ዒራቕ፡ ኣብ ሓደ መርዓ ዘጋጠመ ባርዕ ልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ ሓደ ጽንብል መርዓ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 150 ጉድኣት ወሪድዎም።
እቲ ሓደጋ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ናይንቨህ ከተማ ኣልሓምዳን ኣብ ዘጋጠመሉ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዕዱማት መርዓ ይጽንብሉ ነይሮም።
መበገሲ ናይቲ ሓዊ ዛጊት ዘይተረጋገጸ ኰይኑ፡ መጀመርታ ግን ርችት ድሕሪ ምትኳሱ ከምዝተፈጠረ ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።
መርዓውን መርዓትን ካብቶም ዝሞቱ ወይ ዝተጐድኡ እንተዀይኖም ዝተፈለጠ ነገር የለን።
መራኸቢ ብዙሃን ዒራቕ እቶም መርዑ ከምዝሞቱ ዝገለጸት ኮይና፡ ጸኒሑ ግን ወኪል ዜና ኒና ብህይወት ከምዝተረፉን ንዘጋጠሞም ምቅጻል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎን ጸብጺባ።
ኒናን ካልኦት ጋዜጠኛታትን፡ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ንዘካየድዎ ጻዕሪን እቲ ዝወረደ ዕንወትን ዘርእዩ ኣሳእልን ዘርጊሖም ኣለዉ።
ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ብቐሊሉ ዝቃጸሉ ገርዚታት [ፓነላት] እቲ ሓዊ ክጋፋሕ ኣበርክቶ ከምዝገበሩን ክፋል ሰንቀ ናይቲ ህንጻ ከምዝወደቐን ማዕከን ዜና ዒራቕ ጸብጺባ።
ዳይረክቶሬት ክፍሊ ምክልኻል ሲቪላት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ህንጻ ካብ” ብቐሊሉ ዝቃጸል፡ ሕሱርን ሓዊ ኣብ ዝለዓለሉ ብቐሊሉ ዝዓኑን ማተሪያል ዝተሰርሐ” ብምዃኑ እቲ ዕንወት ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።
ሮይተርስ ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ ረቡዕ ንግሆ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ኣብ ፍርስራስ እቲ ህንጻ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንምርካብ እለሻ ከካይዱ የርኢ።
እቲ ህንጻ ምቅጻል ኣብ ዝጀመረሉ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ውሽጡ ጽንብል መርዓ የካይዱ ምንባሮም መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።
“ሓዊ ካብቲ ህንጻ ክወጽእ ርኢና። እቶም ዝኸኣሉ ወጺኦም እቶም ዘይከኣሉ ግን ተዓጽዮም ተሪፎም። እቶም ዝወጹ እውን ጉድኣት ወሪድዎም እዩ ነይሩ” ክብል ካብቲ ሓዊ ዘምለጠ ዕማድ ዮሃና ንሮይተርስ ገሊጹ።
ምክትል ኣመሓዳሪ ግዝኣት ናይንቨህ ሓሰን ኣልዓላቕ፡ በቲ ሓደጋ 113 ሰባት ምማቶም ከምዝተረጋገጸ ንሮይተርስ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ማዕከን ዜና ዒራቕ ግን ብውሑድ 100 ሰባት ከምዝሞቱን 150 ጉድኣት ከምዝወረዶምን ጸብጺባ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
እቶም ዝተጐድኡ ሰባት ኣብታ ግዝኣት ናብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ከምዝተወሰዱ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ድማ፡ ቍጽሪ ዝሞቱን ጕድኣት ዝወረዶምን ክውስኽ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።
ብዙሓት ነበርቲ ነቶም ጕድኣት ዝወረዶም ንምሕጋዝ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ሞሱል ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ እትርከብ ሕምዳንያ ናብ ዘሎ ሆስፒታል ብምኻድ ደም ይልግሱ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን X (ትዊተር) ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ ሰብመዚ “እቶም በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ዝተጐድኡ ሩፍታ ክረኽቡ ዘድሊ ጻዕሪ ኵሉ ክግበር” ኣዚዙ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

