ኒሞኒያ፡ ዕጽዋ ኮቪድ ድሕሪ ምብቅዑ ስለምንታይ ይውስኽ ኣሎ?

ኒሞንያ ልዕሊ 740 ሽሕ ህጻናት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ዘይተለምደ ወሰኽ ናይ ከም ኒሞንያ ዝኣመሰሉ ረኽስታት ስርዓተ ምስትንፋስ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

ኣብ ሕዳር 2023 ሃገራዊ ኮሚሽን ጥዕና ቻይና ኣብታ ሃገር፡ ከም ኢንፍሉዌንዛ፡ ኮቪድን ማይኮፕላዝማ ኒሞንያን ዝኣመሰሉ ንንኣሽቱ ህጻናት ዘጥቅዕ ልሙድ ረኽሲ ባክተርያ ከምዝወሰኸ ጸብጺቡ።

ይዅን እምበር ውድብ ጥዕና ዓለም ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰብመዚ ጥዕና ቻይና ስግኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ ዘይተለምደ ረኽሲ ከምዘይረኸቡ ኣፍሊጡ።

እዚ ድሕሪ ዕጽዋ ኣብ ቻይና፡ ጽኑዕ እገዳታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣዳኺሙ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ክረምቲ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነዞም ሕሙማት ኒሞንያ፡ ኣብቶም ክነጸሉ ዝጸንሑ ህጻናት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሃጓፍ ከም ዝነበረን፡ እዚ ድማ ዓበይቲ ለበዳታት ከም ዘስዓበን ገሊጹ ነይሩ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ዴንማርክን ኣሜሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን እገዳ ለበዳ ካብ ዝለዓል ንደሓር ተመሳሳሊ ወሰኽ ጉንፋዕ ዝመስሉ ሕማማት ርእየን እየን።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሕማም ሳንቡእ ኣብ መላእ ዓለም እቲ ዝዓበየ ተላባዒ ጠንቂ ሞት ህጻናት እዩ።

ኣብ 2019 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 740 ሽሕ ህጻናት ዝቐተለ ኰይኑ፡ እዚ ድማ 14 ሚእታዊት ምኽንያት ሞት ኣብዚ ዕድመ ንዝርከቡ ህጻናት እዩ።

ኣብ ደቡባዊ ኤስያን ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃን ድማ ዝበዝሐ ሞት ኣስዒቡ’ዩ።

ብዛዕባ ኒሞንያ ክንፈልጦም ዘለና ሓሙሽተ ነገራት እነሆ።

ኒሞንያ እንታይ እዩ?

ብመሰረት ሃገራዊ ፋውንዴሽን ተላባዒ ሕማማት፡ ኒሞንያ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ረኽሲ ዝመጽእ ነድሪ ሳንቡእ እዩ።

ዝኾነ ሰብ ኒሞንያ ክሕዞ ይኽእል እዩ፤ ገለ ሰባት ግን ዝያዳ ነቲ ሕማም ተቓላዕቲ’ዮም።

ንኣሽቱ ህጻናት፡ ኣረጋውያን፡ ወይ ገለ ሕዱር ኵነታት ጥዕና ከም ሕማም ልቢ፡ ሕማም ሽኮር፡ ሕማማት ሳንቡእ፡ ስርዓተ ምክልኻል ዘዳኽሙ ሕማማትን መንሽሮን ዘለዎም ሰባት፡ ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም።

ምልክታት ሕማም ኒሞንያ እንታይ እዮም?

ምልክታት ሰዓል፡ ረስኒ፡ ሕጽረት ትንፋስን ድኻምን ይርከብዎም።

ካብ ድኻም ስርዓተ ምስትንፋስ ክሳዕ ሞት ከስዕብ ይኽእል’ዩ። ከቢድ ረኽሲ ንምክልኻል ድማ ብኣጋኡ ምርመራን ሕክምናን ኣገዳሲ እዩ።

ማሕበር ሳንቡእ ኣሜሪካ ከም ዝሕብሮ፡ ሰባት ከም ጸገም ምስትንፋስ፡ ኣብ ከንፈሮምን ጫፍ ኣጻብዕቶምን ሰማያዊ ሕብሪ ምምዕባል፡ ቃንዛ ኣፍልቢ፡ ከቢድ ሰዓል፡ ወይ ከቢድ ረስኒ ዘለዎ ሰዓል ዝኣመሰሉ ምልክታት ምስ ረኣዩ ብቕልጡፍ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ከምዘለዎም’ዩ ዝምዕድ።

ኒሞንያ ልዕሊ 740 ሽሕ ህጻናት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኒሞንያ ብኸመይ ይላባዕ?

ኒሞንያ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክላባዕ ይኽእል። እቶም ልሙዳት ኣብ ኣፍንጫ ወይ ጎሮሮ ህጻን ዝረኣዩ ቫይረሳትን ባክተርያን እንተ ተተንፊሶም ሳንቡእ ክለኽፉ ይኽእሉ።

ብተወሳኺ ብኣየር ዝመሓላለፉ ነጠብጣባት ካብ ሰዓልን ምህንጣስን ወይ ድማ ነገራት ብምትንካፍን ኣብ ልዕሊኡ ታህዋስያን ብምስግጋርን ክዝርግሑ ይኽእሉ።

እዚ ንሕክምናን ምክልኻልን ኣገዳስነት ስለዘለዎ፡ ኣብቶም ጠንቂ ኒሞንያ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ባእታታት ረኽሲን ዝመሓላለፉሉ ኣገባባትን ዝያዳ መጽናዕቲ ክግበር ኣለዎ።

ኒሞንያ ብኸመይ ይፍወስ?

መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰሙን ይሓውዩ።

ይዅን እምበር፡ ገለ ሰባት ተጠቃዕቲ ክዀኑ ስለዝኽእሉ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ክኸዱ ከድልዮም ይኽእል እዩ።

ኣብ ሆስፒታል እውን መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ፈሳስን ጸረ-ታህዋስያን ይወሃቦም፤ ጐድኒ ጐድኒ ኦክስጅን ንኸስተንፍሱ ይሕግዞም።

ካልእ ኵነታት ንምርግጋጽ ራጂ ኣፍልቦምን መርመራ ደምን እውን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ኒሞንያ ብኸመይ ንከላኸል?

ኒሞንያ ልዕሊ 740 ሽሕ ህጻናት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኒሞንያ ክትከላኸለሎም እትኽእል ብርክት ዝበሉ ስጕምትታት ኣለዉ።

ክታበት ብሰንኪ ባክተርያ ኒሞኮካል ወይ ቫይረስ ጉንፋዕ ዝመጽእ ሕማም ሳንቡእ ንምክልኻል ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም፤ እንተኾነ ንዅሎም ሕሙማት ሳንቡእ ክከላኸሉ ከምዘይክእሉ ሃገራዊ ትካል ልቢ፡ ሳንቡእን ደምን ኣሜሪካ ይሕብር።

እዚ ኰይኑ ግን ምስቶም ዘይክተቡ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ እቶም ዝተኸተቡን ሕጂ’ውን ኒሞንያ ዝሓዙን፡ ውሑድ ጸገማት፡ ዝቐለለ ረኽስን ከምኡ ነዊሕ ዘይጸንሕ ዓይነት ኒሞንያን ክህልዎም ይኽእል’ዩ።

እኹል ጽሬት (ብተደጋጋሚ ኣእዳውካ ምሕጻብ)፡ ምትካኽ ሽጋራ ምቍራጽ፡ ከምኡ’ውን ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባርን ጥዑይ ኣመጋግባን ብምዝውታር፡ ስርዓተ ምክልኻልካ ድልዱል ምግባር፡ ንመጥቃዕቲ ሳንቡእ ዘለካ ሓደጋ ንምንካይ ዝሕግዙ መገድታት እዮም።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ፡ ብሕማም ሳንቡእ ብኸቢድ ናይ ምሕማም ሓደጋ ዘለዎም ሰባት፡ ክታበት ሳንቡእ ተባሂሉ ዝፍለጥ ክታበት ‘ኒሞኮካል’ ክወስዱ ይመክር።

እዚ ክታበት እዚ፡ ካብ ገለ ዓይነታት ረኽሲ ባክተርያ፡ ከም መኒንጃይትስ (ኣብ ሓንጎልን ዓንዲ ሕቘን ዝፍጠር ረኽሲ) ከምኡ’ውን ሴፕሲስ (ንሓደ ረኽሲ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምላሽ) ከስዕቡ ዝኽእሉ ከበድቲ ሕማማት ንምክልኻል’ውን ይሕግዝ።