ኤርትራ፡ በዓል ጥምቀት ብስእሊ

ወርቃዊ መስቀላት ኣብ በዓል ጥምቀት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

Published

በዓል ጥምቀት ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ብኣመንቲ ክርስትና ተጸንቢሉ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ከምኡ'ውን ሰበስልጣን መንግስቲ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታት ወጺኢ'ውን ኣብቲ ስነስርዓት ከምዝተሳተፉ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ጸብጺበን።

እቲ ስነስርዓት ከመይ ከምዝነበረ ዝገልጹ ስእልታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ጳጳሳትን ሊቀጳጳሳትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ስነስርዓት በዓል ጥምቀት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ጳጳሳትን ሊቀጳጳሳትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ስነስርዓት በዓል ጥምቀት
መለኸት ዝነፍሑ መንእሰያት ኣብ በዓል ጥምቀት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, መለኸት ዝነፍሑ መንእሰያት ኣብ በዓል ጥምቀት
ጳጳሳት ንማይ ጥምቀት እናባረኹ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ጳጳሳት ንማይ ጥምቀት እናባረኹ
ኣብቲ በዓል ዝተሳተፈ ምእመን

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, በረኸት ጥምቀት ክቕበል ኣብቲ በዓል ዝተሳተፉ ምእመናን
ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝርከብ ማይ ጥምቀት

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝርከብ ማይ ጥምቀት
ካህናት ኦርዶክሳዊት ቤተክርስትያን እናሸብሸቡ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ካህናት ኦርዶክሳዊት ቤተክርስትያን እናሸብሸቡ