እንግሊዝ ኣብ ጐደና ንዝፍጸም ጾታዊ ትንኮያ ብማእሰርቲ ክትቀጽዕ’ያ

ጐርዞ ኣብ ጐደና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

እንግሊዝ ኣብ ጐደናታት ንዝፍጸሙ ጾታዊ ትንኮያታት ክሳዕ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከምእትቐጽዕ ኣፍሊጣ።

ንዝኾነ ሰብ ምትንኳይ፡ ኣብ መገዲ ምክትታል ይኵን መገዲ ምዕጻው፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ተመሳሳልቲ ተግባራት ብገበን ንምቕጻዕ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

“ኵላተን ደቀ’ንስትዮ ኣብ መገዲ ኣብ ዝጓዓዛሉ ውሕሰነት ክስመዐን ይግባእ” ክትብል ነቲ ሕጊ እትድግፍ ኣባል ባይቶ እታ ሃገር ሰኤላ ብሬቨርማን ተዛሪባ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ቀደሙ’ውን ጾታዊ ትንኮያ ገበን ከምዝዀነ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ መገዲ ዝፍጸሙ ትንኮያታት ናይ ገዛእ ርእሱ ገበን ኰይኑ ግዳያት መጥቃዕቲ ከጋጥመን እንከሎ ንፖሊስ ብቐጥታ ከመልክታ ዘበራትዕ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

እታ ኣባል ባይቶ ኣስዒባ፡ “ድልየት ግዳያት ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ ውሳነና ገይርና ንሰርሕ ኣለና። ብኻልእ ኣዘራርባ እቶም ነዚ ተግባራት ዝፍጽሙ ገበነኛታት ዝግባኦም መቕጻዕቲ ክረኽቡ’ዮም፡” ኢላ።

ዩጎቭ ዝተበሃለ ትካል ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ክልተ ሲሶ ዝዀና ደቀ’ንስትዮ ኣጋምሸት ኣብ መገዲ ክጓዓዛ እንከለዋ ውሕሰነት ከምዘይስመዐን ገሊጸን።

ትሕቲ 34 ዓመት ዝዕድመአን ደቀ’ንስትዮ ግዳያት ጾታዊ ትንኮያ ናይ ምዃን ዕድለን ልዑል’ኳ እንተዀነ፡ ናብ ፖሊስ ከይደን እቲ ዝገጠመንናይ ምዝራብ ዕድለን ግን ትሑት ከምዝዀነ መጽናዕቲታት የረድኡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ሓንቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ለንደን እናተጓዕዘት ብፖሊስ ተዓፊና ዝተቐተለት ሳራ ኤቨርድ፡ ድሕነት ደቀ’ንስትዮ ናይ ምውሓስ ጉዳይ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ’ዩ።

ድሕሪ 6 ወርሒ'ውን፡ መምህር ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝዀነት ጓል 28 ዓመት ሳቢና ነሳ፡ ኣብ ደቡባዊ ለንደን ብሓደ ዘይትፈልጦ ሰብ ተቐቲላ ከምዝተረኸበት ይዝከር።