ክልተ ኤርትራውያን ‘ዕሉላት ኣሰጋጋርቲ’ ኣብ ቤት ፍርዲ ነዘርላንድ ተጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, AP
ክልተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሸውዓተ ጥርጡራት፡ ብኣህጉራዊ ትካል ገበን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ጭውያ፡ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ቅትለትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ገበናትን ተኸሲሶም ትማሊ 10 ጥሪ 2023 ብቤት ፍርዲ ነዘርላንድ ተጸዊዖም።
በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ፡ ኢትዮጵያ ኣሕሊፋ ዝሃበቶ ወዲ 39 ዓመት ኤርትራዊ፡ ትማሊ ኣብ ዝወዓለ ቀዳማይ መዓልቲ ምስማዕ ጉዳያት ቅድመ-ፍርዲ ብቐዳምነት ተጸዊዑ።
እዚ፡ ተወልደ ጐይትኦም ዝተባህለ፡ 'ወሊድ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ዕሉል ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝነበረን ናብ መንግስቲ ነዘርላንድ ዝተረከበን እዩ።
ንሱ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደገኛ ኣገባብን ዓመጻት ዝበዝሖ ኵነታትን ኣሰጋጊሩ ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ።
ተወልደ ጐይትኦም፡ ኣብ ሰነ 2021 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምስርጣይ ስደተኛታትን ገበነኛ ኰይኑ ብምርካቡ ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ማእሰርቲን 200,000 ብር ክኸፍልን ተፈሪዱ ምንባሩ ይፍለጥ።
ሰብመዚ ኣገልግሎት ኣኽባር ሕጊ ነዘርላንድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት፡ ነቲ ገበነኛ ከም ዝተረከቡ ገሊጾም ነይሮም።
በዚ መሰረት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ገበነኛ ተባሂሉ ዝተፈርደን ኣብ ነዘርላንድ ብተመሳሳሊን ግን ከኣ ዝኸበደን ገበናት ዝተጠርጠረ ‘ተወልደ ጐይትኦም’ - ወሊድ፡ ኣብ ውዕሎ መስርሕ ምስማዕ ጉዳይ ኣብ መጋባእያ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ኦቭራይሰል - ነዘርላንድ ብኣካል ቀሪቡ ቃሉ ሂቡ።
ንሱ፡ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ሆላንድ እትርከብ ከተማ ዞዎለ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብኣስተርጓሚኡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግዳይ ግጉይ መንነት ምዃኑ [እቲ ዝድለ ተወልደ ጐይትኦም ከምዘይኰነ] ተዛሪቡ። ኣኽበርቲ ሕጊ ግን፡ እቲ ሰብ ባዕሉ ተወልደ ጐይትኦም ምዃኑ ከምዝኣምኑን መርትዖታት ከምዘለዎምን ገሊጾም። ሃገራዊ ላቦራቶሪ ፎረንሲክ ነዘርላንድ፡ መንነቱ ንምርግጋጽ ዘድሊ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብዚ ገበን ዝተጸውዐ ካልእ ኤርትራዊ ጥርጡር ከኣ፡ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ዝተታሕዘ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ዕሉል ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት እዩ። ንሱ፡ ኣብ ዝርዝር መዝገብ ‘ቶም ኣብ ነዘርላንድ ብኸቢድ ገበን ዝድለዩ ሰባት ዝሰፈረ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ጠበቓ ኣኽባር ሕጊ ፔትራ ሁክስትራ፡ እቲ ቀንዲ መራሒ መርበብ ገበን ምዃኑ ዝጥርጠር፡ ኣብ ባሕቲ ‘ዚ ዓመት ኣብ ሱዳን ዝተታሕዘ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ምስ ጉዳይ ተወልደ ጐትኦም ተኣሳሲሩ ክርአ ንቤት ፍርዲ ሓቲታ።
ንሱ፡ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዝምራሕ ኣህጉራዊ ስርሒት ፖሊስ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢማራት ዓረብ ተኣሲሩ ከምዘሎን ኣብ ምርመራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር (ምሕጻብ) ገንዘብ ከም ዘሎን ተፈሊጡ’ሎ።
ብሕቶ እታ ጠበቓ መሰረት ከኣ፡ ነዘርላንድ፡ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክወሃባ ትጽቢት ይግበር።
ኣብቲ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ከተማ ዞዎለ ዝወዓለ መስርሕ ፍርዲ፡ ዓቃቢ ሕጊ፡ እዚ ጥርጡር ኣብ ተመሳሳሊ መስርሕ ክጽዋዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እዚ ብሰሉስ 10 ጥሪ 2023 ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ተወልደ ጐይትኦም፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ጅሆ ምሓዝ፡ ምቕታል፡ ምዕማጽን፡ ከምኡ’ውን ጾታዊ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ኣሰቀቕቲ ከበድቲ ገበናት ኣብ ዝሳተፍ ትካላት ገበን ኣባል ነይሩ ተባሂሉ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ግዳያት’ዚ መርበብ ገበን መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ናብ ነዘርላንድ ዝሰገሩ ስደተኛታትን፡ ኣብ ነዘርላንድ ዝነብሩ ቤተሰቦምን እዮም። ስለዝዀነ ድማ ኣኽባር ሕጊ ነዘርላንድ ነዞም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቦም ሕጋዊ መሰለ ከምዘለዎ ይከራኸር።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዓቃብ ሕጊ እታ ሃገር፡ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ዝተዋዳደ ጕዕዞኦም ክቱር ዓመጽ ከምዝወርዶም እዩ ዝግለጽ።
ስደተኛታት ኣብ ጕዕዞኦም ኣብ ሊብያ በቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ዝመሓደሩ “ውሑስ ገዛውቲ” ዝበሃሉ ይእሰሩን፡ ስድራኦም ድማ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉን ይግደዱን።

ምንጪ ስእሊ, INTERPOL
ብተወሳኺ. . .
ምስ’ዚ ገበን ምስግጋር ሰባት ተኣሳሲሩ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ኣብ ነዘርላንድ ዘለዉ ሰባት እውን ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም።
እቶም ቀንዲ መራሕቲ እቲ መርበብ ገበን ምዃኖም ተጠርጢሮም ዘለዉ ተወልደ ጐይትኦምን ኪዳነ ዘካርያስን፡ ኣካል ሓደ ገበናዊ ትካል እዮም ስለዝተባህለ፡ ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ ነዘርላንድስ ጉዳዮም ብሓባር ክርአ እዩ ዝደሊ።
ክልቲኦም ጥርጡራት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝሰርሕዎ ተመሳሳሊ ገበናት ተኸሲሶም ተፈሪዶም ምንባሮም ይፍለጥ።
ቀታሊ መገዲ ስደት

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መርመራ፡ ብህዝባዊ ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊን ድሕነት ንግስነት ነዘርላንድን፡ ምስ ካልኦት ትካላት - ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC)፡ ዩሮፖል፡ ኢንተርፖልን፡ ሽወደንን ብምትሕብባር እዩ።
ነዘርላንድ ምስ ኢጣልያ ሓደ ሓባራዊ መርማሪ ጉጅለ እውን ኣቝማ ኣላ። እዚ ጕጅለ ብዩሮፖል እውን ዝድገፍ ኰይኑ፡ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ነቒሎም፡ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ምድረ-ኣውሮጳ ኣብ ዝረገጹሉ፡ ንጕዕዞም ኣመልኪቱ መርመራ ዘካይድ እዩ።
እዚ መስመር፡ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምጕዓዝ ዝመርጽዎ ይዅን እምበር፡ ቀታሊ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በዚ መስመር’ዚ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ኣሽሓት ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ምትሓዝ እዞም ዕሉላት ኣሰጋገርቲ፡ ዓቢይ ዓወት ኣብ ልዕሊ መርበብ ገበን ምስግጋርን፡ ግዳያት ካብ ኢድ ጨካናት ገበነኛታት ዘድሕን ምዃኑን ኣህጉራዊ ትካል ፖሊስ ገሊጹ።
ጠበቓ ጥርጡር ተወልደ፡ ሆላንዳዊ ሪቻርድ ቫንደር ቪደ፡ ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ቈጸራ ቤት ፍርዲ ክከራኸር ምዃኑ ንዳያኑ ኣፍሊጡ’ሎ።
ዝቕጽል መዓልቲ መስርሕ ፍርዲ፡ ን 6 ሚያዝያ 2023 ተቘጺሩ’ሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
