ፕረዝደንት ማክሮን፡ እስራኤል ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ጋዛ ምድብዳብ ደው ክተብል ፀዊዑ

Published

ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ሕንጦታትን ደቂ ኣንስትዮን ምቕታል ደው ክተብል ይግባእ ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኤሊዜ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ፍሉይ ቃለ-መሕትት፡ ነቲ ደብዳብ “ዋላ ሓደ መመኽነይታ” የብሉን ብምባል፡ ተኹሲ ደው ምባል ንእስራኤል ከም ዝጠቕማ ገሊፁ።

እስራኤል ንርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ዝሃበ እቲ ፕረዝደንት፡ “ኣብ ጋዛ ትፍፅሞ ዘላ ደብዳብ ደው ክተብል ንፅውዕ” ኢሉ።

እንተኾነ፡ ፈረንሳይ ን “ግብረ ራዕዳዊ” ተግባራት ሓማስ “ብግልፂ ከም ትኹንኖ” ኣነፂሩ።

ፈረንሳይ፡ ከም እስራኤል፣ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ንሓማስ ከም ግብረራዕዳዊ ትካል እያ ትቖፅሮ።

ንኣሜሪካን ብሪጣንያን ሓዊሱ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ናብዚ ዘቕረቦ ፃውዒት ተኹሲ ደው ምባል ክፅንበሩ ድልየት እንተልይዎ ዝተሓተተ ማክሮን፡ “ክፅንበሩ ተስፋ እገብር “ኢሉ።

እስራኤል፡ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ንወተሃደራዊ ዒላማታት ሓማስ ከምተጥቅዕን ኣብ ሲቪላት ጉድኣት ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ስጉምቲ ከም ትወስድን እያ ትገልፅ።

ኣብ ፅባሕ እቲ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝን ኵናት ጋዛን ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝተዛረበ ፕረዝደንት ማክሮን፡ “ንፁር መደምደምታ” ኣብዚ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኩሎም መንግስትታትን ኤጀንስታትን፡ “ካብ ግዝያዊ ተኺሱ ደው ምባል ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የለን ዝብል’ዩ። ምቁራፅ ተፃብኦ ነቶም ምስ ግብረ-ራዕዳውያን ዘራኽብ ዘይብሎም ኩሎም ሲቪላት ክንከላኸለሎም ዘኽእለና’ዩ” ኢሉ።

“ብግብሪ- ሎሚ መዓልቲ ሲቪላት ይድብደቡ ኣለዉ። እዞም ሕንጦታት፣ እዘን ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ተደብዲቦም ተቐቲሎም። ነዚ ምኽንያትን ሕጋውነትን የለን። ስለዚ እስራኤል ደው ክተብል ንፅውዕ” ኢሉ።

ንርኢቶ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ፡ ሃገራት ንእስራኤል ዘይኰነስ ንሓማስ ክኹንና ይግባእ ኢሉ።

ካብ ቤት-ፅሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝወፅአ መግለፂ፡ “እቲ ሕዚ ሓማስ ኣብ ጋዛ ዝፍፅሞ ዘሎ ገበናት ፅባሕ ኣብ ፓሪስ፣ ኒው ዮርክ ወይ ካልእ ክፋል ዓለም ክፍፀም’ዩ” ብምባል ንፃውዒት ማክሮን ነቒፍዎ።

ሚኒስትር ጥዕና ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ደብዳብ ካብ ትጅምር ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ 11,078 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 1.5 ሚልየን ህይወቶም ንምድሓን ካብ መረበቶም ከም ዝተሰደቱ ኣፍሊጡ’ዩ።