ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ዝርከቦም ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ኬንያ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ሞይቶም

Published

ኣዛዚ ሰራዊት ኬንያ ጀነራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኣጎላ ይበረላ ዝነበረት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ብዘጋጠማ ሓደጋ ከም ዝሞተ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣፍሊጡ።

ኣጎላ፡ ምስ ካልኦት 11 ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ካብቲ ሓደጋ ክልተ ሰባት ጥራይ ብህይወት ከም ዝተረፉ ተገሊጹ።

ሩቶ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ሓደጋ ነታ ሃገር “ዓብይ ሓዘን” እዩ ኢሉ።

እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ሄሊኮፕተር፡ ትማሊ ቀትሪ ሰዓት 2፡20 (ብኣቆጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ) ከም ዘጋጠመን ሓይሊ ኣየር ምኽንያት እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ጉጅለ መርመራ ከም ዘዋፈረን ሓቢሩ።

እታ ሄሊኮፕተር ካብ እትብገስ ድሕሪ ደቓይቕ ዝወደቐት ኰይና ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ብኣንፈት ሰሜን ምዕራብ 400 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኤልጌዮ ማራክዌት ዝተባህለት ቦታ ዘጋጠመ ሓደጋ ምዃኑ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ምኽትል ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻልን ኰይኑ ዘገልገለ ጀነራል ኦጎላ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት እዩ ኣዛዚ ሰራዊት ኰይኑ ተሸይሙ።

ሩቶ፡ ቀንዲ ናይ ሰራዊት ኣማኻሪኡ ኣብ ልኡኽ እንከሎ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ብምግላጽ፡ “ሃገርና ካብ ጀነራላታ ሓደ ዝዀነ ጀግና ስኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ኬንያ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝጸንሕ ብሄራዊ ሓዘን ተኣዊጁ ኣሎ። ባንዴራ እታ ሃገር’ውን ትሕት ኢሉ እዩ ክስቀል።

ጀነራል ኦጎላ፡ ብ1976 (ኣ.ኣ) ናብ ሰራዊት ምክልኻል ኬንያ ከም ዝተጸንበረ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ የመልክት።

ስርሑ ኣብ ሓይሊ ኣየር ክጅምር እንከሎ፡ ምስ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብራርነት ተዋጋእቲ ነፈርቲ ሰልጢኑ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት፡ “እቲ ዘሕዝን ሓደጋ ሄሊኮፕተር ስዒቡ፡ ንፕሬዝደንት፣ ህዝብን መንግስትን ኬንያ” ሓዘኑ ገሊጹ።

ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ ክልተ ሰባት ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከም ዘለውን ሕክምና ይግበረሎም ከም ዘሎን ተሓቢሩ።

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝበጽሖ ከባቢ ሰሜን ኬንያ በጺሖም ክምለሱ እንከለው እዩ እቲ ሓደጋ ኣጓኒፉ።

ብምኽንያት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሸፋቱ ዝተዓጽው ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ዕማም ተዋሂቡዎም ከም ዝነበረ’ውን ተሓቢሩ።

እቲ ከባቢ ንምርግጋእ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት’ውን ከም ዝበጽሑ ተገሊጹ።

ብ2021፡ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ትዓልብ ዝነበረት ሄሊኮፕተር ተሓምሺሻ ብውሑድ 10 ወተሃደራት ከም ዝሞቱ ይዝከር።