልታት ተጸብዮም ናብ ዘዝመጽእዎ ቦታታት ከምዝተመለሱን ብምግላጽ፡ ዝተኸልከልሉ ምኽንያት ብንጹር ስለዘይተሓበሮም ዘይዕገበቶም ከምዝገለጹ ዝዝከር’ዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ምኒሊክ ንዓወት ዓድዋ ንምዝካር ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ ነበርቲ፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ዘንብዕ ትኪ ብምትኳስን ብምህራምን ከምዝበተንዎም ይዝከር።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ክስተት፡ ኣካላት ጸጥታ ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ ከምዝተጠቐሙ ዘብርህ መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር።

ፖሊስ ብወገኑ ነቲ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዝተፈጠረ ነገር ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበሎም 878 ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ብምሕባር “ካብዚኦም እቶም 557 ካብ ካልእ ክልላት እዛ ሃገር ዝመጽኡ’ዮም” ኢሉ ነይሩ።

ኣብቲ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንምብዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከበ ህዝቢ ሓደ ሰብ ብጥይት ከምዝተቐተለ ፖሊስ ክሕብር እንከሎ፡ ብዙሓት ፈኵስን ከቢድን ማህረምቲ ኣጋጢምዎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ነይሩ።