ዞባ ኣውሮጳ ናብ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ምእታው ተገሊጹ

ሓደ ሰራሕተኛ ኣብ ፋብሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ዞባ ኣውሮጳ ልዑል ክብሪ ዋጋታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብዚ እዋን ናብ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ከምዝኣተወ ዝተኸለሰ ኣሃዛት ኣርእዩ።

ቍጠባ ናይቲ 20 ሃገራት ዝሓቍፍ ጥምረት ካብ ጥሪ ክሳዕ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 0.1% ምጭባጥ እዩ ኣርእዩ። እዚ ምዕባለ ካብ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2022 ዝጀመረ እዩ።

ቍጠባዊ ምንቍልቋል ዝበሃል፡ ሓደ ቍጠባ ንተኸታታሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ወይ ርብዒ ዓመት ብተዛማዲ ምስ ዝጭበጠ እዩ።

ዞባ ኣውሮጳ ከም ካልኦት ዞባታት፡ ብናህሪ ዋጋታት መግብን ጸዓትን ተሃስዩ እዩ።

ኣቐዲሙ ዝወጸ ጸብጻባት፡ ቍጠባ ዞባ ኣውሮጳ ኣብ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ብ 0.1% ይዓቢ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ ነይሩ።

ሕጂ ካብ ዩሮስታት ዝተዘርግሐ ኣሃዛት ግን እቲ ቍጠባ ኣብቲ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ከምዝተሸምረረ የርኢ።

እቲ ሓድሽ መደምደምታ፡ ብዝተኸለሰ ኣሃዛት ናይታ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ቍጠባ እትውንን ጀርመን ዝሰዓበ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀርመን ቍጠባኣ ካብ ጥሪ ክሳዕ መጋቢት ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ ብ 0.3% ከምዝተጨበጠ ብምግላጽ፡ ናብ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ከምዝኣተወት ገሊጻ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ‘ኦክስፎርድ ኤኮኖሚክስ’ ክኢላ ስነቝጠባ ሪካርዶ ፋብያኖ ኣብቲ ዞባ መጠን ወለድ ገና ይዓቢ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ኣውሮጳ “ትሑት ዕብየት” ጥራይ ክህሉ ከምዝኽእል ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ዋጋታት ጸዓት ክዓርግ እንከሎ ናብራ ኣዝዩ ከቢሩ እዩ።

ማእከላይ ባንክ ኣውሮጳ’ውን ነቲ ናህሪ ዋጋታት ንምቍጽጻር ብዝብል ንመጠን ወለድ ብ3.75% ከም ዝውስኽ ገይሩ።

ቍጠባ ኣየርላንድ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ 2023 ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ሰለስተ ኣዋርሕ ብምውድዳር፡ ብ 4.6% ምጭባጥ ኣርእዩ።

ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምውድዳር፡ እቲ ዝያዳ ዝተሃስየ ግን ቍጠባ ሊትዌንያ ኰይኑ ብ3.7% ተሸምሪሩ ኣሎ።