ኣለክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ናይ ረቡዕ ግጥም ንክሳተፍ ናይ ስራሕ ፍቓድ ይጽበ ኣሎ

Published

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ዝተሰጋገረ ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣለክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብቲ ጋንትኡ ጽባሕ እተካይዶ ግጥም ፕሪሜርሊግ ንምጽዋት ናይ ስራሕ ፍቓድ ካብ ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ይጽበ'ሎ።

ኒውካስል ጽባሕ ረቡዕ ኣንጻር ሓያል ጋንታ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ከትገጥም’ያ። 

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብወግዒ ውዕል ዝፈረመ ወዲ 22 ኣጥቃዓይ፡ ጋንትኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ዎልቭስ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ኣይተሳተፈን። እቲ ግጥም 1 ብእ 1 ዝተዛዘመ'ዩ ነይሩ።

ኣሰልጣኒ ኒውካስል ዩናይትድ (ማግፒስ) ኤዲ ሃው ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣይፈልጥኩን ዘለኹ" ክብል ብዛዕባ ኣለክሳንደር ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ሂቡ።

"ኣዝየ ተስፋ እገብር። ኣብ ኢድ ካልኦት ሰባት ኢና ዘለና፡ ቅድሚ'ቲ ጸወታ ክውዳእ ድማ ተስፋ እገብር" ይብል እቲ ኣሰልጣኒ።

"እንተደንጐየ፡ 75 ደቒቕ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ክውዳእ ኣለዎ፣ ስለዚ ክሳብ ናይ መወዳእታ ህሞት ክጽበ ይኽእል'ዩ"።

ካለም ዊልሶን ዝርከቦም ሓያለ ኣገደስቲ ተጻወቲ ብሰንኪ መጉዳእቲን ካልኦት ምኽንያታትን ክቦኽሩ ስለዝኾነ፡ ኩነታት ኣለክሳንደር ኢሳቕ ወሳኒ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ሊቨርፑል ከም ብዓል ዲየጎ ጆታ፡ ናቢ ከይታ፡ ኢብራሂማ ኮናተ፡ ቲያጎን ከለሀርን ዝበሉ ተጻወቲ ብሰንኪ መጉዳእቲ ካብ ግጥም ወጻኢ ብምዃኖም ንኒውካስል ጸቕጢ ዘቃልል ከይኮነ ኣይተርፍን።

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ክሪስ ሳተን፡ ከምዝብሎ፡ ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ግጥማ 9 ብ 0 ስዒራ'ኳ እንተነበረት፡ ኒውካስል ግን "ሓደገኛ" ጋንታ ምዃና ኣሚቱ'ሎ።

ብዓይኒ ሳተን ግን፡ ዋላ ኣለክሳንደር ኣብቲ ናይ ረቡዕ ግጥም ይሳተፍ፡ ሊቨርፑል 4 ብ 0 ክትስዕር'ያ ክብል ትንቢቱ ገሊጹ'ሎ።

ግምቱ ክግሃድ'ዩ? ሜዳ ሊቨርፑል ኣንፊል እትወልዶ ክኸውን'ዩ።

ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝኾነ ኣለክሳንደር ብልዕሊ 70 ሚልዮን ዶላር'ዩ ካብ ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ሶሲዳድ ናብ እንግሊዛዊት ክለብ ኒውካስል ዩናይትድ ተሰጋጊሩ።