ኢትዮጵያ፡ ብውሕዱ 30 ስደተኛታት ብጥምየትን መጥቃዕትን ሞይቶም

ስደተኛታት ኣብ ክልል ጋምቤላ፡  2014

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ኣብ ክልል ጋምቤላ
Published

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ]፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ብውሕዱ 30 ወጻእተኛታት ስደተኛታት ብሰንኪ ጥምየት፡ ሕጽረት መግብን መጥቃዕትን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን፡ ብ9 መስከረም 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገለ እቶም ስደተኛታት ካብ መዕቆቢ መዓስከር ወጺኦም ምግቢ ክደልዩ እንከለዉ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም፡ ንትካል ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከባ ማእከላት ስደተኛታት ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ደው ብምባሉ፡ እቶም ስደተኛታት ብኸቢድ ሕጽረት መግብን ጥምየትን ይሳቐዩ ምህላዎምን ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑን ገሊጹ።

ኢሰመኮ ኣብ ዞባ ጋምቤላ ናብ ዝርከቡ ኣስታት 400 ሽሕ ስደተኛታት ዝነብሩለን መዓስከራት ስደተኛታት ንጉኑየለ፡ ቲርኪዬን ኩሌን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ይከታተል ነይሩ።

ብውሕዱ 112 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ንጉንየል ተዓቚቦም ከምዘለዉን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ጀሚሩ ሓገዝ መግቢ ጠጠው ኢሉ ከምዘሎ ይጠቅስ።

መደበር ንጉንየለ ካብቶም ኣብ ጋምቤላ ዝርከቡ መዕቆቢታት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣብ 2016 ካብቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ግጭት ዝሃደሙ ብዙሓት ስደተኛታት ዘዕቆበ እዩ።

ኢሰመኮ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ኣብታ ልዕሊ 72 ሽሕ ስደተኛታት እትሕዝ ቲርኪዬ፡ ልዕሊ 52 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቊባ ዘላ ኩሌ’ውን ዝኾነ ሓገዝ መግቢ ከምዘይኣተወ ተዓዚቡ።

በዚ ምኽንያት ኣብዘን መዕቆቢ ቦታታት ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ማእከላት ናይቲ ክልል ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣብ ሓደጋ ይርከቡ።

ቤት ጽሕፈት ጸሓፊ ፕረስ ጋምቤላ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ስደተኛታት ብኻልእ መገዲ ምግቢ ንምርካብ ከም ዝጽገሙ ድማ ሓቢሩ።

ምቁራጽ ሓገዝ መግቢ፡ እቶም ስደተኛታት ብጥሜት ክሞቱ ከምዝገበሮምን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ድማ ብድሆታት እቶም ስደተኛታት ዝያዳ ከምዘጋደዶን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታት ካብቲ መዕቆቢታት ወጻኢ ምግቢ ክደልዩ እንከለዉ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀሞም’ውን ጸብጻብ ኢስመኮ የረድእ።

እቶም ስደተኛታት ኣብቶም መዕቆቢ ቦታታት ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከባ ዓድታትን ከተማታትን ዘራኽብ ጽርግያታት እንትጓዓዙ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖምን፡ ብሰንኩ ድማ ህይወት ብዙሓት ከም ዝጠፍአን ይሕብር።

ገለ ካብኣቶም፡ አብቲ መዕቆቢ ወጻኢ ብምትላልን ብምስራቕን መግቢ ክረኽቡ እንትፍትኑ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ’ውን ኢስመኮ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ምቁራጽ ሓገዝ መግቢን ሕጽረት መኣዛዊ መግቢን ንህይወት ብዙሓት ህጻናት ሓዊሱ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ሓቢሩ።

ኢሰመኮ፡ ብሰንኪ ምቁራጽ ሓገዝን ቀጻሊ ግጭታትን፡ ሰብኣዊ ኩነታት ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ሃገርና እናተበላሸወ ይኸይድ ምህላዉ ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

እተን ስደተኛታት ዘአንግዳ ሃገራት ኣብ ግዝኣተን ድሕንነት ስደተኛታት ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ክህልወን እንከሎ፡ እቲ ጾርን ሓላፍነትን ኣብ ምቅላል ግን፡ ዓለማዊ ምትሕብባር ከምዘድሊ ኢሰመኮ ኣስሚሩሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከቶም ትካላት ረድኤት ብፍላይ ድማ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣህጉራዊ ልምዓታዊ ሓገዝ ኤጀንሲ (USAID) ከምኡ’ውን ውድብ ምግቢ ዓለም ውድብ ነቲ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክጅምሩ ሓቲቱ።

ኣብ ጋምቤላ ዳግማይ ዝተወለዐ ጎንጺን ሞት ሰባትን ስዒቡ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ካብ 13 ሓምለ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ዝጸንሕ ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ዝዝከር እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ጋምቤላን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብሓባር ኣብ ልዕሊ ከተማ ጋምቤላ መጥቃዕቲ ፈንዮም ነይሮም።

ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዳወብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ተደጋጋሚ ግጭት ኣተኣናጊዱ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተደጋጋሚ ዓሌት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ግጭታትን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ካብ ደቡብ ሱዳን ብዝመጹ ዕጡቓት ፍኑው መጥቃዕቲ እውን ይወርዶ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ክልል ልዕሊ 300 ሽሕ ደቡብ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝነብሩሉ’ዩ።