ኤርትራ፡ በዓል ጥምቀት ብስእሊ

Published

በዓል ጥምቀት ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ብኣመንቲ ክርስትና ተጸንቢሉ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከምኡ'ውን ሰበስልጣን መንግስቲ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ወጺኢ'ውን ኣብቲ ስነስርዓት ከምዝተሳተፉ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ጸብጺበን።

እቲ ስነስርዓት ከመይ ከምዝነበረ ዝገልጹ ስእልታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና።