ብውሕዱ 6 ሓኾርቲ ጎቦታት ናብ እሳተ ጎመራ ጸዲፎም ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሩስያ ግዝኣት ካምቻትካ ኣዝዩ ንጡፍ እሳተ ጎመራ ናብ ዘለዎ ጎቦ ኢዩራስያ ዝሓኹሩ ዝነበሩ ሰባት ወዲቖም፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ሓደ ናይቲ ከባቢ ማዕኸን ዜና ጸብጺቡ።
ሰብ ሞያ መድሕን ህይወት ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ከድሕንዎም ከምዘይከኣሉ ገሊጾም።
ካብቶም ግዳያት ሞት ዝኾኑ ሩስያውያን እቶም ክልተ፡ ኣብ ሓደ ልዕሊ 3300 ሜትሮ ልዕሊ ጸፍሒ ባሕሪ ዝተደኮነ መዓስከር ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ድማ ኣብ ልዕሊ 4ሽሕ ሜትሮ ጸፍሒ ባሕሪ ዝተደኮነ ቴንዳ ኣዕቝቦም ምንባሮም ተሓቢሩ።
ኩሎም እቶም ሓኾርቲ ድማ ዜጋታት ሩስያ ምዃኖም ተፈሊጡ።
እቶም ክልተ መራሕቲ ዑደት ዝርከብዎም 12 ብርቱዓት ጉጅለ ሓኾርቲ፡ ናብቲ 4754 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ እምባ ምሕዃር ዝጀመሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
እንተኾነ ግና ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ትማሊ ቀዳም እቶም ኣርባዕተ ሓኾርቲ ካብ 4000 ሜትሮ ጸዲፎም ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተኣመነ ኮይኑ፡ እቶም ካልኦት ክልተ’ውን ቀጺሎም ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
ካብቶም መራሕቲ ዑደት ሓደ ዝኾነ እግሩ ከም ዝተሰበረን እቶም ካልኦት ሰባት ዘለውዎ ኩነታት ግና ከም ዘይተፈልጠ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ ዝሓኹርዎ ዝነበሩ ኩሊችየቨስካያ ስፖካ ዝተብሃለ ቦታ፡ ኣካል ናይቲ ብዩኔስኮ ዝተመዝገበ ተፈጥሮኣዊ እሳተ ጎመራ ካማቻትካ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
![ኣቦመንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለ ወርቅ ገ/ሄርን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/799f/live/0f041500-6b1f-11f1-8546-8f19e4fe30f4.jpg.webp)





![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
