እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን ኣብ ጥቓ ዖማን ዝነበረት መርከብ ጽዕነት ነዳዲ ተቖጻጺራ
ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዖማን ብባንዴራ ደሴታት ማርሻል ዝተሰነየት መርከብ ነዳዲ ከምዝሓዘት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ገጾም ዝተሸፈኑ ዕጡቓት ኣብታ ሴንት ኒኮላስ ብዝብል እትጽዋዕ መርከብ ተሰቒሎም ናብ ወደብ ኢራን ክትጓዓዝ ከም ዝኣዘዙ ይግለጽ ኣሎ።
እታ ናብ ቱርኪ እትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ስለምንታይ ዒላማ ከምዝተገብረት ንጹር ኣይኰነን።
ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ "ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት"፡ "ወተሃደራዊ ዩኒፎርም ዝለበሱን ገጾም ዝተሸፈኑን" ምዃኖም ዝተገልጹ ዕጡቓት ናብታ መርከብ ምስቃሎም ዝገልጽ ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ሓቢሩ።
ምስታ መርከብ ዝነበረ ርክብ ከምዝተቛረጸን ሰብመዚ እውን መርመራ የካይዱ ከምዘለዉን ወሲኹ ገሊጹ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ንሰራዊት ሃገረን ብምጥቃስ እታ መርከብ ኣሜሪካዊት ምዃና ገሊጸን ኣለዋ።
እታ መርከብ ስለምንታይ ብግሪኽ ከም እትውነን ንጹር ኣይኰነን።
ነታ መርከብ ዘመሓድር ኩባንያ ኢምፓየር ናቪጌሽን፡ 145 ሽሕ ቶን ዘይተጻረየ ነዳዲ ከምዝጸዓነትን 18 ፊሊፒናውያንን ሓደ ግሪኻዊን ሰራሕተኛታት ከምዝነበርዋን ገሊጹ።
ሴንት ኒኮላስ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ዝነበረ እገዳ ብናይ ቀደም ስማ ሱዊዝ ራጃን እያ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብኣሜሪካ ተታሒዛ።
ነታ መርከብ ዘካርይ ዝነበረ ትካል ሱዊዝ ራጃን ሊሚተድ፡ ድሒሩ ነቲ እገዳ ብምጥሓስ፡ ንኢራን ወኪሉ ነዳዲ ብሕቡእ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምሻጥን ንምጉዕዓዝን ውዲት ከምዝነበሮ ተኣሚኑ።
እዚ ዳሕረዋይ ተግባር ካብቲ ካብ የመን ዝመጹ ዓመጽቲ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ዝተፈልየ ይመስል።
እቲ ትማሊ ሓሙስ ዘጋጠመ ፍጻመ ካብቲ ናይ ሑቲ ስርሒታት ዝካየደሉ ከባቢ ዝተፈልየ እዩ።
ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብቶም ክሳዕ ሕዚ ዝተፈጸሙ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ክፍጽማን ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ሑቲ የመን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዳን ከምዝኽእላ ኣኣንፊተን ኣለዋ።
ካብ መራኽብ ጽዕነት ዝለዓላ ጀትን መራኽብ ውግእን ብሰሉስ ምሸት በቲ ብኢራን ዝድገፍ ጉጅለ ዝተወንጨፉ 21 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ኣውዲቐን እየን።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ መጥቃዕቲ ሑቲ ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝጠልብ ውሳነ ትማሊ ረቡዕ ኣጽዲቑ ኣሎ።