እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ምድረበዳነትን ተበግሶታት ዳግመ-ምግራብን
ሎሚ 17 ሰነ፡ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምግታእ ምድረበዳነትን ደርቅን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ቢቢሲ፡ ኤርትራ ኣብዚ መዳይ ንዝወሰደቶ ስጉምትታት ቆላሕታ ዝገበረ ዳህሳሳዊ ጸብጻብ ኣዳልዩ’ሎ።
ኣስታት 75 ሚእታዊት ገጽ ናይዛ ዓበይቲ ስግኣታት ኣጋጢሞምዋ ዘለዉ እንነረላ ፕላነት ብኢድ ሰብ ከምዝተቐየረን ብሰንኩ እንስሳ ዘጋዳምን ተፈጥሮን ናብ ንእሽቶ ኩርናዕ ክጽግዑ ተገዲዶም ከምዘለውን ጸብጻባት ይገልጹ።
ብመሰረት ኣብ 2019 ዝወጸ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ስነሂወታዊ ብዙሕነትን ስርዓተ-ማሕድሮታትን፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓሌታት እንስሳታትን ኣትክልትን ሓደጋ ምጽናት ኣጋጢምዎም ኣሎ።
“ሰብን ክሊማዊ ለውጥን ዘስዓቦ ምብራስ ኣግራብን ምድረበዳነትን ዘላቒ ልምዓትን ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ፡ንሂወትን መነባብሮን ሚልዮናት ሰባት ጸልዩ”ከምዘሎ ንሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ዝከታተል ትካል ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣብዚእዋን ሓደ ሲሶ ገጽ ናይዛ ምድሪ ብዱር ዝተሸፈነ ምዃኑ ዝገልጽ ትካል ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP) “ኣብዛ ምድሪ ሂወት ንምስሳን ዱራት ኣዝዮም ኣገደስቲ’ዮም” ይብል።
ዱራት ኤርትራ ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለዉ?
ኤርትራ ኣብ ሓውሲ ምድረበዳ ዝዀነ ዞባ ኣህጉር ኣፍሪቃ እትርከብ ከም ምዃና መጠን፡ ሰፊሕ ቀላጥ መሬት ዘለዋ’ያ።
ክሊማዊ ለውጥን ብቐጻሊ ኣብቲ ዞባ ዝኽሰት ደርቅን ኣብ ምስፋሕ ምድረበዳነት ግደኡ ገይሩ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ንኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን ካብታ ሃገር ዘይተፈልየ ኲናት’ውን፡ ኣሉታዊ ተራኡ ኣብ ምብራስ ኣግራብ ቀሊል ኣይኰነን።
ዋላ’ኳ ብመጠን ድሩት እንተኾነ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ይዅን ዶባዊ ኲናት ዝተቘርጹ ዓበይቲ ኣግራብ ብቐሊሉ ዝትክኡ ኣይኮኑን።
ብዓቢኡ’ውን ሕርሻዊ ንጥፈታት ኣብቲ ኣግራብ ብምቝጥቋጥ ዝዳሎ መሬት’ዩ ዝምርኮስ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ንሕርሻ ተባሂሉ ዝተላጸየ ኣግራብ ማእለያ የብሉን-ውሕስነት መግቢ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስለዝነበረ።
ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት 'ታሃገር ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ሕርሻ ንባዕሎም ብዋጋ ናይቲ ዝጸንሐ ሸፈነ ኣግራብ ዝማዕበሉ’ዮም። ክሳብ ክንደይ ተተኪኦም ዝብል ሕቶ ድማ መልሲ ዘድልዩ እዩ።
ንመስርሒ ኣባይቲ ዝበርስ ኣግራብ’ውን ብቐሊሉ ዝትካእ ኣይኮነን። ሃዳሙን ኣጉዶታትን ኤርትራ ንምስራሕ ኣብ ምብራስ ኣግራብ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ።
ብዘይካኡ’ውን ጸዓትን (ዝነድድ ሓውን ፈሓምን) ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዓበይቲ ብድሆታት ምዕቃብ ኣግራብን ዱራትን ምዃኖም ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ጸዓት፡ ኣብ ከተማታት ዘሎ ህዝቢ ከይተረፈ ገጹ ናብ ዕንጨይትን ፋሓምን ክመልስ ዘገደደ ኵነታት ስለዝዀነ፡ ኣግራብ ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓኑን ዘለዉ።
ተበግሶታት ምሕዋይ መሬትን ምስሳን ኣግራብን
ኢድ ሰብ ዘለዎ ጠንቅታት ምብራስ ኣግራብ፡ መነባብሮን ሂወትን ማሕበረሰባት ኣብ ኣግራብን ኣከባብን ከምዝምርኮስ ዘነጽር’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ እቲ በጺሑ ዘሎ ዕንወት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎን፡ ንምፍዋሱ ላዕልን ታሕትን ዝብሃል ዘሎን።
ብደረጃ ዓለምን ብሃገርን ነቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ምንቁልቋል ንምግታእ ዝተፈላለዩ ተበግሶታትን ፈተነታትን ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ኤርትራ ነቲ ብድሆታት ብኽልተ መገድታት ንምግጣም ከምዝፈተነት ጸብጻባት ናይቲ ነቲ ሓላፍነት ብቐንዱ ዝስከም ሚኒስትሪ ሕርሻ እታ ሃገር የርእዩ።
እቲ ሓደ ግዝያውን ቀዋምን ሕዛእትታት ምፍላይ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ፡ ካብ ምንቅስቓስ ሰባት፡ መጋሃጫ፡ማሕረስን ምቑራጽ ኣግራብን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዝተኸልከለሉ እዩ።
እቲ “ሓምላይ ቅናት” ዝፍለጥ ሰሜናዊ ባሕሪ ናብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ምቕያሩ ከም ኣብነት ናይዚ ዝጥቀስ’ዩ።
ኣብቲ ከባቢ ብማሕረስን ጉስነትን ዝናበር ዝነበረ ህዝቢ ግን፡ ምንጪ እቶቱ ተሓዲጉ መተካእታ ስለዘይተገብረሉ ዝነበሮ ውሕስነት መግቢ ከምዝተጸልወ ይግለጽ። ምስኡ ዝተኣሳሰር ዋሕዚ ቱሪዝም ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኑ’ውን ነቲ ከባቢ መተካእታ ክኸውን ኣይክኣለን።
እንተዀነ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ዝተሓዝአ ከባቢ ብባህርያዊ መገዲ ዳግማይ ብኣትክልቲን ኣግራብን ክሽፈን ትጽቢት ይግበረሉ።
ዛጊት በዚ ኣገባብ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ከባቢ 200 ሽሕ ሄክታር መሬት ብባህርያዊ መገዲ ዳግማይ ከም ዝጠጥዐ ዳይሬክተር ጨንፈር ምቍጽጻር ባህርያዊ ጸጋታት ኣቶ እስቲፋኖስ በይን ምግላጹ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሻባይት ብ 22 ግንቦት 2021 ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ ይጠቅስ።
መደብ ክረምታዊ ማእቶትን ተሳትፎ ህዝብን
እቲ ካልኣይ መገዲ፡ መደባት ተሳትፎ ነበርትን ክረምታዊ ማእቶት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን እዩ።
ካብ 1994 ጀሚሩ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዓመታዊ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ብቐጥታ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ብምውፋር ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ንጥፈታት ምድላው ዛላታት፡ ምግራብን ካልእ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክነጥፉ ጸኒሖም ኣለው።
ካብ 1994 ክሳዕ 2016 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት 19 ሚልዮን ጐዳጉዲ ከምዝተዃዕተ፡23 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸለን 17 ሽሕ ኪሜ ዛላ ከምእተሰርሐን ጸብጻባት እቲ ሚኒስትሪ የረድእ።
እዚ መደብ ብፍላይ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓን ንኡስ ዞባ በሪኽን ከም ኣብነት ዝጥቀስ “ኣዕጋቢ” ውጽኢት ከም ዘመዝገበ ይግለጽ እዩ።
እንተዀ፡ ብሓፈሻ ብሰንኪ ዋሕዲ እኹል ዝናብን ግቡእ ምክትታልን፡ እቲ መደባት ምግራብ ከምቲ ዝድለ ጽልዋታት ከም ዘየምጽአ ይንገር። ጸብጻብ ናይቲ ሚኒስትሪ’ውን ካብቲ እተተኽለ ክንደይ ሚእታዊ ከም ዝጸደቐ ኣይገልጽን’ዩ።
ገለ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ግዱድ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ንመሰላት ናይቶም ተመሃሮ ዝገፍፍን ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ቍጽጽር ንምእታዎም ዝተወደበ’ዩ ብምባል’ውን ይነቕፉ።
መንግስቲ ግን መደባት ክረምታዊ ማእቶት፡ ዝተፈላለየ ባህልን ድሕረ ባይታን ንዘለዎም ተማሃሮ ናብ ሓድነት ኣብ ምምጻእ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከም ዘለዎን፡ እቶም ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ ንዝቐሰምዎ ፍልጠት ዘተግብሩሉን ባህሊ ስራሕ ዘማዕብሉሉን ምቹእ ኵነታት ዝፈጥርን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብነበርቲ ዝውሰድ ድሩት ተበግሶታት’ውን፡ንኣሽቱን ማእከሎትን ቃጽዖታት ተሓዚኦም ናይ ምስሳን ፈተነታት ከምዝግበረሎም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ኣግራብ ማንጉሮቭ ምስፋሕ ፕሮጀክት’ውን ሓደ ካብቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ነዊሕ ሰራውር ዘለዎ ገረብ ማንጉሮቭ ልዑል መጠን በካሊ ጋዝ ካርቦን ናይ ምውሓጥ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይግለጽ። ብዘይብኡ’ውን ንኣዕዋፍን ካልእ ሂወታውያንን ኣገዳሲ ማሕድሮ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ሸፈነ ኣግራብ ኤርትራ ናብ 10% ክብ ንምባል ተወጢኑ ከምዘሎ ዳይሬክተር ጀነራል በዓልስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኮሎኔል ክንፈ ሃብቶም፡ ብ30 ጥሪ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምግላጹ መርበብ ሻባይት ይሕብር።
ምቚራጽ ኣግራብ ንምጉዳል፡ ኣስታት 170 ሽሕ ጸዓት ቈጣቢት መጐጎ ኣድሓነት ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከምእተተኽለ ሰብመዚ ይገልጹ።
ምትእትታው መጐጎ ኣድሓነት ሃልኪ ዝነድድ ዕንጨይቲ ኣዝዩ ከምዘጉደሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ኣብ 2025 ኣብ ገጠራት ዝርከብ ነፍስወከፍ ገዛ መጐጎ ኣድሓነት ክህልዋ ከምዝግባእ፡ ንዳግመ-ምግራብን ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳምን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ምህናጽ ከዘንቲ ማይ ዲጋታታትን ራህያታትን
ኤርትራ ኣብ ምምካት ምድረበዳነትን ደርቅን ከምዝዓመመቶ ዝግለጽ ካልእ መደብ፡ ዝተፈላለየ ዓቕሚ ዘለዎም ከዘንቲ ማይ ብብዝሒ ምህናጽ እዩ።
እታ ሃገር ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ 1991፡ብዝሒ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝነበረ ዲጋታታትን ራህያታትን 138 ከም ዝነበረን እዚ ኣብዚ እዋን ናብ 785 ከም ዝወሰኸን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ንምምካት ምድረበዳነት ብዝምልከት ኣብ ኣቢጃን ኣይቮሪኮስት ዝተኻየደ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፈ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻባት ሓቢሩ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ስፍሓት ብመስኖ ዝለምዐ መሬት ብኣርባዕተ ዕጽፊ፡ ፍርያት ፍሩታታት ብ71 ዕጽፊ፡ ፍርያት ኣሕምልቲ ከኣ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ከምዝዓበየ ኣረዲኡ።
ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዳይሬክተር ጨንፈር ውጠናን ስታቲስቲክስን ኣቶ በረኸት ጸሃየ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ ሻባይት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 31 ዓመታት፡ ን4.5 ሚልዮን ኪዩቢክ ማይ መዕገቲ ከምእተሃነጸ ገሊጹ።
እቲ በቶም ዝተሃነጹ ዲጋታት ክለምዕ ዝኽእል መሬት ብምሉእ ዓቕሚ ኣብ ጠቕሚ ውዒሉ ብዛዕባ ምህላው ግን ኣይፍለጥን።
ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ብርሰት ዱራትን ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነትን
- ብዓለም ደረጃ መነባብሮ ናይ ኣስታት 1.6 ቢልዮን ሰባት ኣብ ዱራት’ዩ ዝምርኮስ
- ዱራት ማሕድሮ 80 ሚእታዊት እንስሳታት፡ ኣትክልትን ነፈርቲን (ሓሸራ) እዮም
- ካብ 2010 ክሳብ 2015 ጥራይ 3.3 ሚልዮን ሄክታር ዱር ባዲሙ
- ምንቁልቋል ትሕዝቶ መሬት፡ ንምህርታምነት 23 ሚእታዊ ተሓራሲ መሬት ዓለም ጸልዩዎ’ሎ። ብሰንኩ ካብ 230 ክሳብ 577 ቢልዮን እቶት እኽሊ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።
- መጠን ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኸውን ዘሎ ተሓራሲ መሬት ኣስታት 35 ዕጽፊ ወሲኹ’ሎ
- ብሰንኪ ደርቅን ምድረበዳነትን 12 ሚልዮን ሄክታር ተኸሲሩ’ሎ
ምንጪ፡ ሕቡራት ሃገራት