ኣመሪካውያን እሱራት ካብ ቀታሊ ሃሩር ንምድሓን ይበላሓቱ

Published

ኣብ ኣመሪካ መጠን ሙቐት እናወሰኸ ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ፡ መዝሐሊ ኣየር ኣብ ዘይብሎም ክፍሊታት ዝተዓጸዉ እሱራትን ሓለውቶምን ህይወቶም ንምትራፍ ይቃለሱ ኣለዉ።

ካልቪን ጆንሰን፡ መዝሓሊ ኣየር (ኤሲ) ኣብ ዘይብሉ ክፍሊ ን 37 ዓመታት ተኣሲሩ።

ኣብቶም ንምቝጻሮም ዘጸግሙ ዝጠብስ ዋዒ ዝነበሮም መዓልቲታት፡ መጠን ዋዒ ካብ 37.7 ዲግሪ ሰንትግሬድ ክሓልፍ እንከሎ፡ ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድሉ፡ ንምዝሓል ኣብ ዝገብሮ ምብልሓትን ተስፋ ምቝራጽን ይውሰን ነበረ።

"ገለ እዋናት ነቲ ኮሞዲኖ ዓጺና ማይ ንመልኦ" ዝብል ወዲ 67 ዓመት ጆንሰን፡ "ቲሸርትኻን ስረኻን ኣውጺእካ፡ ኣብቲ ማይ ቅሩብ ትጋደም" ትብል።

እዚ ብዙሕ ግዜ ዝፈጸሞ ተግባር እዩ።

ዋላ'ኳ ንባዕሉ እንተዘይፈተኖ፡ ጆንሰን፡ ገለ እሱራት ናይ ሸቓቕ ማይ ካብቲ ዝስተ ታንከር ቅሩብ ዝሕል ስለዝብል፡ ክሰትይዎ ከምዝረኣየ ይዝክር።

ኣብቲ ጆንሰን ዝነበረሉ ቤት ማእሰርቲ፡ ዝተወሰነ ኣየር ንምዝሓል ዝሕግዙ መሳርሒታት ዝነበሩ ኰይኖም፡ ንምርካብ ግን ቀሊል ኣይነበረን፡ ውሑዳት ንፋስ መስሓቢ (ፋን) ነይረን፤ በረድ እውን እኹል ኣይነበረን።

"ሰባት ብሰንኪ ሙቐት ውነኦም ይስሕቱ" ይብል ጆንሰን፤ "ብዙሐ ግዜ እየ ከምኡ ርእየ።"

እታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝፈትሓላ ክረምቲ 2022፡ ኣብ መዝገብ ኣመሪካ ሳልሳይ ዝወዓየ ወቕቲ ዝተመዝገበላ እያ።

ኣብዚ ሰሙን ልዕሊ 230 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ ልዕሊ 32.2 ዲግሪ ሰንትግሬድ ምስ ዝዀነ መጠን ሙቐት ክገጥሙ እዮም። ሓደገኛ ኵነታት ሙቐት እናተደጋገመ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ትዅረት ክወሃቦምን ምምሕያሽ ክግበርን ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

ቴክሳስን ኣሪዞናን ዝኣመሰላ ኣብ ውዑይ ከባቢ ኣመሪካ ዝርከባ 13 ግዝኣታት፡ ኣብ ኣብያተ ማ'እሰርቲ መዝሓሊ (ኤሲ) ከምዘይብለን ዝገልጹ ሰብሞያ፡ ቀታሊ ኩነታት ከምዝፈጥር ይዛረቡ።

መጽናዕቲ ፕሎስ ዋን ከምዝሕብሮ፡ ኣብ መንግስታውን ውልቀን ቤት ማእሰርቲታት ኣመሪካ፡ ኣብ ውዑይ ወቕቲ ዝምዝገብ መጠን ሞት፡ ካብ ልሙድ መጠን 10 ዲግሪ ፋራንሃይት ኣብ ዝወስኸሉ፡ መጠን ሞት ብ 5.2 ሚእታዊት ከምዝዓቢ የመልክት።

ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ፍትሒ ቴክሳስ ካብ ዝርከባ 100 ኣብያተ ማእሰርቲ፡ እተን 31 ምሉእ መዝሓሊታት፣ 51 ከኣ ዝተወሰነ ዘለወን ኰይነን ጆንሰን ተኣሲሩሉ ዝነበረ ዝርከብአን 14 ኣብያተ ማእሰርቲ ግን ኤሲ የብለንን።

ኣብ መስከረም፡ ዩኒቨርሲቲታት ብራውን፡ ቦስተንን ሃርቫርድን ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ካብ 2001 ክሳብ 2019፡ መዝሓሊ ኣየር ኣብ ዘይብለን ቤት ማእሰርቲ ቴክሳስ ካብ ዘጋጠመ ሞት እቲ 13 ሚእታዊት ብሰንኪ ሓያል ሙቐት ዘጋጠመ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመልኪቶም።

ካብ መፋርቕ ሰነ ድማ መዝሓሊ ኣብ ዘይብሎም ኣብያተ ማእሰርቲ ቴክሳስ፡ ምስ ሕማም ልቢ ተኣሳሲሩ ብውሑድ ትሸዓተ እሱራት ከምዝሞቱ ቴክሳስ ትሪቡን ጸብጺባ።

ከም ሓበሬታ እታ ጋዜጣ፡ ሓይል ዋዒ ኣብ ዝነበሮም ካልኦት መዓልቲታ እውን 14 እሱራት ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ሞይቶም ተረኺቦም።

ወሃቢት ቃል ንኣብያተ ማእሰርቲ ዝቈጻጸር ትካል ኣማንዳ ሀርናንደዝ ግን፡ ምርመራ ቅድሚ ምክያዱ ዝዀነ ሞት ምስ ሙቐት ዝተሓሓዘ እዩ ምባል ግጉይ ከምዝዀነ ገሊጻ። ከም ጸብጻብ እቲ ትካል ካብ 2012 ጀሚሩ ምስ ዋዒ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ዝሞተ እሱር የለን።

እቲ ትካል ንቢቢሲ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እሱራትን ሰራሕተኛታትን ናይ ምሕላው ሓላፍነቱ ከምዝዋጻእ ገሊጹ።