እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ሓማስ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ማእከል እዚ ከምዘለዎ ገሊጻ
ኣመሪካ፡ ሓማስ ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ማእከል እዚ ከምዘለዋ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዘለዋ ገሊጻ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ፡ እቲ ጉጅለ ብዙሕ ኣጽዋር ኣብኡ ከምዝዓቖረን ንመጥቃዕቲ እስራኤል ተዳልዩ ከምዝነበረን ገሊጹ።
ኣሜሪካ፡ ሓማስ ወተሃደራዊ መዓሰከራቱ ንምሕባእ ሆስፒታላት ይጥቀም እዩ ዝብል ክሲታት እስራኤል፡ ብቕሉዕ ክትድግፍ እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ሓማስ ግን ነዚ ክስታት ኣይቕበሎን።
እዚ መግለጺ፡ እስራኤል ኣብተን ሆስፒታላት ተዓጽዮም ንዝርከቡ ሲቪላት ውሕስና ክትህብ ዓለማዊ ጸቕጢ ኣብ ዝፍጠረላ ዘሎ እዋን'ዩ ወፂኡ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሆስፒታል ኣል-ሺፋ፡ ካብቲ ኣብ ዙርያኡ ዝካየድ ጽዑቕ ውግእ "ክሕሎ ኣለዎ" ክብል እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ድማ እስራኤል ኣብ ክሊ ዓለምለኸ ሕጊ ክትሰርሕ ኣለዋ ኢሉ።
ክሊ እቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ዝዓበየ ሆስፒታል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ማእከል ውግእ ኮይኑ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብኡ ኣዕቚቦም ከምዘለዉ ድማ ይእመን።
ሚስተር ኪርቢ፡ ኣመሪካ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝመጸ ናይ ገዛእ ርእሳ ስለያ ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላትን ኣብ ትሕቲአን ዝርከባ ጋለርያታትን ወተሃደራዊ ኣፅዋር ንምሕባእን ጅሆ ንምሓዝን ከምዝጥቀሙ ይሕብር።
ቅድሚ ሕጂ ምምሕዳር ኣመሪካ ቅሉዕ ምንጪ ስለያ ጥራይ እዩ ዝጠቅስ ነይሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ምንጪ ከም ዘለዎ ኣየረጋግጽን ነይሩ።
"ኣባላት ሓማስን ፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድን ካብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣብ ከተማ ቓዛ ናይ ትእዛዝን ቁጽጽርን ስራሕቲ የሳልጡ" ኢሉ።
"ኣብኡ ኣጽዋር ኣቐሚጦም ኣለዉ፡ ካብኡ ንዝፍነው ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ምላሽ ንምሃብ ድሉዋት እዮም”።
ሚስተር ኪርቢ፡ "ሓማስ ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ ህዝቢ ብዕምቆት ሰሪጹ" ብምህላዉ፡ ስርሒት እስራኤል ክሳብ ክንደይ በዳሂ ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
"ግልፂ ንምግባር፡ ሆስፒታል ካብ ኣየር ምውቃዕ ኣይንድግፎን ኢና፡ ኣብቲ ሆስፒታል ድማ ንጹሃት ሰባት፣ ድኹማን ሰባት፡ ዝሓመሙ ሰባት፣ ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ኣብ ዝጽዕሩሉ ቦታ ግዳይ ውግእ ክዀኑ ኣይንደልን። ሆስፒታላትን ሕሙማትን ክሕለዉ ኣለዎም" ኢሉ።
"ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብንጹር ከም ዝገለጽናዮ፡ ተግባራት ሓማስ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ሲቪላት ናይ ምክልኻል ሓላፍነት እስራኤል ዘጉድል ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ምስ መዛኑና ንጡፍ ዝርርብ ክንገብረሉ ምዃንና ርዱእ'ዩ።"
ሓማስ ንመግለፂ ዋይት ሃውስ ዝሃቦ፡ ብማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝተዘርገሐ መልሲ፡ እስራኤል ነቲ ናይ ዋሽንግተን ገምጋም ከም ፍቓድ ተጠቒማ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሕክምና "ኣረሜናዊ ህልቂት" ክትፍጽም፡ "ስርዓት ክንክን ጥዕና ቓዛ ከተዐኑን" ከምዝኸኣለት ይኸስስ።
ኣብ ውሽጢ ኣል-ሺፋ ዝርከቡ ሓካይም፡ ብውሕዱ ሰለስተ ኣብ ዘይመዓልቶም ዝተወልዱ ህጻናት ዝርከብዎም ዓሰርተታት ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፣ መድሃኒትን ሓይልን ከምዝሞቱ ይገልጹ።
እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ወተሃደራዊ መአዘዚ ሓማስ ኣሎ’ኳ እንተበለት፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ከምዘይተኮሰት ትገልጽ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ጉጅለ ራዕዲ ዝተበየነ ሓማስ ካብ ቓዛ ክድምስሶ ምዃኑ ይሕነ።