ኣብ ሰለስተ ክልላት ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም- ኢሰመኮ

ብረት ዝሓዙ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዕጡቓት ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ብዝፈሙዎ መጥቃዕቲታትን ዝተፈጥረ ጐንጽን ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እዚ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብተን ዞባታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ካብ ዝበጽሖም ጥቈማን ጥርዓናትን መሰረት ብምግባር፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰፊሕን ከቢድን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ኣመልኪቱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ብሄረሰባት ኣዊን ዞባ ምዕራብ ጎጃምን፣ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዞባ ኣርቺን ዞባ ቀሌም ወለጋን፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ኣሶሳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 63 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኮሚሽነር እቲ ትካል ዶክተር ዳኒኤል በቀለ፡ “እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ጉድኣት ቅድሚ ምዕራጉን ዝያዳ ጉድኣት ምብጽሑን መንግስቲ ግቡእን ሰላማውን ፖለቲካዊ ፍታሕ ተግባራዊ ክገብር” ጸዊዑ።

ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ 36 ኣመንታ ከም ዝተቐተሉ ምግላጻ ይዝከር።

እቲ ቅትለት ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሺርካ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ሶሊ ሚካኤል፣ ዲገሉ ማርያም፣ ሮቤ እንደቶ ደብረ ምጥማቕ ማርያም ከም ዝተፈጸመ እያ ሓቢራ።

ብዛዕባ'ዚ ቅትለታት ተወሳኺ እንታይ ይብል?

እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ 29 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሩ ኣብ ክልተ ወረዳታት ዞባ ብሄረሰብ ኣዊ ብዝተወልዐ ብሄር ተኰር ጐንጺታት ሞትን ኣካላዊ ጉድኣትን ከም ዝበጽሐ ጠቒሱ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ንብረት’ውን ዕንወት ከም ዘስዓበ እኳ እንተገለጸ ብሰንኩ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ግን ኣየነጸረን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቡሬ ኣብ ዝርከባ ጣብያታት ብ30 ጥቅምትን 1 ሕዳር 2016 ዓ.ም “ዘይስሩዓት ዕጡቓት ኣምሓራ ምዃኖም ዝተገልጹ ጉጅለታት” ብዝፈጸሙዎ ብሄር ተኰር መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተፈጥረ ጐንጺ ምኽንያት ሞትን ኣካላዊ መጉዳትን ዕንወት ንብረት ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ጐንጺ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ከባቢታትን ክልል ኦሮሚያን ከም ዝተመዛበሉ የረድእ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ድማ ኣብ ዞባ ኣሶሳ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ጣብያታት መንግስቲ “ሸኔ” ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ብ19 ሕዳር 2016 ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ኣብቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሐ መጥቃዕቲ 17 ሰባት ክሞቱ እንከለው፤ ካልኦት ሸውዓተ ቈሲሎም፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይ ድማ ጅሆ ተወሲዶም።

ብተወሳኺ ኣብተን ሰለስተ ጣብያታት ዝርከባ ዓድታት መብዛሕትአን ተቓጺለን፣ ኣእኻልን እንስሳ ዘቤትን ሓዊሱ ንብረት ስለ ዝዓነወ፣ ነበርቲ ካብቲ መጥቃዕቲ ሃዲሞም ናብ ጎረባብቲ ከባቢታት ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻብ ኢሰመኮ የመልክት።

ካብ 13 ሕዳር 2016 ጀሚሩ ድማ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ሸርካ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓድታት “መንነቶም ብወግዒ ዘይተፈልጠ ዕጡቓት” ፈጺሞምዎም ብዝተባህሉ ብሄር ተኰር መጥቃዕቲታት ዕሸላት፣ ነፍሰጾር ኣዴታትን ኣረጋውያንን ዝርከቡዎም ኣስታት 30 ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምስዚ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲታት ክፍጸሙ ከም ዝጸንሑ ብምምልኻት ኣመንታ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝዀኑን 36 ከም ዝተቐትሉን ገሊጻ'ላ።

ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቀሌም ወለጋ ወረዳ ጊዳሚ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስቲያን ሃሞ ቶኩማ መካነ እየሱስ “መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት” ብ14 ሕዳር 2016 ዓ.ም ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ትሽዓተ ምእመናንን ካልኦት ኣገልገልትን ተቐቲሎም።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብተን ክልላት ብዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 63 ሰባት ምሟቶም እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ'ሎ።

ኢሰመኮ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮምያን ብዝካየድ ዘሎ ግጭታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓብዪ ስክፍታ ከም ዘሕደርሉ ኣፍሊጡ።

“ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ብሰፊሑ ዝረአ ዘሎ ጐንጺታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ቅትለት፣ ምምዝባል፣ ማእሰርትን ዝምታን ህይወት ነበርቲ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ገይሮም’ዮም”።

መንግስቲ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ንምቁጽጻር ሰራዊት ዘዋፈረ ኰይኑ ብሰንኩ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ይዀኑ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ይግለጽ ኣሎ።

ኮሚሽነር ዳኒኤል “ኩሎም ዕጡቓት ጉጅለታትን መንግስትን ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ብምግባር ናብ ዘተ ክኣትዉ ኣለዎም፤ መንግስቲ ድማ ንኹሎም ብፍላይ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን መጥቃዕትን ተቓላዕቲ ዝዀኑ ከባቢታትን ነበርትን ምሉእ ሓለዋን ጸጥታን ከረጋግጽ ኣለዎ” ኢሉ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ክዋጋእ ዝጸንሐ ፋኖን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ምዃኖም መንግስቲ ክኽሰስ እኳ እንተጸንሐ፡ እቶም ጉጅለታት ተሓታቲ መንግስቲ'ዩ ብምባል ንዝቐርበሎም ክስታት ይነጽጉዎ።

ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ጸጥታን ድሕነትን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ተደጋጋሚ ጻውዒት ክቐርብ ዝጸንሐ'ሎ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ መንግስቲ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ዝገበሮም ልዝባት ብዘይ ውጽኢት ከም ዝተዛዘሙ ይዝከር።