ን75 ዓመታት ብጌጋ ተገልቢጡ ንምርኢት ክቐርብ ዝፀንሐ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት
![ስርሓት ስነ-ጥበብ ኒውዮርክ ሲቲ I’ [New York City I]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/7f7c/live/06690c60-58eb-11ed-ac87-630245663c6a.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, HENNING KAISER/GETTY
ብሆላንዳዊ ቀባኢ ፒት ሞንድሪያን ዝተዳለወ ‘ኣብስትራክት’ ዝዓይነቱ ስርሓት ስነ ጥበብ ን75 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ብጌጋ ተገልቢጡ ክስቀል ከምዝጸንሐ ሓንቲ ተመራማሪት ታሪኽ ስነ ጥበብ ገሊጻ።
እቲ ጌጋ ኣብ ቀረባ እዋን’ኳ እንተተፈለጠ፡ እቲ 'ኒውዮርክ ሲቲ I’ [New York City I] ዝብል መጸውዒ ዘለዎ ስርሓት ስነ-ጥበብ ንኸይጉዳእ ብዝብል በቲ ዝፀንሐ ግጉይ ኣቀማምጣ ተገልቢጡ ንምርኢት ክቐርብ ተወሲኑ’ሎ።
ብ1941 ዝተዳለወ እቲ ቅብኣ ንመጀመርታ ግዜ ብ1945፡ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤተመዘክር ዘመናዊ ስነጥበብ እዩ ንምርኢት ቀሪቡ።
ካብ 1980 ጀሚሩ ከኣ ኣብ ጀርመን ዱሰልዶርፍ ንምርኢት ተሰቒሉ ከምዝፀንሐ ይግለፅ።
ተመራማሪት ታሪኽ ስነ ጥበብ ሱዛኔ ሜየር-ቡሰር፡ እቲ ቤተመዘክር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብዛዕባ እቲ ስነጥበባዊ ዘቕረቦ ሓድሽ ምርኢት ክትምርምር እንከላ’ያ ነቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ጌጋ ኣስተብሂላቶ።
እንተኾነ ግና፡ በቲ ቅኑዕ መገዲ ንላዕሊ እንተተሰቒሉ ክበታተን ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ምንጪ ስእሊ, PETRA WISCHGOLL
‘ኒውዮርክ ሲቲ I’ እቲ ስነ-ጥበባዊ ብመጣበቒ ቴፕ (ፕላስተር) ዝሰርሖ ቅዲ እዩ።
ሜየር-ቡሰር ብዛዕባ እቲ ዘይተዛዘመን ፊርማ ዘይተነበረሉን ቀይሕ፣ ሰማያውን ብጫን መስመር ዘለዎ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ንዘ ጋርድያን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ርጉዲ ናይቲ መስመር ኣብ ላዕሊ ክኸውን ኣለዎ" ኢላ።
"ነቲ ጌጋ ኣስተብሂለ ንኻልኦት ሰብሞያ ምስ ሓበርክዎም፡ ኣዝዩ ርኡይ ምዃኑ ተረዲኡና። እቲ ስእሊ ብጌጋ መንገዲ ተሰቒሉ ክኸውን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ ጸላዋይ ሆላንዳዊ ቀብኢ ምስ ሞተ ድሕሪ መዓልትታት ዝተሳእለ ሓደ ስእሊ፡ ተመሳሳሊ ቅብኣ በቲ ቅኑዕ ገፁ ንላዕሊ ተሰቒሉ የርእይ።
እቲ ምስሊ ሰነ 1944 ኣብ ኣመሪካዊት መጽሔት ቅዲ ህይወት ‘ታውን ኤንድ ካንትሪ’ ተሓቲሙ ኔሩ።

ምንጪ ስእሊ, ULLSTEIN BILD DTL/GETTY
ብ1872 ኣብ ዞባ ዩትረክት ሆላንድ ዝተወልደ ሞንድሪያን፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ስነጥበባውያን መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ከምኡ’ውን ጀማሪ ዘመናዊ ቅዲታት ቅብኣ ኣብስትራክት፣ ሚኒማሊዝምን ኤክስፕረሽንዝምን ተባሂሉ ይግለጽ።
ስርሑ ኣብ ስነ-ጥበብ ዓለም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓውድታት ዲዛይን፣ ስነ-ህንጻን ፋሽንን እውን ዓቢ ጽልዋ ነይርዎ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

