ህቡብ ተዋስኣይ ስኲድ ገይም ብጾታዊ ትንኮያ ተኸሲሱ

ተዋሳኣይ ኦ ዮንግ ሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

78 ዓመት ዝዕድመኡ ሽማግለ ህቡብ ተዋስኣይ ፊልም ‘ስኲድ ገይም’ ኦ ዮንግ ሱ፡ ኣብ 2017 ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዘይግቡእ መንገዲ ብምትንካዩ ብጾታዊ ትንኮያ ከም ዝተኸሰሰ ሰበስልጣን ቤት ፍርዲ ደቡብ ኮርያ ገሊጾም።

እንተዀነ ሚስተር ኦ ዮንግ ነቲ ክሲ ከምዝነጸጐ ማዕከናት ዜና 'ታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ንሱ፡ ኣብታ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቻርት ነትፍሊክስ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ፍልይቲ ተኸታታሊ ፊልም ስኲድ ገይም ብሉጽ ደጋፊ ተዋሳኣይ ተባሂሉ ሽልማት ወርቃዊ ግሎብ ዝዓተረ ናይ መጀመርታ ደቡብ ኮርያዊ ተዋስኣይ እዩ።

እታ ግዳይ እየ ኢላ ክሲ ዘቕረበት ሰብ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሚስተር ኦ ዮንግ ሱ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከምዘቕረበት ማዕከን ዜና ዮንሃፕ ሓቢሩ፤ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ሚስተር ኦ ክሲ ከይመስረተት ኣብ ሚያዝያ እቲ ፋይል ተዓጽዩ።

ሕጂ ግን፡ "ብሕቶ ናይታ ግዳይ" እቲ መርመራ ዳግማይ ተኸፊቱ ከም ዘሎ ዓቃብ ሕጊ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ሚስተር ኦ ብዘይ ማእሰርቲ ተኸሲሱ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ድሕሪ እዚ ክሲ፡ ሚኒስትሪ ባህሊ ከተማ ሶል፡ ንሚስተር ኦ ዘርኢ ዝዀነ ንግዳዊ መደብ ምፍናው ደው ክብል ከምዝወሰነ፡ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ።

ስኲድ ገይም፡ ልዑል ተፈታውነት ዝረኸበት ተኸታታሊት ፊልም ነትፍሊክስ ኰይና፡ ብዕዳ ዝተታሕዙ ሰባት ዓቢ ሽልማት ገንዘብ ንምርካብ ኣብ ቀታሊ ተኸታታሊ ጸወታታት ቈልዑ ኣትዮም ዝወዳደሩላ እያ።

ዮንግ ኦ ኣብቲ ውድድር ብዕድመ ዝዓበየ ተሳታፊ ኰይኑ ይዋሳእ።

ብዛዕባ ፊልም 'ስኲድ ገይም' እንታይ ትፈልጡ?

እታ ብ 17 መስከረም 2021 ዝተዘርግሐት ደቡብ ኮርያዊት ‘ስኲድ ገይም’ ዘርእስታ ፊልም ብህዋንግ ዶንግ ዝተደርሰትን ዝተኣልየትን ኰይና፡ ንኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ወሲኽካ፡ ኣብ 90 ሃገራት ብቕጽበት ክትበጽሕ ዘኸኣለት ህብብቲ ፊልም ነትፍሊክስ ተባሂላ እያ።

እዛ ፊልም ምስ ተዘርግሐት ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት 142 ሚልዮን ረኣይቲ ዝረኸበት፣ “ኣብ መዓልቲ መመረቕታኣ ብብዝሒ ዝተራእየት” ተባሂላ ኣብ ነትፍሊክስ ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐት’ውን እያ።

ኣብታ ነትፍሊክስ ኣብ ሃገራ ዘይትፈቅድ ቻይና’ውን፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ መንጐ ሰባት እናተሰግገረት ብሰፊሕ ከም ዝተራእየት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ’ውን መዛረቢትን መካትዒትን ዝዀነት ህብብቲ ፊልም እያ።

እዛ ፊልም፡ ኣብቶም 456፡ በብመንገዶም ብዕዳ ዝተዋሕጡ ገጸ-ባህሪያት ዝሽክርከርን ናይ 45.6 ቢልዮን ዋን [ባጤራ ደቡብ ኮርያ] ሽልማት ዘውህብ ጸወታ መንጸፍ ዛዕባ-ዛንታኣ ዝገበረት እያ።

እቲ ነነዊሕ ክፋላት ናይዛ ፊልም ዝሸፈነ ቀንዲ ጸወታ፡ ኣብ ሓደ ዘይፍለጥ ብውሽጥን ብግዳምን ብጽኑዕ ዝሕሎ ደሴት ዝተሃንጸ ስቱር ኣዳራሽ ዝካየድ እዩ። ኣብዛ ፊልም ብዙሕ ቅትለትን ንምርኣዩ ዘጸገም ጭካነ ዝመልኦ ምርኢታትን’ኳ እንተሎ፡ ምኽንያት ተረኣይነታ ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኵነታት ዝቕላዕ ዝተፈላለየ ባህሪን ኣተሓሳስባን ሰባትን፣ ንእንነብሮ ዘለና ዓለማዊ ቁጠባዊ ስርዓትን ሳዕቤናቱን እተንጸባርቕ ብምዃናን ምዃኑ ተንተንቲ ፊልም ይግምግሙ።

ሓደ ካብ ተዋሳእቲ ስኲድ ገይም

ምንጪ ስእሊ, Netflix

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ደራሲን ዳይሬክተርን ህዋንግ፡ ‘ህቡብነት ናይዛ ፊልም፡ ተስፋ ቈረጽ ኰይኖም ዝዓበዩ፣ ሂወቶም ከኣ ነቲ ጸወታ ቈልዑ ዝዀነ፡ ክጻወቱን ዘሎ ባጫ እተርኢ ካብ ምዃና ዝነቅል እዩ’ ይብል።

ብተወሳኺ፡ ነቲ [ብፍላይ ኣብ ኰርያ] ዝውቱር፡ ቀሊልን ፍቱውን ዝዀነ ጸወታ፡ ምስቶም ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታን ምኽንያታትን ዝደረኾም እዅላት ሰባት ዘማዕብልዎ ኣተሓሳስባ ተቐናቢሩ ቍምነገር ከሕልፍ ዝሓለነ ፊልም ከም ዝቐርብ ምግባር’ውን ዝተራእየ ጥበብ’ውን ንህቡብነት ናይዛ ፊልም ወሲኹሉ እዩ። 

ኣብ ርእሲኡ፡ ብዙሕነት ናይቶም ጠባያት ማለት፣ ካብ ዝተፈላለየ ደርቢ፡ ማሕበራዊ ከባብ፡ ባህልን ሃገራትን ዝመጽኡ ምዃኖም’ውን ተዓዘብቲ ምስኣቶም ክደናገጹ ክስዕብዎምን ኣኽኢሉ እዩ።

ህዋንግ፡ ካብ ውልቀ ተመኵሮኡን ትዕዝብቱን ነቒሉ፡ ኣብ ኰርያ ንዘሎ ርእሰማልነትን ቍጠባዊ ደርባዊ ቓልስን ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይ ምቕርሐ ሃብትን ግብትና ርእሰማላውያንን ዘይፍትሓውነትን ንምንጽባራቕ ዓሊሙ ከም ዝጸሓፋ ገሊጹ’ሎ።

ኣብዛ ፊልም ዝተንጸባረቐ’ውን ብገለ መዳዩ ርእሰ ማልነት ዝፈጠሮ ቅልውላውን ሳዕቤኑን እዩ። እቶም ብዝዀነ መገዲ ናብራኦም ክቕይሩ ላሕ ዝብሉ ድኻታት ከኣ መዘናግዒ ናይቶም ሃብታማት ኰይኖም ይረኣዩ።

ኣብ መወዳእታ ታሽዓይ ክፋል ናይዛ ፊልም ከም ዝተጋህደ ኸኣ፡ ካብቶም 456 ተጻወትቲ፡ እቲ ሕጂ ብኽሲ ጾታዊ ትንኮያ ተኸሲሱ ዘሎ፡ መለለዪ ቝጽሪ ሓደ ተዋሂብዎ ዝነበረ፡ ብሕማም ረሲዕ ዝጥቃዕ ሽማግለ፡ ኣመና ሃብታም ኰይኑ ነቲ ዝናፍቘ ጸወታ ምእንቲ ክጻወት ዘዋደዶ ምንባሩ እዩ።

እዚ ኸኣ ንምሉእ ቴማ ናይቲ ፊልም ዝጠመረ እዩ። ብሓፈሻ ግን፡ እቲ እቶም ድኻታት ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ ዝገብርዎ ምጽዳፍ፡ ምጭኽኻን ኣሕሊፍካ ምውህሃብን ካልእን ነቶም ርእሰማላውያን መዘናግዒኦም ጥራይ ምዃኑ እዩ።