እስራኤል ፍልስጤማውያን ካብ ደቡባዊ ቓዛ ክወጹ ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት እስራኤል፡ ድሕሪ ዝተተኰሱ ሮኬታት፡ ፍልስጤማውያን ካብ ደቡባዊ ቓዛ ከተማ ከሃን የኑስ ንኣንፈት ምብራቕ ዝርከብ ቦታ ክለቍ ኣዚዙ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብቋንቋ ዓረብኛ መልእኽቲ ቅድሚ ምዝርግሑ፡ ሰባት ካብቲ ከባቢ ንኽወጹ ብመልእኽቲታት ድምጺ ተሓቢሮም።
መሰኸኻኽር ዓይኒ፡ ብዙሓት ኣቐዲሞም ይሃድሙ ከም ዘለዉ ገሊጾም።
ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ካብ ዝተካየዱ መጥቃዕትታት ዝኸበደ መጥቃዕትታት ሮኬት ድሕሪ ምፍጻሙ እያ እስራኤል ነዚ ትእዛዝ ኣውሪዳ ዘላ።
እስላማዊ ጂሃድ ፍልስጤም፡ ኣስታት 20 ሮኬታት ናብ እስራኤል ከም ዝወንጨፈን፡ እዚ ነቶም እስራኤል ትፍጽሞም ዘላ “ገበናት” ግብረ መልሲ ከም ዝዀነን ኣፍሊጡ።
ካብዞም ዝተወንጨፉ ሮኬታት እቶም ዝበዝሑ ከም ዝበርዐኑ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።
እዚ ናይ ሕጂ ትእዛዝ ምግዓዝ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከሃን የኑስ ንዝርከብ “ዩሮፒያን ሆስፒታል’ ዝሓውስ እዩ።
ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ድሮ መሳርሕታቶም ናብ ሆስፒታል ናስር የግዕዙ ከም ዘለዉን ገለ ተሓከምትን ሰራሕተኛታትን’ውን ከም ዝወጹን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ሸጃያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ንሓምሻይ መዓልቲ ዝቐጸለ ከቢድ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ደቡባዊ ራፋሕ ሓደ ወተሃደር እስራኤል ተቐቲሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ወተሃደራቱ ኣብ መላእ ግዝኣታት ፍልስጤም ኣብ “ከቢድ ውግእ” ተጸሚዶም ከም ዝርከቡ ብሰንበት ገሊጹ’ዩ።
ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ 07 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኲናት እስራኤል-ቓዛ ከም ዝተወልዐ ይዝከር።
እስራኤል በቲ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ካልኦት 251 ሰባት ብሓማስ ጅሆ ከም ዝተትሓዙን ትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ንዝተፈጸመ ቅትለት 23 ሰባት ዝርከብዎም፡ እዚ ኲናት ካብ ዝውላዕ ልዕሊ 37 900 ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ከም ዝተቐተሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ የመልክት።
ክልላዊ ባይቶ እሽኮል፡ 18 ሮኬታት ናብ ዘመሓድሮም ከባቢታት ከም ዝተወንጨፉ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ከፋት ቦታታት ከም ዝዓለቡን ሓደ ግን ኣብ ሓጹር ‘ኪቡዝ ሆሊት’ ከም ዝዓለበን ምግላጹ ዮሩሳሌም ፖስት ኣቃሊሓ።
እዚ ብእስላማዊ ጂሃድ ፍልስጤም ብሰኑይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ካብ ጥሪ ንነጀው ዝተፈጸመ ዝዓበየ መጥቃዕቲ እዩ።
ኣገልግሎት ዜና ፍልስጤም ዋፋ፡ ብሰኑይ እስራኤል ኣብ ከተማ ኩዛ ብዘካየደቶ ደብዳብ ሓደ ሲቪል ከም ዝተቐተለን ብዙሓት ከም ዝተጐኡን ኣፍሊጣ።
ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ኣብ ሸጃያ ንዝርከብ ጐደናን ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኑሰርያት ንኣንፈት ሰሜን ኣብ ማእከላይ ቓዛ ንዝርከብ ከባቢን’ውን ዒላማ ከም ዝገበራ ኣቃሊሑ።
ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ ብወገኑ፡ ኣባላቱ ብተፈንጃሪ መሳርሒ ንክልተ ታንክታት እስራኤል ዒላማ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጡ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ሸጃያ ብዘካየዶ ‘ወፍሪ’፡ “ንብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን ከም ዝደምሰሱን ብዙሕ ኣጽዋር ከም ዝረኸቡን” ሓቢሩ። ደብዳባት ኣየር እውን ኣስታት 20 ብምቕታል፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ መፍረይን መኽዘንን ኣጽዋር ከም ዘዕነዉ ገሊጹ።
ትካል ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሸጃያን ከባቢኡን ዝነበሩ ኣስታት 80 ሽሕ ፍልስጤማውያን ንኣንፈት ደቡብ ክግዕዙ ብሰራዊት እስራኤል ዋላ’ኳ እንተተነገሮም፡ ኣብ ከባቢ ዋዲ ቓዛ ንዝርከብ መፍተሺ ነቝጣ እስራኤል ክሓልፉ ብዘይምኽኣሎም ንኣንፈት ምዕራብ ክኸዱ ይግደዱ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።
ፍልስጤማውያን ተዋጋእቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ቀንዲ ዒላማ ምድራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ዝነበሩ ብዙሓት ከባብታት ሰሜን ዳግማይ ንርእሶም ወዲቦም ይርከቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
