ኣብ ገዛ ንዘዕበይዎም እንስሳታት ክሎን ዝገብሩ ዘለዉ ሰባት

ደቡብ ኮርያ፡ ንወነንቲ እንስሳ ዘቤት ኣኽላባት ክሎን ትገብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

እታ ዶሊ ተባሂላ ትጽዋዕ ናይ መጀመርታ በጊዕ ካብ ትዳቐል ንደሓር፡ ድቕለት (ክሎኒንግ) ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዙ እዩ።

ብ5 ሓምለ 1996፡ እታ ንመላእ ኢንዱስትሪታት ዘነቓቕሐት፡ ንተመራመርቲ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት ንምሕጋዝ ሓድሽ መገዲ ዝሃበት ኣብቲ እዋን’ቲ ዳርጋ ዘይሕሰብ ዝነበረ መንገዲ ሕክምናዊ ሳይንስ ዝቐየረት በጊዕ ተወሊዳ።

ግን ተራ በጊዕ ኣይነበረትን። ካብ ጽኪ ጡብ ካልእ በጊዕ ብዝተወስዱ ዋህዮታት ዝተዳቐለት በጊዕ እያ። ብስም ድምጻዊት ዶሊ ፓርተን ድማ ዶሊ ዝብል ስም ተዋህባ።

ድቕለት ዶሊ፡ ሓድሽ እንስሳ ምፍጣር ከምዝከኣል ዘርኣየ ውጽኢት ከምዝነበረ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ትካል ፍራንሲስ ክሪክ፡ ቤተ ፈተነ ስነ ህይወትን ምዕባለ ጀነቲክስ ስቴም ሴልን ዝመርሕ ሮቢን ሎቨል-ባጅ ይገልጽ።

ድቕለት ዶሊ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ዝተፈላለዩ ትንበያታት ክስምዑ ጀሚሮም። ንሓዘንተኛታት ወለዲ ዝሞቱ ደቆም ክትክኣሎም ከምዝኽእል ዝገለጹ ሰባት ከይተረፈ ነይሮም።

ብካልእ ሸነኽ ዓለም ግን ሓደ ጃፓናዊ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ዋህዮታት መበቆል፡ ነቲ ኣብ ስኮትላንድ ዝነበረ ፍጻመታት ብዓቢ ተገዳስነት ይዕዘብ ነይሩ።

ምልዓል ሕክምና ዳግመ ምጥጣዕ

ኣብ 1996 ሺንዪ ያማናካ ዕድለኛ ዘይኮነ ጻንሖት ዝተጻወረ ሓኪም መጥባሕቲ ነይሩ። መሳርሕቱ፡ ኣብ መጥባሕቲ ብዙሕ ግዜ ስለዝወስድ፡ ጃማናካ (ዕንቅፋት) ዝብል ሳጓ ከምዝሃብዎ ድማ ይንገር።

ሕጂ ያማናካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ከተማ ኦሳካ ኣብ ስራሕ ኣድካሚ ይርከብ። ተመራመርቲ ንሓንቲ በጊዕ ክሎን ክገብሩ ከም ዝኸኣሉ ድሕሪ ምንባቡ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ምስ ኣናጹ ከሕልፍ ጀሚሩ።

ሓደ ዋህዮ በዚ ኣገባብ ዳግማይ ፕሮግራም ክግበር ምኽኣሉ ዝመሰጦ ነገር እዩ። ንዝኾነ ዋህዮ፡ መሊስካ ናብ ድቂ ዝመስል ኩነታት ዳግማይ ፕሮግራም ክገብሮ ይኽእል ድዩ ኢሉ ክሓትት ጀሚሩ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደ ፈተነ፡ ያማናካ ፈለማ ብኣናጹ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዋህዮታት ደቂ ሰባት ዕላምኡ ከሳኽዕ ክኢሉ።

ዋህዮታት ቆርበት ወይ ደም ናብ ብዙሕ ዓቕሚ ዘለዎም ኩነታት ዳግማይ ፕሮግራም ክግበሩ ኣኽኢሉ።

ብድሕሪኡ ያማናካ ኣብ 2012 ብፊዚዮሎጂን ሕክምናን ሽልማት ኖቤል ረኺቡ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ካብ ሕሙማት ብዝወስድዎ ቅምሶ ደም፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ኣካላቶም ዘሎ ዋህዮታት ተመሳሳሊ ባህርያት ዝሓዘ ደቂቕ ስሪት ኣካላት ብምፍጣር ሓደስቲ መድሃኒት፡ ክታበት ንምፍታን ወይ እውን ንገለ ኻብቲ ኣብ ምዕባለ ወዲ ሰብ ዝርከብ መሰረታዊ መስርሓት ንምርዳእ ስለዘኽእል እቲ ቴክኖሎጂ ልዑል ኣቓልቦ ረኺቡ።

"ካብ ሓደ ሕሙም ዋህዮታት ወሲድካ ምናልባት ነቲ ጀነቲካዊ ጉድለት ከተስተኻኽልን ነቶም ዝተስተኻኸሉ ዋህዮታት ተጠቒምካ ናይቲ ሕሙም ዝተበላሸወ ቲሹ ክትጽግን የኽእለካ" ይብል ሎቨል-ባጅ።

"ስለዚ እዚ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ርኽበት ምንባሩ ርዱእ'ዩ።"

ድቕለት ኣብ ገዛ ዝዓብዩ እንስሳታት

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተቐልቀለ ሓድሽ ኢንዳስትሪ ኣሎ - ድቕለት ኣብ ገዛ ዝዓብዩ እንስሳታት።

ቪያጀን ዝተበሃለ ኩባንያ፡ ኣብ 2015፡ ዝፈትውዎ ድሙ ወይ ከልቢ ክሎን ክገብሩ ንዝደልዩ ወነንቲ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ።

እቲ ክፍሊት ቀሊል ኣይኮነን - ንሓንቲ ድሙ ክሎን ንምግባር 35 ሽሕ ዶላር ይሓትት፡ ንሓደ ከልቢ ድማ 50 ሽሕ ዶላር የድሊ። እንተኾነ ግና እቲ ጠለብ ልዑል እዩ።

ቪያጀን ክሳብ ሕጂ ክሎን ዝገበሮም ቁጽሪ እንስሳታት ብልክዕ እኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣካያዲት ኣገልግሎት ዓማዊል እቲ ኩባንያ ሜላን ሮድሪገዝ ግን "ካብ እንጅምር ኣትሒዙ ዓመት ዓመት ዝበዝሑ እንስሳታት ክሎን ንገብር ኣለና" ትብል።

"ሰሙን ሰሙን ኮራኩር ይውለዱ ኣለዉ። ብዙሕ ምውዕዋዕ ኣይንገብርን፡ መብዛሕትኡ ካብ ሰብ እዩ ዝሰምዕ።"

ድቕለት ኣብ ገዛ ዝዓብዩ እንስሳታት ርካሽ ኣይኮነን

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ሮድሪገዝ፡ 90 ሚእታዊ ዓማዊል እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ቀጻሊ ምናልባት ዓቐሚ እንተረኸቡ ኢሎም ዋህዮታት ዘዕብይዎም እንስሳታት ክዕቀበሎም ጥራይ ከም ዝመርጹ ትገልጽ።

ክሎን ንምግባር ዘድሊ ወጻኢ ልዑል ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ መስርሕ ንምእማኑ ብዘጸግም ዝተሓላለኸ ምዃኑ እዩ። እቲ ምሉእ መስርሕ፡ ኣብ ኸልቢ ሸሞንተ ወርሒ፡ ኣብ ድሙ ከኣ ሓደ ዓመት ይወስድ።

ኣብዚ እዋን፡ እቲ ኢንዳስትሪ ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም’ውን እናስፋሕፍሐ ይርከብ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ሱኣም ባዮቴክ ከምኡ’ውን ኣብ ቻይና ሲኖጂን ነዚ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመሩ ኩባንያታት እዮም።

ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ፡ ምቾት ኣይስምዖምን። እቶም ዝፍጠሩ እንስሳታት ብጀነቲካዊ መዳይ ተመሳሳልቲ’ኳ እንተኾኑ ሓደ ዓይነት ባህርይ ግን ከምዘይህልዎም ዝገልጽ ሎቨል-ባጅ፡ ድቕለት እንስሳ ምኽንያታዊ ከምዘይኮነ ይምጉት።

ተመራማሪ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ሃርቫርድ ጆርጅ ቸርች ብወገኑ፡ “ከም ሓቂ ሰባት፡ ዝፈልጦም፡ ዘለልዮምን ገለ ምስጢራቶም ዝፈልጥን እንስሳኦም እዮም ዝደልዩ . . . በዚ መንጽር፡ ንሓዘን ናይ ሰባት ምምዝማዝ” ከይኸውን ስክፍትኡ ይገልጽ።

ንጽኑት እንስሳታት ዳግማይ ህይወት ምሃብ

ኣብተን ድሕሪ ዶሊ ዝነበራ ዓመታት፡ እቲ ማእከላይ ሕቶ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ነቲ ቴክኖሎጂ ናብ ደቂ ሰባት ከስፍሕዎ ድዮም ዝብል እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሞራላውን ስነ-ምግባራውን ጉዳያት’ውን ተላዒሎም እዮም።

ኣብ 2013 ድቂ ወዲ ሰብ ብዓወት ክሎን ተገይሩ እዩ። እንተኾነ ግን ግን፡ ብሰንኪ ከስዕቦ ዝኽእል ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ምሉእ ሰብ ናይ ምፍጣር መስርሕ ተፈቲኑ ኣይፈልጥን።

ኣብ ክንድኡስ፡ መብዛሕትኡ ምወላ፡ ዳርጋ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ እንስሳታት ዳግም ንምርባሕ እዩ ዝውዕል ዘሎ።

ክሎኒንግ ንሳይንሳዊ ምርምር ጠቐምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ብጀነቲካዊ መዳይ ተመሳሳሊ እንስሳታት የፍሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቻይና ዝርከብ ግዙፍ ፓንዳን ሰሜናዊ ጻዕዳ ሓሪሽን ኣብ ዓለምና ክልተ ጥራይ እዮም ተሪፎም። እዞም ክልተ እንስሳታት መሊኦም ከይጸነቱ ከለዉ ክሎን ንምግባር ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ እቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ጸሊም እግሪ ዘለዎ ፈረት (black-footed ferret) ከምኡ’ውን ፈረስ ፕርዘዋልስኪን (Przewalski's horse) ብቪያጀን ክሎን ተገይሮም እዮም።

ነቲ ቅድሚ ኣስታት 4,000 ዓመት ዝነበረ ኣዝዩ ገዚፍ ዓይነት ሓርማዝ ዳግማይ ህይወት ንምሃብ ዝዓለመ ፕሮጀክት ዝመርሕ ዘሎ ጆርጅ ቸርች እዩ። ኩባንያ ኮሎሳል ድሮ ነቲ ሓሳብ ንምድጋፍ 11 ሚልዮን ዶላር ምወላ ኣዋህሊሉ ኣሎ። 

መጻኢ

ክሎኒንግ ግን ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ዝያዳ ዘተሓሳስብ ተግባራት ክህልዎ ይኽእል እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዝሰርሑ ሓካይም መጥባሕቲ፡ ንሓደ ቀታሊ ሕማም ልቢ ዘለዎ ሰብኣይ ልቢ ሓሰማ ተኺሎምሉ ነይሮም።

እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ሰብኣይ ንክልተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ብህይወት ጸኒሑ። እቲ ጉዳይ ግን ኣቓልቦ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓካይም ስሒቡ እዩ፤ ንሳቶም፡ ንሕጽረት ምትካል ኣካላት ክፈትሕ ከም ዝኽእል ይግምቱ።

ጀርመን ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ትሑት መጠን ልግሲ ኣካላት ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብዚእዋን’ዚ ኣብታ ሃገር ኣስታት 8,500 ሰባት ስራሕ ዘቋረጸ ክፍሊ ኣካላት ከምዘለዎምን፡ ካልእ ኣማራጺ ሕክምና ከምዘይብሎምን ይግለጽ።

ዶሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ካብቶም ኣብ ንጡፍ መጸበዪ ዝርዝር ልቢ ዝርከቡ ሕሙማት ኣስታት ፍርቂ ጥራይ እዮም ምትካል ኣካላት ክረኽቡ ዝኽእሉ። ልቢ ሓሰማታት ዓቐኑን ስራሑን ብተዛማዲ ንደቂ ሰባት ብቑዕ ስለዝኾነ ከም ለገስቲ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ኣለዎ" ይብል ኣብ ሙኒክ ሓላፊ ማእከል ፈጠራዊ ሕክምናዊ ሞዴላት ዝኾነ ኤክሃርድ ዎልፍ።

ከም ኣህባይ ዝኣመሰሉ መጥበውቲ እንስሳታት ካብ ምጥቃም፡ ሓሰማ ምጥቃም ብስነ-ምግባር ዝያዳ ተቐባልነት ከምዘለዎ ኤክሃርድ ዎልፍ ይገልጽ።  

ይኹን እምበር፡ ኣካላት እንስሳታት ከም መተካእታ ምጥቃም ኣብ ዝብል ዛዕባ፡ ኩሉ ሰብ ኣወንታዊ ኣረኣእያ የብሉን። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተጣበቕቲ መሰላት እንስሳታት ብመሰረቱ ንሓሰማታት ናብ ደረጃ ፋብሪካ ኣካላት የውርዶም ኣሎ ኢሎም ይምጉቱ።

ማሕበር ድሕነት እንስሳታት ጀርመን ድማ ነቲ ፕሮጀክት ብስነ-ምግባር ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ ክብል ይገልጾ።

ክሎኒንግ፡ ድሕሪ 25 ዓመታት'ውን፡ ሎሚ፡ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኣገዳስን ኣካታዕን ኣርእስቲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።