ምስ ኢትዮጵያዊ 'ዲሽታ ጊና' ዝተሓባበር ኤኮን፡ ትኹረቱ ናብ ሙዚቃ ኣፍሪቃ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, KONVICT KULTURE
ኤኮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያዊ ድምጻዊ ታሪኩ ካንጋሲ ብምትሕብባር ነታ 'ድሽታ ጊና' ወይ 'ኣዳም ሓወይ' እትብል ንጽል ደርፊ ሪሚክስ ገይሩ ምስርሑ ዝዝከር እዩ።
ታሪኩ ኣብቲ እዋን፡ "ኤኮን ናብ ዓደይ መጺኡ ህዝበይን ባህለይን እንተዝርአለይ ደስ ምበለኒ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሰኔጋላዊ-ኣሜሪካዊ ድምጻዊ ኤኮን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ድሕሪ ዓመታት 'የእኔ' ዝብል ሙዚቃ ምስራሕ ከምዝጀመረ ይገልጽ።
ኣብ ኣሜሪካ እዩ ተወሊዱ። ፍርቂ ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ኣብ ኒውጀርሲ፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ሰኔጋል ኣሕሊፍዎ።
ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ መሳርሒታት ሙዚቃ ምጽዋት ተማሂሩ።
ኣብ ከባቢ 2000 ናብ ሙዚቃ ዓለም ምስ ኣተወ፡ እቶም ኣፍረይቲ ኩባንያታት፡ ሓደ ገፅ መንነት ኤኮን ንምርኣይ ጥራይ ከም ዝደልዩ ይዝክር።
"ሙዚቃ ምስራሕ ምስ ጀመርኩ፡ ካብ ኣፍሪቃዊነተይ ርሒቐ እየ ነይረ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስቢት ተዛሪቡ።
“ነቶም ኣፍረይቲ ንዓይ ከም ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ፡ ንምልላይ ይኹን ገንዘብ ምእካብ ቀሊል ኣይነበረን። ስለዚ ብኸምኡ ቀፂሉ።"
ብርግጽ እቲ ሙዚቀኛ ዕዉት እዩ። 'ሎንሊ'ን 'ሎክድ ኣፕ'ን ዝብላ ደርፍታቱ ብብዙሓት ናእዳ ረኺበን እየን።
እቲ ናይ ሙዚቃ ቢዝነስ ዝጠልቦ መንነት ግን ነቲ ሙዚቃ ይጸልዎ።
"ውጽኢት ነፍሲ ወከፍ ፍርያት ምሕሳብ ኣዝዩ ኣድካሚ ዕማም'ዩ" ይብል እቲ ድምፃዊ።
እቲ ሙዚቀኛ ኣብ መወዳእታ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል መስሪቱ። ብተወሳኺ 'ኮንቪክት' ዝበሃል ክዳን መፍረዪ ኩባንያ ብምጥያሽ፡ ናብ ጽላት ንግዲ’ውን ተጸንቢሩ።
ኣብ ሰኔጋል 'ዋካንዳን ኣቫታር' ንምህናጽ፡ ከምኡ'ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ክሪፕቶካረንሲ ንምጅማር ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ፍረ ኣይረኸበን።
ሕጂ ግን ናይ ዝዀነ ደገፍ ከይደለየ ዝደለዮ ብናጽነት ክገብር ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ይዛረብ።
እዚ ወዲ 50 ዓመት ድምጻዊ፡ እዚ ሕጂ ዝሰርሖ ዘሎ ሙዚቃ፡ ዝፈትዎ ዓይነት ሙዚቃ እዩ።
"ብዙሕ ናይ ኣፍሪቃ ድምጽታት ክሓውስ ክኢለ" ይብል።
ሕጂ፡ ገንዘብ ክረክብ ካብ ዝብል ጸቕጢ ነጻ ኰይኑ ኣሎ።
“ሙዚቃ ሕጂ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊይ ኣይኰነን። ምናልባት ዓስራይ ክፋል ኣታዊታተይ ክኸውን ይኽእል እዩ።”
እቲ ዝረኸቦ ፋይናንሳዊ ናጽነት ብሙዚቃኡ ባህሉ ክገልጽ ናጽነት ከም ዝሃቦ ይዛረብ።
ወሲኹ ድማ ሓዳስ ኣልበሙ 'ኣፍሮ ፍሪክስ' ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሖ ሙዚቃ ዝተፈልየት ምዃና ይገልጽ።
"ሕዚ ሙዚቃ ክሰርሕ ከለኹ፡ ብዛዕባ ኣታውን ፖለቲካን ከይጭነቕ ናጻ እየ" ይብል።
መብዛሕትኡ ኣብታ ኣልቡም ዝተኻተተ ሙዚቃ መበቆል ኣፍሮቢት እዩ።
ከም በዓል ዴቪዶ፡ ዊዝኪድን ቡርና ቦይን ዝኣመሰሉ ድምጻውያን ንኣፍሮቢት ፍሉጥ ገይሮምዎ እዮም።
ኤኮን ብዛዕባ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጸ ሙዚቃ ዘጠቓለለ ዝሓሸ ሙዚቃ ንምስራሕ ዝገብሮ ጻዕሪ ይዛረብ።
ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ኣፍሮቢትስ ፍሉጥ ኰይኑ ኣሎ።
ድሬክን ቢዮንሰን ዝርከብዎም ፍሉጣት ድምጻውያን ምስ ስነጥበባውያን ኣፍሮቢትስ ተሓባቢሮም እዮም።
ዊዝኪድ ኣብ 2021 ሽልማት ግራሚ ምስ ተዓወተ፡ ኤኮን "ቅድሚ ሕጂ ኢለኩም ነይረ" ከምዝበሎም ይገልፅ።
ኣፍሮቢትስ ብመንእሰይ ወለዶ ኣቢሉ ብዙሕ ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ኣይከን ይዛረብ።
ከም በዓል ዴቪዶ ዝኣመሰሉ ድምጻውያን፡ ኣፍሮቢትስ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንኽዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።
እቶም ደረፍቲ ንኣፍሮቢትስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምልላይ እውን ሓጊዞም እዮም።
"ዓለም መን ምዃንና ምእንቲ ክትፈልጥ ኩሉ ሰብ እጃሙ ይፍጽም ኣሎ። ሓንሳብ ነቲ ሙዚቃ ምስ ሰምዑ፡ ወልፊ ይሕዞም።
መጻኢኡ ድማ ብሩህ እዩ" ይብል።
“ኣፍሮቢትስ ንዓመታት ዝጸንሐ ቅዲ እዩ። ንዓመታት ድማ ክጸንሕ እዩ።"
ናቱ ተራ፡ ጽልዋኡ ተጠቒሙ ነቲ ዓውዲ ዝያዳ ተፈታዊ ምግባር ምዃኑ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ሙዚቃኡ ሰባት ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝያዳ ንኽፈልጡ ከነቓቕሕ ተስፋ ኣለዎ።
“ኣፍሮቢትስ ኣብ መላእ ዓለም ተፈሊጡ እዩ። ብዛዕባ ዓለም ኣፍሪቃ ንምልላይ እውን ክሕግዝ እዩ።”






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
