እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግምት ክሪስ ሱቶን፡ ኣርሴናል ማዕረ ሊቨርፑል ክትስዓር’ያ ይብል
ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ኣቶክሮ ዓለም ናብቲ ኣብ ቐጠር ተኻይዱ ብዓወት ኣርጀንቲና ዝተዛዘም ዋንጫ ዓለም’ዩ ኮይኑ ጸኒሑ።
ጸወታታት ፕሪሜርሊግ ንሽዱሽተ ሳምንታት ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ፡ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ‘ጸወታታት ቦክሲንግ’ ከካይድ’ዩ።
ናይ ቢቢሲ ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ክሪስ ስቶን፡ ተጻወትቲ ካብ ናይ ጋንታታቶም ጸወታታት ንሽዱሽተ ሳምንታት ተፈልዮም ስለዝጸንሑ “ክጻወቱ ክሳብ ንርእዮም ግምት ክንህብ ይኸብድ’ዩ” እዩ ዝብል፤ እንተኾነ ግምታቱ ካብ ምሃብ ኣይተቆጠበን።
ሰኑይ
ብሬንትፎርድ ኣንጻር ቶተንሃም
ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ዘካየድዎ ጸወታ ምዝካር ከቢድ’ኳ እንተኾነ ብሬንትፎርድ ብሸቶ ኢቫን ቶኒ ንማንቸስተር ሲቲ ዝሰዓርሉ ኣጋጣሚ ግን ክርሳዕ ዝኽእል ኣይኮነን።
እቲ ንሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዘይተመረጸ ቶኒ፡ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ብቅዓት ንኸውሕስ ክጽዕር እንከሎ፡ ንቶተንሃም ዝቅልስ ሃሪ ኬን ብወገኑ፡ ጓሂ ስዕረት ዋንጫ ዓለም ዘደብስ ዓወት ከመዝግብ'ዩ ናብዚ ጸወታ ክኣትዉ።
ናይ ቶተንሃም ሰን ሂውንግ ሚንን ዴጃን ኩሉሱቭስክን ካብ ማህረምቶም ሓውዮም ምስ ቀዳሞት ክስለፉ’ዮም። ሪቸርድስ ግን መጉዳእቱ ስለዘይሓወየ ሎሚ ኣይክጻወትን’ዩ።
ክሪስ ሱቶን ንኹሉ ህሉው ብቕዓት ኣብ ግምት ብምእታው ጸወታ ብማዕረ ክውዳእ’ዩ ኢሉ ኣሎ።
ግምት፡ 1 – 1
ክሪስታል ፓላስ ኣንጻር ፉልሃም
ነዚ ጸወታ ክትግምቶ ከቢድ’ዩ። ምኽንያቱ ፉልሃም ጽወታታት ፕሪሜርሊግ ብምኽንያት ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምቁራጹ ጽቡቕ ውጽኢት የመዝግቡ ስለዝነበሩ።
ፉልሃም ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት’ዮም ዘለዉ፤ እንተኾነ ክሪስታል ፖላስ ዝሓሸ ብቕዓት ሒዞም ኣለዉ።
ግምት፡ 2 – 1
ኤቨርተን ኣንጻር ዎልቭስ
እዚ ጸወታ ንኽልቲኤን ጋንታታት ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ፡ ዝያዳ ግን ንኤቨርተን’ዩ ከገድሳ።
ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ዎልቭስ ዩለን ሎፕቴጊዩ ንኣመሓዳርቲ እታ ጋንታ ብቕዓቱ ዘርእየሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ።
ዎልቭስ ኣብ ጸወታ ኣብ ምቁጽጻር ዝያዳ ጸብለል ክብሉ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝገልጽ ክሪስ ስቶም፡ እንተኾነ ኤቨርተን ከምዝስዕሩ ይግምት።
ግምት፡ 1 – 0
ሌስተር ኣንጻር ኒውካስል
ክልቲኤን ጋንታታት ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ምጅማሩ ጽቡቕ ውጽኢት’የን ዘመዝግባ ነይረን።
ሌስተር ካብ ሓሙሽተ ጸወታታት ኣብ ኣርባዕተ ክትዕወት ክኢላ ነይራ፡ ኒውካስል ከኣ ሓሙሽተ ጸወታታት ብተኸታታሊ ብምስዓር ብኣርሴናልን ማንቸስተር ሲትን ጥራይ ተበሊጻ ኣብ ሰሌዳ ፕሪሜርሊግ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ክትቕመጥ ክኢላ’ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ዝተራኸባሉ ጸወታ ብዓወት ሌስተር’ዩ ተዛዚሙ ነይሩ።
ሕጂ ግን ኒውካስል ኣብ ዝበለጸ ብቕዓት’ያ ትርከብ፡ ካብዚ ብምብጋስ ኒውካስል ሰለስተ ነጥቢ ከምእትወስድ ክሪስ ስቶን ገሚቱ ኣሎ።
ግምት፡ 1 – 2
ሳውዛምፕተን ኣንጻር ብራይተን
ሳውዝሃምፕተን ሓዲሽ ኣሰልጣኒኣ ናታን ጆንስ ሒዛ’ያ ናብዚ ጸወታ ክትኣቱ። እንተኾነ ደረጅኦም ኣብ መበል 19 እዩ ዘሎ፤ ብሕጂ ዝጽበይዎም ጸወታታት ከኣ ክብድ ዝበሉ'ዮም። እዚ ከኣ ነብሱ ዝኽኣለ ዘሕድሮ ኣእምሮኣዊ ጸቅጢ ኣሎ።
እዚ ጸወታ ግምት ክትህበሉ ከቢድ’ዩ ዝብል ክሪስ ስቶን ጸወታ ማዕረ ከምዝውዳእ ግምት ሂቡ ኣሎ።
ግምት፡ 2 – 2
ኣስቶን ቪላ ካንጸር ሊቨርፑል
ሊቨርፑል ሓሙስ ምሸት ኣንጻር ማንቸስተር ኣብ ዝነበሮም ጸወታ ካራባኦ ጽቡቕ ጸወታ’ዮም ኣርእዮም።
ዝነበሮም ዕድል ስለዘይተጠቐምሉን ኣብ ምስመር ምክልኻል ሃጓፋት ስለዝነበሮምን ግን ዘተኣማምኑ ኣይኮኑን።
ድሕሪ ዋንጫ ዓለም ብዙሕ ግምታት ዘይተውሃቦ ውጺኢት ክምዝገብ’ዩ ዝብል ክሪስ ስቶን። ሓደ ካብዚ ከኣ ኤቨርተን ኣብ ልዕሊ ሊቨርፔል ተመዝግቦ ዓወት ከምዝኾነ ገሚቱ።
ግምት፡ 1- 0
ኣርሰናል ኣንጻር ዌስት ሃም
ጸወታ ፕሪሜርሊግ ብምኽንያት ዋንጫ ዓለም ምቁራጹ ነታ ንፕሪሜርሊግ 14 ጸወታታት ኣካይዳ ብ37 ነጥቢ ትቅልሶ ዘላ ኣርሴናል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ መስመር መጥቃዕቲ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ጋብርኤል ጀሱስ ብመስበርቲ ከምእትኸስሮ ኮይና’ያ።
ኣብታ ጋንታ ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ ንዕኡ ክትክእ ዝኽእል ተጻዋታይ የለን። መጠን ማህረምቲ ካልእ ኣጥቃዓይ ንኽገዝኡ ከገድዶም ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ዌስትሃም ጽቡቕ ውጽኢት ከምዘመዝግቡ ደጋጊመ ገሚተ ነይረ፡ ኣንጻር ኣርሴናል ኣብ ዝህልዎም ጸወታ ግን ዝስዕሩ ኣይመስለንን ይብል ክሪስ ስቶን።
ግምት፡ 1 – 1
ሰሉስ
ቸልሲ ኣንጻር በርናማውዝ
ካብ ሸዱሽተ ጸወታታት ኣብ ኣርባዕተ ዝተሰዓሩን ክልተ ግዜ ማዕረ ዝወጽኡን ቸልሲ፡ ኣብ ከቢድ ጸቅጢ’ዮም ዘለዉ።
እታ ጋንታ ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ጸገም ኣጋጠሚምዋ ኣሎ፤ እዚ ንኽዕረ ኸኣ ግዜ ከምዘድልዮ’የ ዝኣምን።
እንተኾነ ዘለዎም ብቕዓት ንበርንማውዝ ክስዕሩ ዘኽእል’ዩ።
ግምት፡ 2-0
ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት
ጸወታታት ፕሮሜርሊግ ኣብ ዝተጀመረሉ በርቒ ዝኾነ ብቕዓት ሒዞም ዝመጽኡ ኖቲንግሃም ናብ መበል 18 ደረጃ ክወርዱ’ዮም ኢሉ ዝገመቶም ሰብ ኣይነበረን። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኮይኑ 13 ነጥቢ ጥራይ ኣዋህሊሎም ምስ ዳሕረዎት ሰለስተ ተሰሪዖም ኣለዉ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ካብ ማንቸስተር ወጺኡ’ዩ፡ እንተኾነ ማንቸስተር ዩናይትድ ዋላ ብዘይ ሮናልዶ ንኖቲንግሃም ፎረስት ክስዕርዋ ከምዝኽእሉ’ዩ ክሪስ ስቶን ዝግምት።
ግምት፡ 1 – 0
ሮቡዕ
ሊድስ ኣንጻር ማንቸስተር ሲቲ
ሓሙስ ምሸት ኣብ ግጥም ካራባኡ ኣንጻር ሊቨርፑል ዝገጠሙ ማንቸስተር ሲቲ ዘርኣይዎ ጽቡቕ ዝኾነ ብቕዓት ንሊድስ ዘየርዕድ ኣይኮነን።
ሊድስ ጽቡቕ ናይ ጋንታ ጸወታ’ዮም ዘርእዩ። ብቕዓት ኤላንድሮ ሮድ’ውን ዝንኣድ’ዩ እንተኾነ እዚ ክልቲኡ ነታ ጋንታ ካብ ስዕረት ከምዘየናግፋ ክሪስ ስቶን ይግምት።
ግምት፡ 0 – 4