ዋትሳፕ፡ ተጠቀምቲ ዝልኣኹዎ መልእኽቲ ‘ኤዲት’ ምግባር ክኽእሉ ከፍቅድ’ዩ

Published

ዋትሳፕ፡ ተጠቀምቲ መልእኽቲ ድሕሪ መልኣዀም ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ነቲ ዝልኣኽዎ መልእኽቲ ክእርሙ ወይ ‘ኤዲት’ ክገብሩ ከፍቅደሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መወዳድርቲ ዋትሳፕ ዝዀኑ መተግበሪታት መልእኽቲ ቴሌግራምን ሲግናልን እዚ ኣገልግሎት ከም ዘፍቅዱ ይፍለጥ።

ዋትሳፕ፡ ኣካል ንማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡክን ኢንስተግራምን ዝውንን ኣሜሪካዊ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ዝዀነ ሜታ’ዩ።

እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ዋትሳፕ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት ንክልተ ቢልዮን ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ ወግዓዊ ክኸውን እዩ።

ኣብ ህንዲ ጥራይ 487 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ዋትሳፕ ኣለው።

“ግድፈት ፊደላት ካብ ምስትኽኻል ጀሚሩ እቲ መልእኽቲ ምትዕርራይ እትኽእልሉ ቴክኖሎጂ ኣምጺእና እትልእኽዎ መልእኽቲ ክትቈጻጸሩ ገይርና ኣለና” ክብል እቲ መተግበሪ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

“ነቲ መልእኽቲ ጠዊቕኹም ብምጽናሕ፡ ድሕሪኡ ‘ኤዲት’ ዝብል ብምምራጽ ኣብ ውሽጢ 15 ደቓይቕ ከተዐርዩዎ ትኽእሉ ኢኹም” ይብል።

እቲ ተቐባሊ እቲ ዝተልኣኸሉ መልእኽቲ ከም ዝተቐየረ ንክፈልጥ ድማ፡ እቶም እርማት ዝግበረሎም መልእኽታት “ተኣሪሙ” ዝብል ምልክት ዘርእዩ ክዀኑ’ዮም።

ይኹን’ምበር እቲ መልእኽቲ ክንደይ ዝኣክል’ዩ ‘ኤዲት’ ተገይሩ ዝብል ካብቲ ለኣኺ ወጻእ ካልእ ክፈልጥ ኣይኽእልን።

ቴሌግራምን ሲግናልን፡ ተጠቀምቶም ‘ኤዲት’ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ድሕሪ ምግላጾም’ዩ ዋትሳፕ’ውን ተመሳሳሊ ምዕባለ ሒዙ ከም ዝመጽአ ዘፍልጥ ዘሎ።

ፌስቡክ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት’ዩ ‘ኤዲት’ ዝብል ኣማራጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክተኣታቶ ገይሩ።

ኣብቲ እዋን ልዕሊ ፍርቂ ዓማዊል ፌስቡክ ኣብ ቴሌፎን ስለዝጥቀሙን ተንቀሳቐስቲ ስልኪ ድማ ንጌጋ ዝተቓልዓ ስለ ዝዀና ብዝብል ነዚ ኣማራጺ ክተኣታቶ ከም ዝገበረ ይፍለጥ።

እዞም እርማት ዝተገብረሎም መልእኽታትን ድማ ‘ኤዲትድ’ ዝብል ምልክት ይገብረሎም’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢለን መስክ፡ ትዊተር ከፊሎም ዝጥቀሙ ሰባት እዚ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ምግላጹ ይዝከር።

ተጠቀምቲ ’ትዊት’ ምስ ገበሩ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ‘ ኤዲት’ ክገብሩ ይኽእሉ።