መረጻ ቱርኪ፡ 'ንኤርዶጋን ዓወት፡ ነታ ሃገር ግን መቓቓሊ እዩ'

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ስልጣን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ደገፍቲ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ክሳብ ለይቲ ዝቐጸለ ጽምብል ኣካይዶም።
ኣብ ኣፍደገ፡ ኣብ ወሰን ኣንካራ ዝርከብ ሰፊሕ ቤተ መንግስቱ፡ ንዝተኣከቡ ደገፍቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እንቋዕ ደስ በለኩም፡" 85 ሚልዮን ህዝቢ እዩ ተዓዊቱ" ኢሉ።
ንተቓዋሚኡ ከማል ኪሊችዳሮግሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘሎ መራሒ ኩርዳውያንን፡ ‘ደገፍቲ ሕደ-ጾታ’ ብዝብል ዘቈናጸበ ኤርዶጋን፡ እቲ ንሓድነት ዝገበሮ ጻውዒት ግን ባዶ ኰይኑ ተሪፉ።
እቲ መራሒ ተቓውሞ ብግልጺ ነቲ ውፅኢት ኣይተኣመነን።
ሚስተር ኪሊችዳሮግሉ፡ "ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዘይፍትሓዊ መረጻ" ብዝብል ዘነኣኣሶ ዀይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኵሉ ሓይልታት መንግስቲ ኣንጻሩ ከምዘዋደደ ነቒፉ።
ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ዘይወግዓዊ ውጽኢት መሰረት ብምግባር፡ ልዕሊ 52% ድምጺ ብምርካብ እዩ ዛዚሙ፤ ዳርጋ ፍርቂ መረጽቲ ኣብዛ ብዕምቆት ዝተኸፋፈለት ሃገር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ዝተደኰነ ምልካዊ ራእይ ኤርዶጋን ኣይደገፉን።
ኣብ መወዳእታ፡ ሚስተር ኪሊችዳሮግሉ ዋላ’ውን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ንሕንሕ ዝኣተወሉ ዙር እንተዀነ፡ ምስቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ጐስጓስ ዘካየደ ኤርዶጋን ዝዳረግ ኣይነበረን።
ንሱ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ካብ መወዳድርቱ ብልዕሊ ክልተ ሚልዮን ድምጺ ድሒሩ ነይሩ።
ብኣንጻሩ፡ እቲ ፕረዚደንት ዓወቱ ብዝበለጸ ተጠቒሙሉ። ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ቱርኪ ኢስታንቡል ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ወጺኡ፡ ንደገፍቱ መደረ ኣስሚዑ፡ ለይቲ ድማ ካብ ቤተ መንግስቱ ናብ 320 ሽሕ ሰባት ዝግመቱ ደገፍቱ መደረ ኣስሚዑ።
"ንሕና ጥራይ ኣይኰናን ተዓዊትና፡ ቱርኪ እያ ተዓዊታ" ክብል ኣዊጁ፡ ኣብ ታሪኽ ቱርኪ ካብ ዝተኻየዱ ኣገደስቲ መረጻታት ሓደ ክብል’ውን ተዛሪቡ።
ንሱ ንስዕረት መጋጥምቱ "ቻው! ቻው! ከማል" ብዝብል ቃላት ኣላጊፅሉ - እዚ ጭርሖ'ዚ ኣብ ኣንካራ ደገፍቱ'ውን ተቐቢሎም ኣጕሊሖምዎ።

ምንጪ ስእሊ, ERDEM SAHIN/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ሚስተር ኤርዶጋን፡ ቁጽሪ መናብሩ ናብ 129 ወሪዱ ነይሩ፤ ምኽንያቱ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ዓሰርተታት መናብር ንመሻርኽቱ ኣረኪቡ ስለዝነበረ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ ኪዳን ተቓወምቲ ዝኽተሎ ን 'ኤልጂቢቲ’ [ሕደ ፆታ] ዝድግፍ ፖሊሲታት ኰኒኑ። እዚ ድማ ምስቲ ባዕሉ ኣብ ስድራቤታት ዘለዎ ትዅረት ዝጻረር እዩ ኢሉ።
ዋላ'ኳ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት እንተዘይተረጋገጸ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መረጻ መን ከምዝተዓወተ ዘጠራጥር ከምዘይኰነ ሓቢሩ።
እቲ ቤተ መንግስቲ ንህዝቢ ክኽፈት ኣዝዩ ዘይተለምደ እዩ፣ ኣብዚ እዋን ውጽኢት ዝንገረሉ እዋን ግን ከምኡ ኰይኑ፡ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐሉ ግዜ ናብ ርብዒ ክፍለ ዘመን ኣናዊሕዎ።
ነቲ ዓወት ንምጥዓም ካብ መላእ ኣንካራ ደገፍቲ መጺኦም፤ እስላማዊ ጭርሖታት ዝሓዙ ነይሮም። ገሊኦም ድማ ባንዴራ ቱርኪ ኣብ ሳዕሪ ኣንቢሮም ጸሎት ይገብሩ ነይሮም።
ንሓንቲ ለይቲ ቍጠባዊ ቅልውላው ቱርኪ ተረሲዑ ሓዲሩ፡ ሰይሃን ዝተበሃለ ደጋፊኡ፡ "ዝጠመየ ሰብ የለን። ብናይ ቍጠባ ፖሊሲታቱ ኣዚና ሕጕሳት ኢና፤ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝያዳ ክሰርሕ'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ግን ንዋጋታት ንብረት ምምካት እቲ ዝያዳ ህጹጽ ጉዳይ ቱርኪ ምዃኑ ተኣሚኑ።
እቲ ሕቶ ነዚ ንምግባር ዘድሊ ስጕምትታት ክወስድ ድሉው ድዩ ዝብል እዩ። ዓመታዊ ዳርጋ 44% ዝቕባበ ዋጋታት፡ ህይወት ኵሉ ሰብ ይጸሉ ኣሎ።
ዋጋ መግቢ፡ ክራይ ገዛን ካልእ ዋጋታት መዓልታዊ ኣቝሑትን ኣዝዩ ወሲኹ፡ እዚ ድማ ኤርዶጋን ቍጠባዊ ፖሊሲ ምኽባርን ወለድ ምውሳኽን ዘስዓቦ እዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ሊራ [ገንዘብ ቱርኪ]፡ ምስ ዶላር ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝበጽሐን፡ ማእከላይ ባንክ ድማ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ይቃለስ ኣሎ።
"ከምቲ ኤርዶጋን ምልክት ዝሃቦ ብትሑት ወለድ እንተቐጺሎም፡ እቲ እንኮ ካልእ ኣማራጺ ዝያዳ ጽኑዕ ምቍጽጻር ርእሰ-ማል'ዩ" ክብል ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮክ ፕሮፌሰር ስነ-ቝጠባ ሰልቫ ደሚራልፕ ኣጠንቂቝ።
ጉዳይ ቁጠባ ካብ ኣእምሮ ደገፍቲ ኤርዶጋን ዝረሓቐ ኰይኑ ሓዲሩ፤ ደገፍቱ ኣብ ዓለም ብዘለዎ ሓያል መርገጺን ኣብ ምቅላስ "ኣሸበርቲ" ተሪር መስመርን ዝሕበኑ እዮም፤ ንዕጡቓት ኩርዳውያን ማለቶም እዮም።
ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ንቐንዲ ተቓዋሚኡ ብኣሸባርነት ክኸስስ ከሎ፡ ንሓባራዊ መራሒ ካልኣይ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ቱርኪ-ኩርዳውያን ኤችዲፒ፡ ሓራ ከውጽኦ ቃል ብምእታዉ ድማ ነቒፍዎ።
ሰላሃቲን ደሚርታስ፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ክፍታሕ ኣዚዙ እኳ እንተነበረ፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ ኣሎ።
ሚስተር ኤርዶጋን፡ ንሱ ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ሚስተር ደሚርታስ ክፍታሕ ማለት ዘበት ምዃኑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ለካቲት ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ንዝተሃስዩ ከባቢታት ዳግመ ህንጸት ቀዳምነት ክህብን "ብወለንታ" ሓደ ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ክምልስን ቃል ኣትዩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

