እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣንጻር ሑቲ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከምዝወስዳ ኣአንፊተን
ኣመሪካን ብሪጣንያን፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፈተንዎ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍሻለን፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስዳ ከምዝኽእላ ኣአንፊተን።
ብሰሉስ ምሸት ነፈርቲ ውግእን መራኽብን፡ ካብቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ዝተተኮሱ 21 ድሮናትን ሚሳይላትን ወቒዐን ኣውዲቐን።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድማ ዕጡቓት ሑቲ ብቕልጡፍ መጥቃዕቲ ደው ከብሉ ዝጽውዕ እማመ ትማሊ ረቡዕ ኣጽዲቑ ኣሎ።
እቲ እማመ ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ መራኽበን ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለወን ይገልጽ፤ ሑቲ ነቲ እማመ ነጺግዎ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል እቲ የመናዊ ጕጅለ መሓመድ ዓሊ ኣልሑቲ ነቲ እማመ፡ “ፖለቲካዊ ጸወታ” ክብል ገሊጽዎ። ሒቲ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ምስ እስራኤል ምትእስሳር ንዘለወን መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከምዝገብር ይገልጽ።
ነቲ ሑቲ፡ “ኣብ ዓለምለኻዊ ንግዲ ኣተዓናቒፉ፣ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘሪጉ” ዝበሎ መጥቃዕቲ “ብቕልጡፍ ደው ከብል” ዝጽውዕ እማመ ሕቡራት ሃገራት፡ 11 ሃገራት ክድግፋኦ እንከለዋ ሩስያ፡ ቻይና፡ ሞዛምቢክን ኣልጀርያን ድምጸን ዓቂበን።
ኣመሪካ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዝህልዎ “ሳዕቤን” ክተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ። ኣብ የመን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጸመሉ ተኽእሎ እንተሃልዩ ዝተሓተተ ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ “ቀጻሊ ምዕባለ ርኢና ሓበሬታ ክንህብ ኢና” ኢሉ።
ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ድሮ 20 ሚእታዊት ኮንተይነራት ዘጓዕዛ መራኽብ ንቀይሕ ባሕሪ ገዲፈን በቲ ዝነውሐ መንገዲ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ይዘራ ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።
ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ንእስራኤል ሓገዝ ትህብ ንዝነበረት መርከብ ብሰሉስ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙላ ገሊጾም። እዚ መጥቃዕቲ ካብ 19 ሕዳር ንደሓር ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ዝተፈጸመ መበል 26 መጥቃዕቲ እዩ።
ሰራዊት ኣመሪካ ብግደኡ፡ ኢራን ዘፍረየተን ንሓደ ግዜ ጥራይ ዘጥቅዓ ድሮናትን ጸረ መርከብ ክሩዝ ሚሳይላትን፡ ሑቲ ካብ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት የመን ከምዝተተኮሶ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት 18 ድሮናት፡ ክልተ ክሩዝ ሚሳይላትን ሓደ ባላስቲክ ሚሳይልን ካብ መራኽብ ብዝለዓለ ነፈርቲ ውግእን በተን መራኽብን ተወቒዐን ከምዝወደቓ ገሊጹ። ኣብተን መራኽብ ዝወረደ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘየለ እውን ኣመሪካ ሓቢራ።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ ወሃቢ ቃል ሑቲ ያሕያ ኣልሳሪያ፡ ሓይልታቶም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ “ነታ ጽዮናዊት (እስራኤል) ሓገዝ ትህብ ዝነበረት መርከብ ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ እዩ” ኢሉ።
ብተወሳኺ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣመሪካ ኣብ 31 ታሕሳስ ዝፈጸመቶ ሰለስተ ጀላቡ ዕጡቓት ሑቲ ዝተደምሰሳሉ ስርሒት ከምዝዀነ እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ሑቲ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ኲናት ደው ክሳብ እተብልን ዘንበረቶ ዕጽዋ ክሳብ እተልዕልን ኣብ ልዕሊ መራኽባ ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽል ተሓንዩ።
ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ሚስተር ሻፕስ ግን መጥቃዕቲ እቲ ጕጅለ እንተቐጺሉ፡ ሃገሩን ደገፍታን “ሑቲ ነቲ ሳዕቤን ክስከሞ እዩ” ዝብል መጠንቀቕታ ሂብና ኔርና ኢሉ።
“ንጹሃት ሰላማውያንን ቊጠባ ዓለምን ንምሕላው ኣድላዪ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና” ክብል ወሲኹ።
ጸኒሑ ኣብ ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ “ብድሕሪት ናይቶም ኣብቲ ዞባ ዝፍጸሙ ዘለዉ ብዙሓት ሕማቕ ነገራት ኢራን ኣላ” ክብል ነታ እስላማዊት ሃገር ኣጠንቂቑ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እውን ንዕጡቓት ሑቲ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ሃገራት ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያ፡ ባሕረይን፡ ቤልጅየም፡ ካናዳ፡ ዴንማርክን ዝርከበአን ሃገራት፡ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው “ሓለውቲ ብልጽግና” ዝብል ወፍሪ ምጅማረን ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ ኣስታት 15 ሚእታዊት ንግዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽን ፍሰት ንግዲ ክተኣጓጐልን ይኽእል ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።